ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ  

ኣርመናውያን ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ካውካዚያ ይጽልዩ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ኣብ መንጐ ኣርመንያን ኣዘርበጃንን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝተፈጸመ እውን እንተኾነ፡ እቲ ስምምዕ ስንኵፍ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣርመን ከተማ ሹሻ ዝርከብ ካቴድራል ክርስቶስ መድሕን ከምዝወደመን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመን እቲ ኣብ መንጐ ኣርመንን - ኣዘርበጃንን እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ዞባ ናጎርኖን ካራባቅሕን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ምእንቲ ከባቢ ካውካዚያ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 11 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ከምዝጸለዩ ማእንቲ ምስራቕ እተሰምየ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተ ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ኣብ 1964 ዓ.ም. ብተወላዲ ኦስትሪያ ናይ ቪየነ ሊቀ ጳጳሳት ብዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ፍራንዝ ኮይንግ (1905 – 2004 ዓ.ም.)  ዝተመስረተ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍሉይ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ንሃገረ ኣርመኒያ፥ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 11 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. መለኮታዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣርመናውያን ምእመናን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ኣብ ዝርከቡሉ ካባቢ ከምዝዓረገን፡ ኣብ ሃገረ ኣርመንያ ኣብ ካቴድራል ኤትሽሚያድዚን ናይ ሕዋርያዊት ኣርመንያዊት - ካቶሊኮስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ዝሓበረ መግለጺ ምእንቲ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እተሰምየ ማሕበር ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ኣብ መንጐ ኣርመንያን ኣዘርበጃንን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝተፈጸመ እውን እንተኾነ፡ እቲ ስምምዕ ስንኵፍ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣርመን ከተማ ሹሻ ዝርከብ ካቴድራል ክርስቶስ መድሕን ከምዝወደመን እቲ ካቴድራል ንተቐማጦ ኣርጻኪንን ንመላእ ኣርመን ምእመናንን ዓቢይን ኣገዳስንስ ቅዱስ ስፍራ ምዃኑ ይሕብር።

ዞባዊ ዘተ

ቅድሚ እቲ ኣብ ዞባ ሹሻ ብብርቱዕ ዝተካየደ ውግእ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ካቶሊኮስ ካረኪን ዳግማዊ ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን ኣብ ዞባ ናጎርኖን ካራባቕሕ ዝተኸስተ ግጭት ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ሞስኮ ኣብቲ ከባቢ ውግእ ደው ክብልን እቲ ዘይምርድዳእ ብሰላም ክፍታሕ ናይ ኣዘርበጃን ዓቢይሽ ሼኽ ኡል - ኢዝላምን ናይ ኣርመን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክን ዘሳተፈ ሰለስተ ጐድናውነት ናይ ሓባር ዘተ ምክንያዱ ገሊጾም፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ኣብ ዞባ ናጎርኖን ካራባቕሕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ መንጐ ኣርመንን ኣዘርበጃንን ምንም ዓይነት ሓይማኖታዊ ሱር መሰረት ከምዘይብሉን ማዕረ ማዕረ እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያንን ቤተ እስላምን ስኑይን ሰላማውን ናይ ሓባር ናብራ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከምእተሰመረሉ ገሊጾም፡ ሰላም ካብ መገባርያ ሰላም ጥራሕ እዩ ዝርከብ ከምዝበሉ እቲ ምእንቲ ምስራቕ እተሰምየ ማሕበር ዝፈነዎ ሓበሬታ የመላኽት።

ኣርመናውያን ክርስቲያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ካውካዚያ ይጽልዩ
13 October 2020, 17:47