ጳጳሳት፥ ሕዛባዊ ምርጫ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ምትሕብባርን ይላበዉ ጳጳሳት፥ ሕዛባዊ ምርጫ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ምትሕብባርን ይላበዉ 

ጳጳሳት፥ ሕዛባዊ ምርጫ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ምትሕብባርን ይላበዉ

ብጹዓን ጳጳሳት መላእ ሕዝቢ ሃገሮም ከከም ሓላፍነቱ ሰላም እናማዕደወ ኣብ ሕንጸት ሰላም ክነቅሕን መንግስቲ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ኪደታቱ ኵሉ ናጻን ስርዓትን ሕግን ዘኽብር ክኸውን ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ብምትሕብባር ኣበርቲዑ ክዓይዪ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንኽካየድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ መሰረት ገይሮም ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ፥ ሕዝቢ ብሓቂ ደኺሙን ኣብ ፍርሕን እዩ ስለዚህ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ሰላምን ውሕስነትን ከረጋግጸሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰላምን ዘተን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ርክብን ዘተን ክህሉን እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ሃገር ሰላም ዓቢይ ግደ ኣለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዓን ጳጳሳት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብታ ኣብ ስቓይ እትርከብ ሃገሮም ሓድነትን ሰላምን ውሑስ ክኸውንን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እውን ምዃኑን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ንናይ ሃገር ሓድነትን ሰላምን መግለጺ ክኸውን ተላብዮም፥ ናይ ሰላምን ተስፋን መልእኽቲ ንምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣመሓላሊፎም ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ውግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ንናይታ ሃገር መንእሰያትን ሰበ ስልጣናትን ኣባላንት ሓይሊ ምክልኻልን ኮታ ንመላእ ሕዝቢ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ተስፋን መልእኽተይናታት ኵኑ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ንናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ንኽዀን ሕጹያት ተመረጽቲ ኣብ ኩሉ ከባቢ ክንቀሳቐሱን ናይ ምረጹኒ ናጻ ጐስጓስታቶም ከካይዱ ከቢድ ከምዝነበረን መሃድዳትን ዘይውሕስነትን ብሰፊሕ ይረአይ ስለ ዘሎ እውን ዓቢይ ጸገም ከምዝፈጠረሎምን ብረታዊ ግጭት መፍትሒ ዘይኮነ ንመላእ ሕዝቢ ስግኣትን ፍርሕን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ውግእ እናወለደ ዝኸይድ ውግእ

ናይ ሕዝቢ ናጻ ምርጫ ንምዕጋትን ብብረት ስልጣን ንምዕታር ናይ ንጹሓ ንሞት ኣሕሊፍካ ብምሃብን ሃገር ብምዕናውን እዚ ኹሉ ምንቲ ምንታይ? እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘይመንግስታዊ ሰንትርይ እተሰምየ ናይ ውግእ ገበነይናታት ዝከታተልን ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምርምርን ትካል፡ እቲ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ውክልና እዩ ዝበሎ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተተባብዕን ናጽነትን ናይ ሕዝቢ ተሳትፎን ሰላማዊ ብናይ ሕዝቢ ድላይ ዝቐውም መንግስቲ ኣድላይነቱ ተተሓሳስብ ቢሎም፡ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ - ወተሃደራዊ ስምምዕ ዘይቅቡሉ እዩ፡ ምኽንያቱ ዘይምርግጋእን ፖለቲካዊ ስርዓት ዘየረጋግእን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ዘልምስን ሰላምን ሓባራዊ ረብሓ ዘተዓናቕፍን እዩ ቢሎም መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ጸጋታት መሰረት ዝገበረ ውግእ ንኹንን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ንሰላም ክተግህ

ብጹዓን ጳጳሳት መላእ ሕዝቢ ሃገሮም ከከም ሓላፍነቱ ሰላም እናማዕደወ ኣብ ሕንጸት ሰላም ክነቅሕን መንግስቲ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ኪደታቱ ኵሉ ናጻን ስርዓትን ሕግን ዘኽብር ክኸውን ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ብምትሕብባር ኣበርቲዑ ክዓይዪ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኩሎም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ኣጽዋሮም ኣራጊፎም ናይ ሞት መጋበርያ ዘይኮነ መንእሰያት ሃገር ዝሕነጽሉ ኣባይቲ ትምህርትን ሃገር ዘማዕብል መገዲ ክሓንጹን ተላብዮም መንእሰያት መጋበርያ ውግእን ሞትን ምዃን ኣይፋል ቢሎም፡ ናይ ሰላምን ምዕባለን መጋበርያ ክዀኑን ኣዴታት ኣደኣዊ ድምጸን ከስምዓን ጻውዒት ነቕርብ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 December 2020, 16:32