ናይ ሰበኻ ኦወሪ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ናይ ሰበኻ ኦወሪ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ 

ናይጀሪያ፥ ተጨውዮም ዝነበሩ ጳጳስ ናጻ ተለቒቖም

ቅዱስነቶም ኵሎም ምእመናንን ልኡካነ ወንጌልን ናጻ ምልቓቕ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ከምዘሐጐሶምን ኣብ ናይጀሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ፊሊፓዚ ሓቢሮም

ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብረት ብዝተዓጥቑ ሰባት ተጨውዮም ዝነበሩ ናይ ሰበኻ ኦወሪ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ምሸት ሰዓት 10 ናጻ ከምእተለቁ ናይታ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ኣቡነ ኣንቶንይ ኦቢና ሓቢሮም፡ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ብጽዕ ኣቡነ ቺክወን ካልእቶ ኵሎም ዝተጨውዩ ናጻ ክልቐቑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኩሉ ምእንቲ ዝተጨውዩ ክጽልይ ከምእተላበዉ ዘኪሮም፡ ንቕዱስነቶምን ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ናጻ ክልቐቑ ሓይሊ ጸጥታ ስለ ዝፈጸሞ ስርሒትን ከምዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።


ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ኣቡነ ሞዘስ ቺክወን ምስኦም ዝነበሩ መራሒ ማኪናን ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ናብ መንበሮም ተመሊሶም ቤቶም እናኣተዉ እንከለዉ፡ ብረት ብዝተዓጥቑ ሰባት ተቐጥቂጦምን ምስ መራሒ ማኪናኦም ከምእተጨውዩን ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብናይ ናይጀሪያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት ዓሰርተ ካብቶም ጨወይቶም ናጻ ተለቒቖም ናብ መንበሮም ከምእተመልሱ ናይ ርእሰ ሰበኻ ኣወሪ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶንይ ኦቢና ከምዝሓበሩን፡


ኦቢና፥ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ መጉዳእቲ ከምዝወረዶም

ናይ ርእሰ ሰበኻ ኦወሪ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶንይ ኦቢና ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ናጻ ምልቓቖም ቅድም ቀዳድም ንእግዚኣብሔር ነመስግን መጠነይና መጉዳእት ዝወረዶምን ድኻም እውን ዝነበሮም እንተኾነ እቲ ዘገድስ ናጻ ምልቓቖም እዩ ቢሎም ናብ ቤቶም ከይዶም እውን ከምዝበጽሕዎምን በቲ ዘጓነፎም ሓደጋ ምጭዋይን በቲ ዘሕለፍዎ ከቢድ ተመክሮ ስቓይ ከምዝፈጠረሎምን እቶም ምስኦም ዝነበሩ መራሒ ማኪና ናብ ቤት ሕክምና ከምእተወስዱን ሓቢሮም፡ ናይ ዞባ ኢሞ ሓለዋ ጸጥታ ወሃቢ ቃል፥ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወን መራሒ መኪናኦምን ናጻ ክልቀቝ ገንዘብ ከምዘይተኸፈለን ሓይሊ ጸጥታ ናይ ዝተግበሮ ስርሒት ውጽኢት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዘቕረብዎ ጻውዒት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ንመእመናን ኵሎም ምእንቲ እቶም ዕለት 27 ታህሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ብረት ብዝተዓጥቑ ሰባት ዝተጨውዩ ናይ ኦወሪ ርእሰ ሰበኻ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሞዘስ ቺክወን ምስኦም ዝነበሩ መራሒ ማኪናን ዘኪሮም፥ ኣብ ናይጀሪያ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጓነፎም ኵሎም ብዘይ ሓደ መጉዳእቲ ናጻ ክልቀቑን ኣብታ ሃገር ጸጥታን ድሕንነትን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ንጸልይ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኵሎም ምእመናንን ልኡካነ ወንጌልን ናጻ ምልቓቕ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ከምዘሐጐሶምን ኣብ ናይጀሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ፊሊፓዚ ሓቢሮም ይብሉ ብዛዕባ ምጭዋይ ብጽዕ ኣቡነ ቺክወ ምስ ቅዱስነቶምን ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዖለዎት ኣካላትን ይራኸቡ ከምዝነበሩ ገሊጾም፡ ናጻ ምልቓቖም ንዅላትና ዘሐጉስ ሓበሬታ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓይሊ ጸጥታ ስርሒት

ናይ ዞባ ኢሞን ኣናምብራን ሓይሊ ጸጥታ ምስ ናይ ናይጀሪያ ፈደራላዊ ሓይሊ ጸጥታ ብምትሕብባር ተጨውዮም ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወን መራሒ ማኪናኦምን ናጻ ክልቀቝ ብምትሕብባር ይንቀሳቕሱን ሓበሬታ ይለዋወጡን ከምዝነበሩን ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀሪያ ብረት ዝተዓጥቍ ጉጅለታት ምስ ቦኮ ሓራም ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝተሓባበሩ ከምዝንቀሳቐሱን ብተደጋጋሚ ግብረ ጨወያ ዝረኣየሉ ዞባ እውን ምዃኑ ይንገር።

ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምጭዋይ ኣቡን ቺክወ ሓደ ካህን ንሓደ መዓልቲ ተጨውዮም ከምዝነበሩ

ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ቅድሚ ምጭዋዮም ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ዞባ ኢሞ ሓደ ገዳማዊ ካህን ኣባ ቫለንቲነ ኦሉቹኵኡ ኤዚጉ ዕለት 15 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ወላዲኦም ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም ኣብ ምምላስ እንከለዉ ብረት ብዝተዓጠቑ ሰባት ተጨውዮም ዕለት 16 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናጻ ከምእተለቁ ክዝከር እንከሎ ዕለት 30 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ክርስቲያን ደቀንስትዮ ማህበር ብጹዕ ኣቡነ ቺክወን መራሒ ማኪናኦም ናጻ ክልቀቑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዳ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 January 2021, 00:18