ሕልፈት ማራዶና፥ ናይ እግሪ ኵዑሶ ገጣማይ፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎቶም ይዝክርዎ

ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብልበይ ከመስግን እደልይ፡ ኵላትና ንፍራንቸስኮ ነድንቖምን ነኽብሮምን ንመንእሰያት ዝገብርዎ ዘለዎ ጻዕሪ ኩሉ ብሓቂ ዘገርምን ገና ብዙሕ እውን ክገብሩ እዮም፡ ምስኦም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ነቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ሕጻናት ብዙሕ ክንዓዪ ይግብኣና ስንድዋት እውን ኢና፡ ናይ ፍራንቸስኮ ደጋፊ እየ፡ ቀዳማይ ደጋፊ ክብል እኽእል

ኣርጀንቲናዊ ውሩይን ህቡብን ተጻዋታይ እግሪ ኵዑሶ ብብዙሓት ናይ ኵሉ እዋን ብሉጽ ተጻዋትይ እግሪ ኵዑሶ ተባሂሉ ዝንገረሉ ይኹን ደኣ እምበር ሰብን ተኣፋፍን ዲየጎ ኣርማንዶ ማራዶና ሕልፈት ኣብ መላእ ናይ ስፖርቲ ዓለም ዓቢይ ሓዘን ከምዝፈጠረ ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብምኽንያት “ግጥም እግሪ ኵዕሶ ምእንቲ ሰላም” ብዝብል መደብ መሰረትን ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ነቲ ብቕዱስነቶም ዝተመስረተ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ ንዘካይዶ ውጥንን ተበግሶታትን ንምንቕቓሕ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ክሳተፉ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝመጻሉ እዋን ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፥ ብፍቅሪ ይሓስብዎን ኣብ ጸሎቶም ይዝክርዎምን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዜና ዕርፍት ዲየጎ ማራዶና ምስ ተነግሮም፥ ምስ ማራዶና ዘካየድዎ ርክባት ዘኪሮምን ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኩነታት ጥዕናኦም ዘሰክፍ ምዃኑ ምስ ተሓበሮም እውን ምእንታኦም ከምዝጸለዩን  ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ቦኖስ ኣይረስ ናብ ናፖሊ፥ ናይ 1986 ዓ.ም. ናይ ዓለም እግሪ ኵዑሶ ዋንጫን

ዲየጎ ማራዶና ካብ ቡወኖስ ኣይረስ ናብ ናፖሊ፡ ኣብ 1986 ዓ.ም. ምስ ናይ ሃገሩ ብሔራዊ ናይ እግሪ ኵዑሶ ጋንታ ኣርጀንቲና ናይ ዓለም ዋንጫ ዘዕተረን ስዒቡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ምስ ናፖሊ ናይ እግሪ ኵዑሶ ጋንታ ተሰሊፎም ኣብ ኢጣሊያ ኣብ 1987 ደሓር እውን ኣብ 1990 ዓ.ም. ጋንታ ናፖሊ ናይ ኢጣሊያ ናይ እግሪ ኵዑሶ ዙርን ናይ ኤውሮጳን ዋንጫ ክትስዕር ዘብቀዐ እዩ።

ህቡብ ተጻዋታይ እግሪ ኵዑሶን ከም ሰብ ተኣፋፍን

ማራዶና ህቡብን ምሩጽን መዳርግቲ ዘይብሎ ተጻዋታይ እግሪ ኵዕሶን ከም ሰብ ተኣፋፍን ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሕይወቶም ምዕራፍ እውን ናይ ኣደንዛዚ ዕጽዋት ውሉፍ ብምዃኑ ዘሕለፍዎ ጽንኩር ስቓይ ኣብ ሕይወቶም ብዙሕ ጸገም ፈጢሩሎም ከምዝነበረ ይዝከር፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ሕሉፍ ዘፍቅሩ ኣብ 60 ዓመት ዕድመኡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ነቶም ኣርጀንቲናዊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቅዱስ ሎረንዞ ዘኣልማግሮ ናይ ስፖርት ጋንታ ደጋፍን ናይ ማራዶና ናይ እግሪ ኵዑሶ ብቕዓቱ ዘድንቑን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እውን ከምእተራኸብዎን ዘኪሮም ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ብጸሎት ይዝክርዎ።

ኣብ 1986 ዓ.ም.

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣውስቲን ኢቨራይት ዝገበረሎም ነዊሕ ቃለ መሕትት “ንሕለም፥ ንዝበለጸ ናይ መጻኢ ፍኖት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሕይወቶም ዘጋጠምዎም ዓበይቲ ሰለስተ ሕሱማት ብሕትውና ናይ ሕይወቶም ኮቪድ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝተንተኑላ መጽሓፎም ብፒየመ ቤት ማሕተም ተሓቲማ ዕለት 23 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዝበቐዔት እቲ ካላእ ሕሱም ጽምዋ ቢሎም ካብ ዝገለጽዎ ሰለስተ ምዕራፍ፥ እቲ ሓደ ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣካል ዘይምዃንካ ክፈጥረልካ ዝኽእል ብሕትውናን በይናውነትን ተመክሮ እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ ተመክሮ እዚ ኣብ 1986 ዓ.ም. ሃገሮም ኣርጀንቲና ናይ ዓለም እግሪ ኵዕሶ ዋንጫ ማራዶና ብዘመዝገባ ጐል ዝሰዓረትሉ እዋን ኣብ ጀርመን ስለ ዝነበሩ ዝተሰምዖን ሓጐስ ንኽገልጹን ምስ ካልእ ክካፈልዎን ብዘይምኽኣሎም ዘሕደረሎም ዓቢይ በይናውነት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝነበረ ዘብርህሉ ክፍሊ ምስ ታሪኽ እግሪ ኩዕሶን ማራዶናን የራኽቦም።

ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እግሪ ኵዕሶ ንሰላም ብዝብል ብቕዱስ ኣቦና ድላይ ዝተነቓቕሔ መደብ ንምልላይን ውሩያት ናይ ስፖርቲ  ኣካላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ማራዶና እውን ከምእተሳተፉን ስዒቡ እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ነቲ ብቕዱስነቶም ዝተመስረተ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ ንዘካይዶ ውጥናትን ተበግሶታትን ንምንቕቓሕ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ክሳተፉ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝመጽሉ እዋን እውን ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸቡን ኣብዚ መደብ’ዚ እውን እቶም ውሩይ ተጻዋታይ እግሪ ኵዑሶ ዝነበሩ ኣርጀንቲናዊ ኻቪየር ዛነቲ እውን ከምእተሳተፈ ይዝከር።

ዲየጐ ኣርማንዶ ማራዶና ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ሰላም ኣመልኪቶም፥ ውግእ ድዩ ሞትን ቅትለትን ኣብ ቅድመና ክንርእይ እንከሎና ከም ሰብ መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍና ልቢ ዝስምዓና ነገር ኣሎ፡ ኵሉ ነገራት ሓዲግና ሰላም ከነናድይ እዩ ዝግብኣና፡ . . . ከም ስፖርተይናታት ንሰላም ንገብሮ ነገር ዘየለ ይመስል ይኸውን፡ ሓቂ ኣኮነን እቲ እንፍጽሞ ሰላም ምድላይ እዩ! ስፖርት ሰላም እዩ፡ ስፖርት ኣብ ከይዲ ሰላምን ምርግጋጽ ሰላምን ዓቢይ ግደ ኣለዎ፥ ሓንቲ ኵዕሶ ካብ ኣማኢት ጠያይት ንላዕሊ እያ፡ ስፖርቲ ንኻልእ ከይትሃስይ እዩ ዝድግፈካ።

ፍራንቸስኮ፥ ዘገርሙ እዮም

ማራዶና ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ዘቖምዎን ደሓር ከም ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳዊ በዓል መሰል ክኸውን ዝገበርዎ ናይ ኣባይቲ ትምርቲ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ዘካይዶ መደባት ብኣጽንዖት ዝድግፉን ዝተሓባባሩን ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ 2014 ዓ.ም. ነቲ ናይዚ ማሕበር ውጥናት ንምርግጋጽ ዝድግፍ ኣብ ሮማ ኦሎምፒክ ናይ እግሪ ኵዑሶ ሜዳ ዝተኻየደ መደብ ስፖርት ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ማራዶና ተሳተፎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘገርሙን ንኣኦም ዘለዎም ኣድናቖትን ክብርን ልዑል ምዃኑ ሓቢሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብልበይ ከመስግን እደልይ፡ ኵላትና ፍራንቸስኮ ነድንቖምን ነኽብሮምን ንመንእሰያት ዝገብርዎ ዘለዎ ጻዕሪ ኩሉ ብሓቂ ዘገርምን ገና ብዙሕ እውን ክገብሩ እዮም፡ ምስኦም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ነቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ሕጻናት ብዙሕ ክንዓዪ ይግብኣና ስንድዋት እውን ኢና፡ ናይ ፍራንቸስኮ ደጋፊ እየ፡ ቀዳማይ ደጋፊ ክብል እኽእል።

ከም ሓዎም እዮም ዝርእዩኒ፡ ምስ ኩል ከምዚ እዮም፡ ዘለዎም ስራሕ ጽዑቕ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ንዅሉ ኸኣ ግዜ ይህቡ፡ ዘደንቑ እዮም፡

. . . ኵሎም ስፖርተይናታት ተጻወትቲ እግሪ ኵዑሶ ምስ ፍራንቸስኮ እዮም።

ኣብ 2016 ዓ.ም.

ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዕለት 12 ጥቅምቲ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዞባ ኣማትሪችው ብርእደ መሬት ንዝተጎድአ ሕዝቢ ሓገዝ ዝውዕል ኣብ ዝተኻየደ ስፖርት ንሰላም ማራዶና ካብ ቅዱስ ኣቦና ስልኪ ተደዊልሎም ክሳተፉ እውን ከምዝዓደምዎምን ፍራንቸስኮ ጸዊዖምኻ ከመይ ገርካ ከይተሓባበርካ ትተርፍ፡ ስንድው ኮይናን ተሳቲፍናን ኢና ከምዝበሉ ይዝከር።

26 November 2020, 21:53