FRANCE TERROR ATTACK FRANCE TERROR ATTACK 

ኒስ፥ ናይ ኢጣሊያ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሕብረት ግብረ ሽበራ ይኹንን

ጸንፍይናነትን ኣኽራርነትን ምስ ትምህርትን ተኣምኖት ሃይማኖት ምስልምና ዘራኽብ የብሉን፡ ንገዛእ ርእሱ ጸረ ሃይማኖት ምስልምና እውን እዩ ከምዝበሉን ናይ ኢጣሊያ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበረሰብ ሕብረት ኣቦ መንበር ያሲነ ላፍራ

እቲ ኣብ ኒስ ዕለት 29 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ፡ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበረሰብ ሕብረትን እስላማውያን ውድባትን ብዘይ እንተን ዝኾነ ኾይኑን ኣውጊዞም፡ ስም ኣላህ ንዘይግባእ እከይ ተግባር መጠቀሚ ክኸውን የብሉን እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍርንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዘይ ዕቃበን እንተን ዝኾነ ኾይኑን እቲ ኣብ ኒስ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣብ ኢጣልያ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበረሰብ ሕብረትን እስላማዊ ውድባትን ኮኒኖም፡ ንስድራ ቤት ምዉታት ጽንዓት ይሃብ ከምዝበሉን፡ ጸንፍይናነትን ኣኽራርነትን ምስ ትምህርትን ተኣምኖት ሃይማኖት ምስልምና ዘራኽብ የብሉን፡ ንገዛእ ርእሱ ጸረ ሃይማኖት ምስልምና እውን እዩ ከምዝበሉን ናይ ኢጣሊያ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ማሕበረሰብ ሕብረት ኣቦ መንበር ያሲነ ላፍራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘሰክፍ ከምዝኾነን ፍርያም ምትሕብባር መታን ክህሉ ጽልእ ዘጓሃህር ርእይቶ ካብ ምቕራብ ምጥንቓቕ የድሊ፡ ምእቲ እቶም መኽረርትን ጸንፈይናታትን ዝሓልምዎ ማሕበራዊ ውጥረት ከይህሉ፥ ስም ኣላህ ምኽንይታዊ ክኸው ንዘይኽእል ምኽንያታዊ ንምግባር ንዘይግብኦ ተግባር ምጥቃም ዘጉህን ኣረመናውን ተግባር እዩ” ኢሎም።

እቲ ክትገልጾ ዘጸግም ጭካኔ ዝተመልኦ ግብረ ሽበራ ንኹንን፡ ከም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና፥ ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ተግባር ንኹንን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ኣብቲ ናይ ጸሎትን ስግደት ኣምልኾን ስፍራ ዝተፈጸመ እውን ብምዃኑ ንዝኾነ ይኹን ካልእ ሃይማኖት እውን ዘሕስር ተግባር እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ተግባር እውን ከይፍጸም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ተግባር ኣነካይዶ ጻዕሪ ዝቕጽል ምዃኑ ነረጋግጽ” ኢሎም።

“ናይ ኒስ ዒማም ዝበልዎ ሰሚዕና ኢና፡ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ እውን ብምዃኑ እንታይ ከምዝስምዖን ፍሉጥ እዩ፡ ኒስ ዓባይን ህብረ ሃይማኖትን ህብረ ባህል ከተማ እውን እያ፡ ስለዚህ እቲ ግብረ ሽበራ ብዘይ ናይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ዝተፈጸመ ኣረመናዊ ተግባር እዩ” ኢሎም።

ኣተሓሒዞም እውን እቲ ዕለት 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ኢሰብኣዊ ተግባር ዘኪሮም፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ዝፍጸም ግብረ ሽበራ፡ ኣብ ልዕሊ ኩለን ሃይማኖት እዩ ዝፍጸም፡ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስቲያንን ዝተፈጸመ እዩ፡ ኵላትና ክርስቲያን ኣስላምን ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ኵላትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ዝፈጸም ግብረ ሽበራ ጸረ ኵላትና ምዃኑ ኣስተውዕልና ብሓባር ዘሎ ክንገጥሞ ይግባእ” ኢሎም።

“ስለ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ፡ ናብ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ኣብ መንብሮም ከይደ ጽንዓት ይሃብ ኢለዮም፡ ኣብ ኒው ዘላንድ ሓደ ልዕልና ጸዓዱ ዝኣምን ኣኽራሪ ኣብ መስጊድ ዝፈጸሞ ግብረ ሽበራ ንሓምሳ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንሞት ሓደጋ ምስ ኣቃልዔ፡ ካርዲናል ዙፑ ናብታ ናይታ ከተማ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምብጻሕ ኣካይዶ ጽንዓት ይሃብ ዝበልዎ ዘይርእስዖ ተመክሮ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ሕብረ እዩ ዘድሊ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣሸበርትን ጸንፈይናታትን ቦታ ከምዘይብሎም መታን ከስተውዕሉ” ምስ በሉ፥ ከም ናይ ሃይማኖት ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣረመናዊ ተግባር ከይኽሰት ኣብርቲዕና ክንዓዩ ንሕተት እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

31 October 2020, 22:12