ኣብ ማሊ ተጭውዮም ዝነበሩ ኢጣሊያው ካህን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኤጋታት ናጻ ከምእተለቁ ኣብ ማሊ ተጭውዮም ዝነበሩ ኢጣሊያው ካህን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኤጋታት ናጻ ከምእተለቁ 

ኣብ ማሊ ተጭውዮም ዝነበሩ ኢጣሊያው ካህን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኤጋታት ናጻ ከምእተለቁ

ናይ ክረማ ጳጳስ ዳኒየለ ጃኖቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዕለት 17 ምእንቲ ኣባ ማካሊ ጸሎት ይዓርግ ከምዝነበረን እዚ ኸኣ ንኣኦም ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ኣብ ዘተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ምእንቲ ዝተጨውዩን ዝቐርብ እውን ከምዝነበረን እቲ ናቶም ናጻ ምልቓቕ ነቲ ናይ ክረማ ሰበኻ ኣብ ሃገራት ከባቢ ሳሀል ዘካይዶ መደብ ድጋፍን ሕንጸትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘበራትዕ እዩ

ኢጣሊያዊ ኣባል ማሕበረሰብ ልኡካነ ወንጌል ንኣፍርቃ ኣባ ፒየር ልዊጂ ማካሊን ካልኦት ኣርባዕተ ዜጋታት ኣብ ማሊ ንኽልተ ዓመት ተጨውዮም ድሕሪ ምጽናሕ ናጻ ከምእተለቁ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ሰበኻ ክረማ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዳኔለ ጃኖቲ፥ ሰበኻኦም ንኣባ ማካሊ ብሓጐስን ጸሎትን ንምቕባል ይጽበዮም ኣሎ እንክብሉ ከምዘፍለጡ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 17 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒጀር ካብ ርእሰ ከተማ ኒኣመይ 150 ኪሎ መትሪ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ናይ ተልእኾ ወንጌል ስፍራ ተጨውዮም ኣብ ኢድ ናይ ማሊ ጅሃዳዊ ሓይሊ ዝነበሩ ኢጣሊያዊ ካህን ኣባ ፒየር ልዊጂ ማካሊን ካልኦት ምስኦም ተጨውዮም ዝነበሩ ሰለስተ ዜጋታት ዕለት 9 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናጻ ከምእተለቑን ሎሚ ዕለት 10 ጥቅምቲ ሮማ ከምዝኣተዉ፡ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም ብጀካ እዞም ክልተ ዜጋታት ኢጣሊያ ካልእቶ ምስኦምተጨውየን ዝነበራ ፈረንሳዊት ሶፊየ ፐትሮኒን ናይ ግብረ ሰናይ ኣባልን ተወላዲ ማሊ ናይ ፖለቲካ ኣካል ሱማሊያ ኪሰን እውን ናጻ ከምእተለቁ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ናይ ክረማ ጳጳስ ዳኒየለ ጃኖቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዕለት 17 ምእንቲ ኣባ ማካሊ ጸሎት ይዓርግ ከምዝነበረን እዚ ኸኣ ንኣኦም ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ኣብ ዘተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ምእንቲ ዝተጨውዩን ዝቐርብ እውን ከምዝነበረን እቲ ናቶም ናጻ ምልቓቕ ነቲ ናይ ክረማ ሰበኻ ኣብ ሃገራት ከባቢ ሳሀል ዘካይዶ መደብ ድጋፍን ሕንጸትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘበራትዕ እዩ ቢሎም፥ እዚ ኵነት ብመንጽር እታ ቅዱስ ኣቦና “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝንበብ ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፡ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ስቓይ ምኽንያት ዕርቅን ሰላምን ክኸውን ተስፋናን ጸሎትናን እዩ እንክብሉ ዝተሰምዖን ሓጎስ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

11 October 2020, 14:50