ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ባይደን፥ ናይ ኵሉ ርእሰ ብሔር ከምዝኸውን አረጋግጽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ባይደን፥ ናይ ኵሉ ርእሰ ብሔር ከምዝኸውን አረጋግጽ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ባይደን፥ ናይ ኵሉ ርእሰ ብሔር ከምዝኸውን አረጋግጽ

“ዘጠራንፍን ዘተኣኻኽብን ርእሰ ብሔር እምበር ዝገማምዕ ኣይክኸውንን እየ፡ ንሓድ ሕድና ጽን ናብ ምብህሃል ንመለስ፡ ኵላትና ኣመሪካውያን ኢና”

መበል 46 ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ባይደን ዕለት 7 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ዋላ’ኳ በቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝተሳዕሩ ርእሰ ብሒር ትራምፕ ነት ናይ ምርጫ ውጽኢት ገና ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘይሃብሉ እንተኾነ ባይደን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተዓዋቲ መልእኽቶም ምእንቲ ብሔራዊ ዕርቂ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -ሃገረ ቫቲካን

“ዘጠራንፍን ዘተኣኻኽብን ርእሰ ብሔር እምበር ዝገማምዕ ኣይክኸውንን እየ፡ ንሓድ ሕድና ጽን ናብ ምብህሃል ንመለስ፡ ኵላትና ኣመሪካውያን ኢና” ነዚ ዝበሉ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ጆሰፍ ሮቢነት ባይደን ዕለት 7 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ወግዓዊ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ዘይሓረይዎም እውን፥ “ሰማያውን ቀይሕን ዝበሃሉ ዞባታት የለዉን፡ ናይ ኵሉ ርእሰ ብሔር ክኸውን እየ - ኣስዒቦም እውን - ለብዒ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ፍሉይ ሓይልታት ዕማም ከቑሙን ብዛዕባ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ኣየርን ጥዕናን ስደተይናታትን ዝምልከት ካብቲ ከመርሕ ዝጸንሔ ምሕደራ ርእሰ ብሔር ዝተፈልየ መገዲ ክንኽተል ኢና” ከምዝበሉ ዝሓበራ ራጉስታ ኣስዒበን፥ ቅድሚ ባይደን እተን ምኽትሎም ንኽኾና ዝሓረይወን ንፈለማ ግዜ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣፍሮ ኣመሪካዊትን ኢንዶ ኣመሪካውትን ካማላ ሃሪስ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ጓለንተይቲ ክሕረያ ቀዳመይቲ ዝኾና ዘለዋ ኣብ ዘስመዖ መደረ፥ “ተስፋን ሓድነትን ስነ ምርምርን ልዕሊ ዅሉ ከኣ ሓቂ መሪጽኵም፥ እዛ ዕለት እዚኣ ንኣምሪካ ፍልይቲ ዕለት እያ”፡ ከምዝበላን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶ ዝተሳዕሩ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ሕጂ እውን ናይ ባይደን ሰዓርነት ከምዘይተቐበልዎን ጠበቓኦም ሮድይ ጁሊያኒ ከምዝሓበርዎ እውን ትራምፕ ሰዓርነት ባይደን ክቐበልዎ ብምንም ዓይነት መገዲ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡ እዚ ጉዳይ እዚ ክሳብ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ እውን መደብ ኣለዎም ከብዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ

ናይ ሎስ ኣንጀሎስ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ  ኣቦ መንብር ኾሰ ጎመዝ ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናብ ባይደን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኵም መልእኽቲ፥ “መራሕትና ብሃገራዊ ሓድነት መንፈስ ክተኣኻኸቡን ዘተ ክቐድሙን ንናይ ሓባር ጠቕሚ ተጊሆም ክዓዩን ዝሓትት እዋን እዩ” ከምዝበሉን ራጐስታ ሓቢረን።

ኣብ ኣደባባያትን ጉደናታትን ዝተራእየ ናይ ሓጐስ መግለጺ ብዕሎት

ካብ ኒው ዮርክ ክሳብ ዋሽንግተን ናይ ባይደን ደገፍቲ ኣብ ኣደባባይትን ጉደናታትን ተኣኪቦም ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ባይደን ሓጐሶም ከምዝገለጹን፡ ኣብ ፊት ዋይት ሃውስ ቤተ መንግስቲ ተረኺቦም እውን ሓጐሶም ክገልጹ ከምእተራእዩን፡ ኣብታ ባይደን ዝነብሩላ ከተማ ዊልሚንግቶም ብዙሓት ደገፍቶም ኣብ ጉደናታት ወጺኦም እንቋዕ ሓጐስኩም እንቋዕ ሓጐሰና እናበሉ ሓጐሶም ከምዝገለጹን ብዙሓት እውን ናብቲ ናይ ደሞክራሲ ናይ ፖለቲካ ውድብ ቻስ ማእከል ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ኣደባባይ ተረኺቦምን ኣብ ምወዳእታ እውን ባይደን መደረ ከምዘስምዑ ራጐስታ ገሊጸን።

ዓለም ሓቆፍ መልሰ ግብሪ

ነቶም መበል 46 ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ንዝተሓረዩ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፥ “ምሕዝነት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ መንጐ ዜጋታት ዘሎ ዓሚዩቕ ምትእስሳርን ጽኑዕ ምዃኑን እምስክር፡ ምስ ዝተሓረዩ ባይደን ብምትሕብባር ክዓያ ዘለወን ዓቢይ ድላይን ዘለወን ታህዋኽ እውን ከምዝገለጻን፥ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ እውን ብወገኖም “ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብቲ ብዝሓ ጉድናውነት መምርሒ ትግባረ ዓቢይ ተዋሳኢት ምስ ዝኾነትን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዝርአይ ዘሎ ናይ ብዙሓት ጥዕና ንሓደጋ ዘቃልዕ ቅልውላው ጥዕና ንምብዳህን ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ መጻኢ ውሑስ ንምግባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግደ የድልዮ እንክብሉ ናብ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ባይደን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምዘስመሩሉን ናይ ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል እውን፥ ዓበይቲ ናይ እዋንና ብድሆታት ንምስናፍ እንደልይ እንተድኣ ኰይንና ምሕዝነት ሰገር-ኣትላንቲክ ኣገዳሲ እዩ” እክብላ ኣብቲ ዘመሓላለፈዎ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ከምዘስመራሉ ዝሓበራ ራጐስታ ኣስዒበን፥ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እውን ካብ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስን ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ነታንያሁን ከምእተመሓላለፈን ናይ ጃፓን ርእሰ ብሔር ሱጋን “ብሓባር ምእንቲ ሰላምን ናጽነትን” ክንዓዪ ኢና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ናይ ቨነዝወላ መንግስቲ ማዱሮ ምስ ሓድሽ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምትሕብባር ክዓዪ ድላይ ከምዘለዎ ከመላኽት እንከሎ ናይ መክሲኮ ርእሰ ብሔር ኦብራዶር፥ እቲ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ሕግን ፍትሕን ሕቶ ክሳብ ዝግባእ መልሲ ዝረክብ መልእክቲ ንምሕልላፍ ክንህወኽ ኣይንደልን ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

09 November 2020, 20:24