ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ 

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ

“ሓደ ሰብ ዋላ’ኳ ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ገበን ይፈጽም ናይ ሞት ፍርዲ ዘይምብያን በቲ ገበነይና ተሰዓሪ ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ ናይ ሕይወት ክብሪ ክሳብ ክንደይ ዝለዓለን ብርቱዕን ምዃኑ ምምስካር ማለት እዩ”

ናይ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ርእሰ ብሔር ትራፕ ናይ ሞት ፍርዲ ደው ከብሉን ዝተሓርዩ ርእሰ ብሔር ባይደን ብፈደራላዊ ጽፍሒ ኣብ ናይ መላእ ሃገር ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ ዝምልከት ዓንቀጽ ንምውጋድ ክዓዩን እዚ ኸኣ ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ሕይወት ቅዱስነት ዝጻረር እዩ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ እቲ ናይ ብጽዓን ጳጳሳት ጻውዒት ኣብ ልዕሊ ሊሳ ሞንትጎመርይ ዝተበየነ ናይ ሞት ፍርዲ ንግዚኡ ብይጽናሕ ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ዝቐረበ ክኸውን እንከሎ፡ ሞንትጎመርይ ካብ 1953 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነን ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ምዃነን ክንገር እንከሎ፡ ኣባል ማሕበር ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሪዮ ማራዛቲ፥ ዓለም ፍትሒ ብዘይ ዓመጽ ኣብ ምትግባር ስልጡን ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ
ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕይወት ቅዱስነትን ክቡርነትን ምኽባር፥ እዚ ክቡር ዋጋ’ዚ ፍርዲ ሞት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነትን ቦታን ዘይቅቡል ይገብሮ፡ እንክብሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ብፈደራላዊ ደረጃ ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክትክእ ዝኽእል ብዙሕ ዓይነት ኣማራጺ ኣሎ፡ ብሓጺሩ ናይ እክላሆማ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ኮኣክለይን ናይ ካንሳስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ናኡማን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ውሽጣዊ ፍትሕን ሰብኣዊ  ምዕባለን ምእንት ሕይወት ሓልዮ ድግረታት ኣበ መናብርት ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ናይ ምዃን ስልጣኖም ብወግዒ ዝርከቡ ባይደን ብፈደራላዊ ጽፍትሒታት ግዚያዊ ምቁጻራጽ ናይ ሞት ፍርዲ ክሳልጡን ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም ከይቕተሉን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ንኽቋረጽ ክዓዩን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ ኣተሓሒዙ እውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ እዉናት ኣባይቲ ማሕቡስ ኣብ ዘለሉ እዋን ናይ ሞት ፍርዲ ዋሕስ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣመላኺቶም፡ ብዘይ ናይ ሞት ፍርዲ ፍትሕ ተኻኣሊ እዩ፡ ዝበሉ ብጹዓን ጳጳሳታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣስዒቦም ናይ ቀረባ እዋን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ደጋጊሞም ጻውዒት ከምዘቕረቡን የቕርቡን ከምዘለዉ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት የዘኻኽሩ።

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ
ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ብዘይ ፍርዲ ሞት ፍትሒ ምፍጻም ተኻኣሊ እዩ

ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብዚ እዋን’ዚ 53 ዓመት ዝዕድመአን ቅድሚ 16 ዓመት ሓንቲ ነፍሰ ጹር ኣደ ኣብ ማሕጸን ሻምናይ ወርሒ ተቑጽር ዝነበረት ሕጻን ኣውጺኤን ኣብ ልዕሊ እተን ኣደ መቕተልቲ ዝፈጸማ ተኸሳሲት ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነን ሊዛ ሞንትጎመርይ ኣብ ሕይወተን ዝወረደን ዓመጽን ምዝመዛን ብዘሕደረለን ጸቕጢ ብናይ ኣእምሮ ጥዕና ምጉዳል ዝሳቐያ ብምዃነን ናይ ኢንዲያና ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎን ብምዃነን ኣብ ሕይወተን ሕገ መግንስቲ ዘንብሮ ናይ ዜጋታት መሰለን ዝተጋህሰን እየን ብዝብል ጠበቓታተን ዘቕረብዎ ሕቶ ንግዚኡ እቲ ዝተበየነን ናይ ሞት ፍርዲ ክጸንሕ ከምዝተገብረ ክንገር እንከሎ፥

ኣብ መንግስቲ ርእስ ብሔር ትራምፕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ 17 ዓመት ግዚያው ምቁራጽ ናይ ሞት ፍርዲ ዳግም ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረን ካብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ንነጀው ዓሰርተ ዜጋታት ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ከምእተቐትሉ ዝሓበሩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ውሽጣዊ ፍትሕን ሰብኣዊ ምዕባለን ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኮኣክለይ “ሕብረተሰብ ንምውሓስ ናይ ሞት ፍርዲ ኣገዳሲ ኣይኮነን” እንክብሉ ናይ ምእንቲ ህይወት ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ናኡማን፥ “ሓደ ሰብ ዋላ’ኳ ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ገበን ይፈጽም ናይ ሞት ፍርዲ ዘይምብያን በቲ ገበነይና ተሰዓሪ ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ ናይ ሕይወት ክብሪ ክሳብ ክንደይ ዝለዓለን ብርቱዕን ምዃኑ ምምስካር ማለት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ድሕሪ ዘስካሕክሕ ዝተፈጸመ ገበን እውን ይኹን ኣብ ልዕሊ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ንዘይገሃስን ክብሩን ዓቢይ ፈተነ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብቖራጽነት ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርድ ክውገድ ትላበውን ኣብዚ መዳይ እውን ትሓንጽ። እዚ ኣምር እዚ እውን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገራት ሰብ ካብ ናይ ፍትሒ ጸላኢ ንምክልኻል ካብ ናይ ሞት ፍርዲ መቕጻዕቲ ካልእ ፍኖት የሎን ቢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን” ብዝብል ሓሳብ የብርሁ።

ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ኣመልኪቶም ኣባል ማሕበር ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሪዮ ማራዚቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ኣመለኽታን ውሳኔን እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘመላኽቶ እዩ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነትን እዋንን ሕይወት ምክልኻል፥ ክንየው ገበነይናነት ዝበረኸ ክብሪ እሎ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ክብሪ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ፍትሒ ጉደና ካብ ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ሕሩም እዩ” ብዝብል ኣምር ተመላኽቶ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 22 ግዝኣት ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ከምዝሓኸኻን ካዛኪስታን ኣብ 2021 ዓ.ም. ናይ ፍርዲ ፍርዲ ዝምልከት ዓንቀጽ ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዕለት 2 ጥሪ ከምዝሓኸኸቶ ማራዚቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕገን ናይ ሞት ፍርዲ ዘየስፈራ ሃገራት 16 ጥራሕ ከምዝነበራን ኣብዚ እዋን`’ዚ እቲ ብዝሒ ናብ 142 ክብ ከምዝበለ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

13 January 2021, 22:57