ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ን75 ዓመት ኣብ ድልያ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ን75 ዓመት ኣብ ድልያ ሰላም 

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ን75 ዓመት ኣብ ድልያ ሰላም

ውሑስ ናይ ኩለን ሃገራት ውክልና ዝሓቍፍ ክኸውን ዘብቅዕ ዕርያ የድልዮ፡ እዚ ከኣ ናይተን ሓሙሽተ ሓያላን ቀወምቲ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ኣባላት ሃገራት ፍሉይ ስልጣን ብዘጉድል ኣገባብ እዩ ክኸውን ዘለዎ

ክሳብ ዕለት 29 መስከረም ዝቕጽል ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ገሊኣቶም መራሕቲ ብኣካልን መብዛሕቲኦም ብመረብታዊ ርክብ ዝሳተፍዎ ዓለም ሓቆፍ ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ መራሕቲ ዕለት 21 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምእተጀመረን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዝሳተፉን ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 24 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ከተማ ናይ ገለ ገለ ሃገራት ጉጅለ መራሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝብል መጸውዕ ከመበገስዎን እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ከቢድ ህልቂትን ዕንወትን ዘስዓበ ቀዳማይን ካልኣይ ወግእ ዓለም ዘሕደሮ ዓቢይ ናይ ሰላም ድላይ ከምዝኾነን፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣብ ቅዋሜኡ ሰላም ምርግጋጽ መሰረታውን ቀንድኣውን ዕላማኡ ገይሩ እዩ ዝቖመ። ድሕሪ 75 ዓ.ም. እቲ ኣብ ነው ዮርክ ዝርከብ ዋና መንበር ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዝተፈላለዩ ግዚኦም ብዘሕለፉን ግብራእውነቶም ብዘብቅዑ ብዙሕ እዋን እቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለዩ ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ስሉጥ ምንጋወ ከይገብር ዝዕንቀጽ ብዝመስል መደብ ስርሒታት ኣብ ሰልሚ ዝርከብ ዘሎ እዩ ዝመስል።

ድሕሪ 75 ዓመት ናይቲ ውድብ ውሳጣዊ ምዕሩይነቱ ዳግም ምምልካት

ኣብቲ መበል 75 ጠቕላሊ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓ.ም. ብናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም ከምእተሳተፉን ናይ ቅድስቲ መንበ ልኡኻን መሪሖም ኣብቲ ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እውን ዘረባ ከምዘስምዑ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ብዛዕባ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ልዊስ መንበረ ጥበብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ መምህር ፕሮፈሰር ራፋኤለ ማርከቲ፥ ብርግጽ እቲ ቅድሚ 75 ዓመት እቲ ውድብ ንኽቐውም ዝገበሮ ሸቶ ሎሚ እውን ኣገዳሲ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ዝለዓለ ውሑስ ናይ ኩለን ሃገራት ውክልና ዝሓቍፍ ክኸውን ዘብቅዕ ዕርያ የድልዮ፡ እዚ ከኣ ናይተን ሓሙሽተ ሓያላን ቀወምቲ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ኣባላት ሃገራት ፍሉይ ስልጣን ብዘጉድል ኣገባብ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ምዕሩይ ውክልናን ሓላፍነትን ክህሉ እቲ ሓደ ንሰላም መሰረት እዩ።

እቲ ውድብ ክቐውም ዝደረኾ እቲ በቲ ክልተ ውግእ ዓለም ዝዓነወ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዳግም ንምሕናጽ ዝብል ጠለብ እዩ፡ እዚ ኸኣ ህጹጽ ኣድላይነት ምርግጋእን ድልያ ሰላምን ከምቲ እቲ ናይቲ ውድብ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ መቕድሙ ከምዘመላኽቶ፡ እቲ ድላይ ሓድሽ ስርዓት ዓለም ምቛም ዝብል እዩ፡ እዚ ድላይ’ዚ ክልተኣዊ  ዓንዲ በቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሶቪየት ሕብረትን ዝጸንዔ ኮይኑ እዩ ቐጺሉ፡ ክሳብ ምፍራስ ሶቪየት ሕብረት።

ናይቲ ውድብ መሰረተ ቅዋሜኡ ሎሚ እውን ዋጋ ኣለዎ፡ ንነዊሕ ዓመታት እውን ብኵነት ዝሑል ውግእ ዓለም ዛሕቲሉን ደሓር ኣብ 90 ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መዳርግቲ ብዘይብሉ ኣገባብ መርሕነት ህይወቱ ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ ሎሚ ኣብ ቅልውላው ይርከብ ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ውድብ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዋላ’ኳ ምሉእ ብምሉእ ዝተረጋገጸ ኣይኹን ናይ ሕጋውነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ባህሊ ክሰፍሕ ገይሩ እዩ፡ ስለዚህ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ ክትብል ይከኣል፡ እዚ ኸኣ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጥራሕ ዘይኮነ በተን ኣብ ውሽጡ ብዝሓቝፈን ዓለም ለኻውያን ውድባት መሰረት ዝተበጽሔ ውጽኢት እዩ።

ብርግጽ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዕማም ኣብ ናይ ዓበይቲ ሓያላት ሃገራት ስምምዕ ጽግዕተይና እዩ፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ውድባት በተን ዝለዓላ በዓል ብርኪ ብዝኾና ሃገራት ዝውሰን እዩ፡ ብተወሳኺ እዘን ሃገራት ናይቲ ላዕለዋይ ናይ ጸጥታን ድሕነት ቤት ምኽሪ ቀወምቲ ኣባላት እያተን፡ እዚ ዓይነቲ ኪደት’ዚ ኣብ ’90 ሰሪሑ እዩ ትርጉም እውን ነይርዎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን መወዳድርቲ ዘይብላ ሃገር እያ ዝነበረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሊሳ ከም ብሓድሽ ናብ ዘይምስምማዕ ትኣትው ዘላ እያ ትመስል፡ መጀመሪያ ምስ ሩሲያ ሎሚ ኸኣ ምስ ቻይና እቲ ውጥረት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናጸንዔ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ነዚ ድሕሪ ባይታ ገርና እቲ ሕድ ሕዳዊ ዘይምስምማዕ እናበርዔ ከምዝኸይድ ክንጽበዮ ዘሎና ሓቂ ይመስል፡ ሩሲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓለም ሓቆፍ ስርዓት ንምውልታው ዘካይድኦ ሕድ ሕዳዊ ምስሕሓብ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብቲ እተን ጸብለልቲ ሃገራት ኣብ ዝሰማማዓሉ ዓለም ሓቆፍ ጉዳይ ብዘይ ዕንቅፋት ክዓዪ እንከሎ ኣብቲ ዘይሰማምዓሉ ባይታ ኸኣ ከም ዝግብኦ ክዋሳእን እቲ ዘድሊ ክፍጽም የጸግሞ።

ስለዚ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ናይ ዕርያ ፍኖት እዩ ዘለዎ፡ እቲ ክኡል ዝመስል፥ እቲ ክኡል ቢልካ ክትግምቶ ዝከኣል ንኡስ ሕዳሴ እዩ፡ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒታቱ ንኣብነት ኣብቲ ናይ ጸጥታን ድሕነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱታፌ ሃገራትን ውክልናን ክብ ምባል፥ እቲ ድምጺ ብድምጺ ናምዕጋት ዝብል መሰል፥ እዚ ኸኣ ዝሓለፈ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ምጥቃም ከይህሉ ምግባር፡ እቲ ሱር ሰደድ እንብሎ እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል ምሕኻኽ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ደሞክራሲያዊ ምግባር ዝብል ሕዳሴ እዩ፡ እዚ ሶውራዊ እዩ፡ ዝተሓርየ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምቛም ዝብል፡ ልክዕ ሕዝቢ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶን ኣባላት ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ከምዝሓርዮ፡ ኣብ ውድብ እሕቡራት መንግስታት ዓለም እውን እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ክህሉ ዝብል ምዃኑ ኣረዲኦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ን75 ዓመት ኣብ ድልያ ሰላም
26 September 2020, 23:16