ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፥ መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝረአይ ዘሎ ውጥረት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፥ መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝረአይ ዘሎ ውጥረት 

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፥ መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝረአይ ዘሎ ውጥረት

ዋላ’ኳ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጐ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ዕጡቓት ሓይልታት ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተበጽሐ እንተነበረ ዓመጽ ይቕጽልን በሸሓት ዝቑጸሩ ንምዝብልናን ንኸቢድ ሰብኣዊ ጸገም ተቓሊዖም ከምዝርከቡን

ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንኽካየድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ መሰረት ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር መሃድዳት ይነዝሑ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ንምግባር ተዋዲዱ ይዓዪ ከምዘሎን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዓመጽን ተጻብኦነትን ኵሉ ደው ክብል ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ ቅድስቲ መንበር ዝሓለፍ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪባ ከምዝነበረት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዕለት 27 ታሕሳስ  ሕዝባዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ዕጡቓት ሓይልታት ዝተፈላለዩ መጥቓዕቱ ይፍንዉ ከምዘለዉን፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን ኣብታ ሃገር ዝተዋፈረ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ ናይ ዓቃቢ ሰላም ስርሒት ንኸበራትዕ ከምእተገደን፡ ብዙሕ ውጥረትን ምፍርራሕን እውን ይርአይ ከምዘሎን ቅድስቲ መንበር እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ነታ ሃገር ናብ ሰላምን ምርግጋእ ዝመርሕ ክኸውን ተስፋ ብምግባር ኵሉ ምእንቲ ሰላም ክዓዪ ጻውዒት ከምዘቕረበት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕ ኣቡነ ካቻ ዘቕረብዎ ጻውዒት

ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብዛዕባ ረፓብሊክዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣማእኩሉ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሬለ ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኵሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይሊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ከብሉን እቲ ናይ ሞት መጋብርያ ዝኾነ ኣጽዋሮም ፈቲሖም ኣብ መስርሕ ሰላም ክዋፈሩን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ከተባብዖምን ብፍላይ ኵሉ ዜጋ እታ ሃገር ብዘይ ምንም ዓይነት ናይ ቋንቋ ድዩ ናይ ዓሌት ናይ ሃይማኖት ድዩ ማሕበራዊ ጽፍሕታትን ፖለቲካዊ ኣመላኻኽታን ኣፋላላይ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክተግሁ” ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ታሪኻዊ እንክብሉ ገሊጾም፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ክካይድ ናይ ኵሉ ዜጋ ድላይን ሓላፍንትን ክኸውን እንክብሉ ጽዋዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ የመላኽት።

ተጻብኦነት ክውገድ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጻውዒት የቕርብ

ዋላ’ኳ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጐ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ዕጡቓት ሓይልታት ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተበጽሐ እንተነበረ ዓመጽ ይቕጽልን በሸሓት ዝቑጸሩ ንምዝብልናን ንኸቢድ ሰብኣዊ ጸገም ተቓሊዖም ከምዝርከቡን ነቲ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብታ ሃገር ንምርግጋእን ሰላምን ዝተዋፈረ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስትት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ኣብ ቦሰምፕተለን ቦሰምበለን ዕጡቓት ሓይልታት ዒላማ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት ብርቱዕ ሓለዋ የካይድ ከምዘሎን ኣብታ ሃገር ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ወሃቢ ቃል ቭላድሚር ሞንተይሮ፥ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ፋውስቲን ኣርቻንጀን ቱደራን መንግስቶምን መጥቃዕቲ ከውርድ እየ እንክብሉ የፈራርሑ ከምዘሎን ገሊጾም በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ዓቃቢ ሰላም ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽ ብዓንተውኡ ከይኽሰት ኣብ ምግባር ይንቀሳቐስ ኣሎ ከምዝበሉን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ብወገኖም ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ እናሰፈሔ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረትን ዓመጽን ኮኒኖም፡ ኵሎም ዕጡቓት ሓይልታት ተጻብኦን ዓመጽን ኣወጊዶምን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክትግብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ፈረንሳን ሩሲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤትን ነበር ርእሰ ብሔር ፍራንሱዋ ቦዚዘን ዕጡቓት ሓይልታት ኵሎም ኣጽዋር ውግእ ክፈጥትሑ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 December 2020, 15:06