ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣብ ሞስኮ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣብ ሞስኮ 

ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማን ማእሰርትን ኣብ ሩሲያ

ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ሞስኮ ኣብ መንጐ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱን ሓይሊ ጸጥታን ግጭት ምክያዱ

ኣብ ሞስኮ በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብናቫልንይ ንዝምራሕ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ ድጋፎም ንምግላጽ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ከምዘካየዱን ብዙሓት እውን ከምእተኣሰሩን ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 23 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ብሓይሊ ጸጥታ ከምእተስሩ ክንገር እንከሎ፡ ናይቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣሰናድኢ ሽማግለ 3,400 ዜጋታት ከምእተኣሰሩ ይሕብር፡ እቶም ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታት ኣብ ከተማታት ሩሲያ ኣብ ዝርከብ ኣብ ዝተፈላላየ ኣደባባይ ብምውጻእ ንናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ኣለክሰይ ናቫልንይ ተሰሚሞምን በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ኣብ ጀርመን ብሕክምና ክድገፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 17 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ናብ ሃገሮም ምስ ተመስሉ ዝወረዶም ማእሰርቲ ንምቅዋምን ቅርበቶምን ድጋፎምን ንምግላጽን ክፍትሑን ዝሓትት ዘካየድዎ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ናቫልንይ እቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝተፈጸመ ግብረ ምረዛ ተሓታቲ ናይ ሩሲያ ናይ ደጥታን ደሕንነትን ሓይሊ እዩ ከምዝበሉ ይንገር።

እቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፍቓድ ዘይተወሃቦ ምዃኑን፡ ብዙሓት ማሕበራዊ መረብት ብምጥቓም ዘዳለውዎ ከምዝኾነን ኣብ ሞስኮ ጥራሕ 15.000 ዜጋታት ኣብ ኣደባባይ ፑሽኪን ተረኺቦም ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ከምዘካየዱን ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ሞስኮ ኣብ መንጐ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱን ሓይሊ ጸጥታን ግጭት ምክያዱ ካብ ሞስኮ ዝወጹ ሓበሬታ የመላኽቱ።

24 January 2021, 18:19