ምእንቲ ሓቂ መስዋዕትነት ዝኸፍሉ ብዝሒ ጋዜጠይናታት ክብል ምእንቲ ሓቂ መስዋዕትነት ዝኸፍሉ ብዝሒ ጋዜጠይናታት ክብል 

ምእንቲ ሓቂ መስዋዕትነት ዝኸፍሉ ብዝሒ ጋዜጠይናታት ክብል ይብል

ኣብ 2020 ዓ.ም. 22 ጋዜጠይናታት ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ሙያኦም ተዋፊሮም እክለዉ ኣብተን ዓመጽ ግጭትን ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ከምእተቐትሉን

ዕለት 2 ህዳር ኣብ 2013 ዓ.ም. ብውሳኔ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ይኣክል ተዘኪሩ ከምዝወዓለን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይናታት ዝፍጸም ዓመጽን መቕተልን ኣብ ልዕሊ ከብቕዕ ጻውዒት ዝቐርበሉ ዕለት እውን ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ እውን ዝቕተሉን ዝእሰሩን ኣደዳ ኣሳዶን ዓመጽን ብዙሓት እውን ሓሳቦም ካብ ምግላጽ ክዕቀቡ ኣደዳ ምፍርራሕ ዝኾኑ ጋዜጠይናታት ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎ ዋና መቐመጢኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኒው ዮርክ ዝገበረ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ንሓለዋ ጋዜጠይናታት ናጻን ዘይመንግስታትውን ማሕበር ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2020 ዓ.ም. 22 ጋዜጠይናታት ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ሙያኦም ተዋፊሮም እክለዉ ኣብተን ዓመጽ ግጭትን ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ከምእተቐትሉን፡ ኣብ ሶማሊያን ሶሪያን ዒራቕን የመንን ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ከምኡ እውን ኣብተን ናይ ገበን ጉጅለታት ብብርቱዕ ዝንቀሳቐሱለን ሃገራት ከም መክሲኮን ኮሎምቢያን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ጋዜጠይናታት ናይ መቕተልትን ዓመጽን ዒላማ ምዃኖም እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ንሓለዋ ጋዜጠይናታት ናጻን ዘይመንግስታትውን ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ 2019 ዓ.ም. 248 ጋዜጠይናታት ከምእተኣሰሩን መብዛሒኦም ከኣ ኣብ ቻይናን ቱርክን ግብጽን ኤርትራን ሃገራት ከምዝኾነን ኣብ መክሲኮ 64 ከምእተኣሩን ስዒበን እውን ጋዜጠይንታት ብምእሳር ድሕሪ መክሲኮ ሶሪያን ኢራቕን ሩሲያ ከምዝጥቀሳ እቲ ጸብጻብ ከመልክት እንከሎ ናይ ናጻ ሕትመት ጋዜጠይንታት ዘይንቀሳቐሱለንን ንስደት ዝዳረጉለን ሃገራት ኤርታን ስመኔን ኮሪያን ቱርክመንስታትንን ስዒበን እውን ስዑዲ ዓረብን ቻይናን ቨትናምን ኢራንን ክጥቀሳ እንከለዋ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ቻይናን ቨትናምን ኢራንን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ናጻ ጋዜጠይናታት እውን በደል ከምዝፍጸምን ጊኒን ኤቋዶርን በላሩስን ኩባን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን መምዘኒ ዘይዓጅበን ሃገራት መዃነን ዝሓበረ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ንሓለዋ ጋዜጠይናታት ናጻን ዘይመንግስታትውን ማሕበር ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ኣስዒቡ ኣብ ሶሪያን የመንን ሶማሊያን መንግስቲ ኣብ ናይ ጋዜጠይናታት ስራሕ እደ ኣታውነት ከምዝገብርን ጋዜጠይናታት ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከየፍልጡን ናይ መንግስቲ ወሃብቲ ቃል ዘምስል ዓይነት ኣስራርሓ ክኽተሉ እውን ከምዝግደዱ የመላኽት።

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣውን ብወገኑ ኣብ 47 ሃገራት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ እውን ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት 28 ዘጋብያን ጋዜጠይናታት ከምእተቐትሉን መብዛሕቲኦም ኣብ ቱርክን ኣዘርበጃንን ሩሲያ ብጠቕላላ 115 ጋዜጠይናታት ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከምዝርከቡን ይሕብር።        

04 November 2020, 15:08