“ናይ ድዓሽ ዕሸላት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ መጽሓፍ ብዛዕባ ሕጻናት ወተሃደራትን ህጻናት ጅሃዳውያንን” እትዛረብ “ናይ ድዓሽ ዕሸላት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ መጽሓፍ ብዛዕባ ሕጻናት ወተሃደራትን ህጻናት ጅሃዳውያንን” እትዛረብ 

ጭካኔ ዝተመልኦ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ዳዕሽ ሕጻናት

ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ማእከላይ ብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢ ዓለምን ንውትድርና ዝዳረጉን ብጅሃዳውያን ጸንፈይናታትን ኣኽረርትን ንመጋበርያ ዓመጽን ቅትለትን ንኽኾኑ ዝስለፉን

ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺል ኣባ ስተፋኖ ሉካ ናይ ዓረብ ዓለም ሊቅ፥ “ናይ ድዓሽ ዕሸላት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ መጽሓፍ ብዛዕባ ሕጻናት ወተሃደራትን ህጻናት ጅሃዳውያንን” እትዛረብ፡ ነቲ ማሕበራዊ መዓት ብጥልቂ እተቃልዕን እትትንትንን ነዚ ጸገም እዚ ንምብዳህን ነቶም ሕጻናት ወተሃደራትን ጅሃዳውያን ሕጻናት ካብቲ ዝወደቕሉ ክትንስኡን ስሞምን መጻኢኦምን ንምሃብን ንምድሓን ዘብቕዕ ዝተሓደሰ መርሓ ግብሪ ብዕምቆት እተመላኽት ምዃና ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ማእከላይ ብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢ ዓለምን ንውትህድርና ዝዳረጉን
ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ማእከላይ ብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢ ዓለምን ንውትህድርና ዝዳረጉን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝተመንዘዖም ዕሸልነቶም ዓቲሮም ዳግም ክውለዱ መታን፡ ካብቲ ዘጋጠሞምን ኣብ ልዕሌኦም ዝተፈጸመ ዓመጽን ጥልቂ ማህሰይትን ተላቒቖም ዳግም መታን ክውለዱ፡ እቲ ንኽቐትል ዝተዓለመ ኣካል ዳጋም ተወሊዱ ነቲ ብዓመጽን ንመጋበርያ ዓመጽ ንኽኸውን ዘደንዝዞ ዘሎ ዓለም ምልስ ቢልካ ምስትውዓልን ብምንባብን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምስናይ፥ እቲ ዘሕለፍካዮ ናይ ዓመጽ ተመክሮ ከም ሕሉፍ ምጥማት እዚ ክኸውን ዝኽእል ተመክሮ እዩ፥ ነዚ ዝበሉ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣባል ናይ ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን ዓለም ሓቆፍ ናይ ካፑቺን ማሕበራዊ መድረኽ ኣመሓዳሪ ኣባ ስተፋኖ ሉካ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እታ ብቤት ማሕተም ተራሳንታ ተሓቲማ ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፎም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን እቶም ዕሸልነቶም ተመንዚዑም ናይ ሞትን ዓመጽን መጋበርያ ንኽኾኑ ዝግደዱ ሕጻናት ካብቲ ዝወደቕሉ ኢሰብኣዊ ኵነት ንምልቓቕ ዘድሊ ድጋፍ ብምቕራብ ናብ ንቡር ሕይወቶም ክምለሱ ዘኽእል ኵለንተናዊ ድጋፍ እተመላኽትን ናይዚ ኣገልግሎት’ዚ ተመክሮ እተዘንትው ክትከውን እንከላ፡ በቶም ሰናይ ገበርቲ መንጽር ጥራሕ ዘይኮነ ብመንጽር እቶም ሕጻናት ወተህደራት ነቲ ኵነቶም እተንብብን ብዝዕባ ሃይማኖት ምስልምና ብዕምቆት ርድኢት ክህሉ እትድግፍን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕግን ፍትሕ ጉዳይ ነዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዳዒሽ ዝስለፉ ሕጻናት ብናይ እዋናዊ ሕግን ስርዓት ብፍሉይ ዝምልከት ዓንቀጽ ምሉእ ትርጉም እተጠቓልል መጽሓፍ እውን እያ።

ናይታ መጽሓፍ መቕድም ዝደረሱ ኣብ ኣለፖ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ጊዮርገስ ኣቡ ክሃዘን ክምዝኾኑ ዝሓብራ ካፐሊ ኣስዒበን፥ ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ማእከላይ ብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢ ዓለምን ንውትድርና ዝዳረጉን ብጅሃዳውያን ጸንፈይናታትን ኣኽረርትን ንመጋበርያ ዓመጽን ቅትለትን ንኽኾኑ ዝስለፉን ሕጻናት ቁጽሮም ክብ ይብል ከምዘሎ ኣባ ስተፋኖ ሉካ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣመላኺቶም፡ ፍርሒ ዝፈጥሩ እውን እንተኾኑ ክድንገጸሎምን ካብቲ ዝወደቕሉ ግብረ ክፋእ ምድሓን ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ የዘኻኽሩ፡ ነታ መጽሓፍ ንኽጽሕፉ ኣስተንፎ ዝኾኖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ምእንቲ ሕጻናት ወተሃደራት ክጽለን ተላብዮም ካብቲ ዝወደቕሉ ዘስካሕክሕ ሕጻንነቶም ዝምንዝዕን መጋበርያ ናይ ባህሊ ሞት ካብ ምዃን ንምድሓን መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ኣበርቲዑ ክዓዪ ይግባእ ቢሎም፡ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ኣብ ምንቕቓሕን ናይ ሕንጸት መሰልን ክብርን ክኽበር ናይ ኵለን ሃገራት መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ቀዳማይ ዕማም ክኸውን ኣለዎ፡ ሕጻናት ካብቲ ዝወደቕሉ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ተግባር ክላቐቑን ተላቒቖም ዘድሊ ሕንጸትን ድጋፍን ንኽረክቡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንዝዋስኡ ዘድሊ ሕንጸት ምቕራብን በዝ መደብ’ዚ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካፑቺ ማሕበራዊ መድረኽ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ኣብ እዋን ሕድ ሕዳዊ ግጭት ኣብ ሩዋንዳን ከባቢ ሃገራት ትሕቲ ሰሓራን ማእከላይ ምብራቕን ምብጻሕ ከምዘካየደን ቁርዓናዊ ቲዮሎጊያን ቋንቋ ዓረብን ስነ ምስልምናን እውን ብምዕምቆት ብምጽናዕ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ነቶም ብዳዒሽ ዝሰልጠኑ ሕጻናት ጅሃዳውያን ድጋፍ ብምቕራብ ንምድሓን ኵለ መዳያዊ ኣገልግሎት የቕርብ ቢሎም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

27 October 2020, 15:10