ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሃይማኖት ንሰላም፥ ምእንቲ ዕርቂ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሃይማኖት ንሰላም፥ ምእንቲ ዕርቂ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሃይማኖት ንሰላም፥ ምእንቲ ዕርቂ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኵሉ ኣብ ዘይርጉጽነትን ብዓቢይ ስቓይን እዩ ዝነብር ዘሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ውጥረት ዝተመልኦ ህልው ኩነት ከም ሓደ ንለውጢ ዝዕድም ተስፋን ናይ መራኸቢ ድልድል ንምህናጽ ኣኽእሎት ዝዓቖረ ከምዝኾነ ንኣምን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓመጽን ትፍኣት ኣድልዎ ብዘርእን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ምስጋና ይኹን ንዘተን ንሕንጸት ሓድነትን ንዳግማይ ስኒትን ዝዓዩ ኣለዉ፡ ጽልእን ኣድልዎን ብዘርኢ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘይሓወየ ጸጸኒሑ ዝቕልቀል ሕማም እዩ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ዓቢይ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎን፡ ድሕሪ መቕተልቲ ብላከ ስዒቡ ዳግም ዝተለዓዓለ ዓመጽ ብዙሕ የተሓሳስብ ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብቲ ብላከ ዝተቐተለሉ ግዝኣት ሕቡራት ኣመሪካ ምብጻሕ ኣካይዶም ንናይቲ ከባቢ ትካላትን ፈደራላዊ ሓይሊ ጸጥታን ብዓሰርተታት ሚሊዮን ዝግመት ሚዛን ገንዘብ ክምድቡ ከምዝኾኑ ቃል ኣትዮም፡ ሓይሊ ጸጥታ ኣድልዎ ብዘርኢ ዘይኣምንን ዓሌታውያን እውን ኣይኮኑን ቢሎም ነቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ “ናይ ውሽጢ ሃገር ኣሸበርትን ዓማጽያን ጸረ ኣመሪካን እምበር ሰላማውያን ኣይኮኑን” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣብዚ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ንደሞክራሲያዊ ናይ ፖለቲካ ውድብ ወኪሎም ርእሰ ብሔር ንምዃን ዝወዳደሩ ጆኤ ባይደን ካብ ትራምፕ ብሸውዓተ ነጥቢ በሊጾም ከምዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ሕዝቢ ናይ ምርጫ ዝምባለ እንታይ ይመስልን ንዝብል ሕቶ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርቡ ኣካላት ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ ናይ ባይደን ናይ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ከምዝሓበሮ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ባይደን እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሓወየ ቑስሊ ኣብ ምፍዋሱ ኣበርቲዖም ክዓዩ ከምዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ ዕለት 1 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ሓይሊ ጸጥታ ዝፈጸሞ መቕተልቲ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደን ርእሰ ብሔር ትራምፕ ናይታ ከተማ ከንቲባ ናይ 150 ሓወልቲን ሕንጻታትን ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ኣታኽትሊ ስፍራን ኣስማት ክቕየር ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ከምዝነቐፉን ኣብታ ናይ ከነድይ ዕርዳዊት ከተማ ተባሂላ ዝንገረላ ማሳቹሰትስ 38 ዓመት ዝዕድመኦም ጆኤ ከነድይ ኣብ ሓጋጊ ላዕለዋ ቤት ምኽሪ ኣባል ንኽኾኑ ተወዳዲሮም ብሓደ ድምጺ ከምእተሰዓሩ ቸራዞ ይሕብራ።

ዓመጽ ናብ ምሕረት ምልዋጥ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሃይማኖታት ንናይ ዓለም ሓቆፍ ሰላም ማሕበር ናይ ዜና ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪት ማዳለና ማልተሰ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ዘሎ ጽንኵር ኩነት ብዘየገድስ ናይ መራኸቢ ድልድል ኣብ ምህናጽ ንርከብ” ቢለን እቲ ማሕበር ኣብ 90 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝተፈላለያ ተቕዋማትን ኣብ ናይ ሃይማኖታት ማሕብረሰብን ወኪል ከምዘለዎ ኣዘኻኺረን ብኹሉ ጽፍሕታት እቲ ማሕበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምርኻብ ዓመጽ ናብ ምሕረት ክቕየርን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽን ኣብርቲዑ ዝዓዪ ምዃኑ የመላኽታ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኵሉ ኣብ ዘይርጉጽነትን ብዓቢይ ስቓይን እዩ ዝነብር ዘሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ውጥረት ዝተመልኦ ህልው ኩነት ከም ሓደ ንለውጢ ዝዕድም ተስፋን ናይ መራኸቢ ድልድል ንምህናጽ ኣኽእሎት ዝዓቖረ ከምዝኾነ ንኣምን፡ ምእንቲ እዚ እውን ብሓባር ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስልምናን ክርስትናን ካቶሊክን ኣብቲ ተቓውሞን ዘይምርድዳእን ኣብ ዝረኣየሉ ዓውዲ ዝተፈልየ ኣብነት ዘቕርቡ ኮይንና ንርከብ፥ ንሱ ኸኣ ዕርቂ ዝብል እዩ፥ ዓለታውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ዕሪቒ ነነቓቕሕ፡ ኣብታ ሃገር ዝርአይ ናይ ብዙሓት ትሑት መነባብሮን ድኽነትን መልሲ ክረክብ እውን ንዓዪ ኢለን።

ዕለት 28 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ሕልሚ ኣሎኒ ዝብል ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ መደረ ኣብ ዘብዓልናሉ ዕለት ናይ  መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብቲ ዓሌታዊ  ኢፍትሓውነት መላእ ሃገር ንኽትፍወስን ምእንቲ ሰላም ናይ ወዜማ ጸሎትን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ንክኻየድ ጸዊዖም ብዘዕግብ መንፈስ እውን ተኸናዊኑ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ዓሌታውነትን ኣድልዎን ጽልዕን ሓጢኣት ተላቒቕና ዓመጽ ናብ ዕርቂ ክልወጥን ውሕስነት መላእ ሕዝብን ክንክን ተፈጥሮን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ኣብ ምግባር ንኽዓዪ ዝጽውዕ እዩ፡ ናይታ ብላከ ዝተጐድኣላ ከተማ ከኖሻ ሰበኻ ሚልዋኡኪ ጳጳስ እውን ዝተላበዎ ተግባር እዩ ኢለን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ንመላእ ምእመናን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ሕብረተሰብ ነጢፎም ኣብ ኩሉ መዳይ ንቑሓት ኮይኖም ምእንቲ ሰላምን ማሕበራዊ ናብራን ዜግነት ክህልዎ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክዓዩን ከምዘተሓሳሰቡ ዘኪረን፡ ናይ ሚልኵዋኡኪ ጳጳስ፥ “ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ውርሻ ከነእንግድ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ሓቢረን።

ዕለት 3 መስከረም ምእንቲ ፍትሕን ሓድነትን ካብ ኣድልዎ ብዘርኢ ሕማም ንምፍዋስ ዝዓለመ መደብ ጸሎት ከምእተኻየደን ኩለን ሃይማኖታት ዘሳተፈ ከምዝነበረ እውን ገሊጸን፥ ፍሎይድ ካብ ዝቕተሉ ንነጀው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሕንጸት ዜጋታት ንዘተን ስቓይካ ናብ ተስፋ ንምልዋጥን እቲ ኩሉ ናይ ምፍንጫልን ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን መጋበርያ ዘበለ ኵሉ ናብ ናይ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነት ሓድነትን ንኽልወጥ ዘተባብዑ መደባት እውይ ይካየድ ኣሎ ምስ በላ፥ “እቲ ዘለናሉ እዋን ብሓባር ዝመዓራረዮ ብቑዕ መልሲ ክረክብ ምስ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ምእንቲ ሰላም ኣብ ምግልጋል ንርከብ ኢለን።

እቲ ማሕበር ምስ ተቕዋማት ዘለዎ ርክብ ኣብዚ እዋን’ዚ ስንኵፍ እውን እንተመሰለ እቲ ርክብ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ እዩ፥ ምስ መራሔ መንግስታዊ ተቕዋም ሕቡርታት መንግስታት ኣመሪካ ስንኩፍ ርክብ ዘሎና እውን እንተኾነ ንሕና ጥራሕ እውን ዘይኮነ ብዙሓት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነት እያቶም ዝርከቡ፥ ምስ ናይ ኣባይቲ ግዝኣት ምሕደራን ርእሰ ግዝኣትን ዘሎ ርክብ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ምስቲ ዘሎ ስንኵፍ ኩነት ዝራኸቡ ብምዃኖም እውን እዩ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣተኵሮ ይህብሉን ምስ ማሕበረሰብ ግዝኣቶም እውን ዝሓሸ ርክብ እዩ ዘለዎም ምስ በላ፥ ኤኮኖሚያውን ክንክን ጥዕናን ዝምልከት ቅልውላው እውን ዝተወሰኾ ብምዃኑ ብዙሕ ጥንቃቔ ዝሓትት ማሕበራዊ ጉዳይ እዩ፡ ፍትሕን ፍሉይ ኣተኩሮ ንድኻታትን ኣብ መንጐ ሓይሊ ጸጥታን ብሔራዊ ሓይሊ ጸጥታን ርክብ ክህሉን ወሳኒ እዩ፡ ብዙሓት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ጉድኒ ሕዝቢ እያቶም ስለዚህ ሞት ፍሎዮድ ዘሕዝን እዩ፡ ዘርኢ ሰላምን ስምምዕን ክኸውን እዩ ጸሎትና ይብላ።

እቲ ናይ ምረጹኒ ጓስጓስ እዋን ጭሮሓዊ መልክዕ ዘለዎ ብምዃኑ ንዘተ ዝድግፍ ኣይመስልን ይኹን ደኣ እምበር ናይ ሕዝብን ናይ ሃገርን ረብሓ ዝምልከት ፖለቲካ ወሳኒ እዩ፥ ዝሰዓረ ይሰዓር ዝተመርጸ ይመረጽ ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ሓባር ዘተን ሓለፋ ንድኻታትን ዝብል ክኸውን ንትስፈው እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሃይማኖት ንሰላም፥ ምእንቲ ዕርቂ
04 September 2020, 17:12