2020.06.16 armi nucleari, asia 2020.06.16 armi nucleari, asia 

ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣውነት ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውን

“ንናይ ዓለም ሰላምን ድሕነትን ስግኣት ካብ ዝኾኑ ድኽነትን ለብዕን ኣሸባርነትን ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እንተድኣ ኮይኖም ነዞም ስግኣት እዚኣቶም ብግቡእ ንምግጣምን ንምውጋድን እቲ ንንኑክለሳዊ ኣጽዋርን ንቅድድም ኣጽዋር ውግእን ዝባኽን ሃብቲ ገንዘብ ብምጥቃም ብትኽክል ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ነቲ ስግኣት ሰላምን ድሕነት ንምብዳህ ከውዕሎ ከምእተላበዉን

ዕለት 26 መስከረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ንምሉእ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓ.ም. ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መበል 75 ጉባኤ መራሕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንምሉእ እገዳ ኑክለሳዊ እጽዋር ጻውዒት ከምዘቕረቡን ዕለት 26 መስከረም ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ፡ ኵሉ ኣብ ምውጋድ ጅምላዊ ኣዕናዊ ኣጽዋር ውግእ ኣብርቲዑ ክዓዪ ከምእተላበዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማርኮ ጉወራ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 መስከረም፥ “ዓለም ብዘይ ጅምላዊ ረፍራፊ ኣጽዋር ውግእ ክኸውን! ሰብኣዊ ፍጥረት ካብቲ ንመላእ ዘርእሲ ሰብ ስግኣት ዝኾነ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውን ንጐይታ ናይ ሰላም ጸጋ ንለምኖ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበሩ ጐወራ ኣስዒቦም፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ካብ 2013 ዓ.ም. ሰላምን ድሕነት ውሑስ ንምግባር ብዝብል መርሕ ቃል ዘቖመ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ፡

ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ኣቶሚክ ኣጽዋር ኣብ ዝውንና ሃገር ይነብር

ኣብ ዓለም ግትኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ሰረተ ሓሳብ ዝቃላሕ እውን እንተኾነ፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሎሚ እውን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ዓቢይ ስግኣትን ዘሰክፍን ከምዝኾነን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም እቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝሽፍን ኣብተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንና ሃገራት ዝነብር ምዃኑ የመላኽት።

ዘተ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንእገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር

ዕለት 2 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዝዕባ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክመክር ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሰሜን ኮርያን ኢራንን ዘካይድኦ ዘለዋ ኑክለሳዊ መርሓ ግብሪ ብኣተኵሮ ይከታተል ከምዘሎን ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ብናይ 2015 ዓ.ም. ውዕሊ ዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር መሰረት ኣብ ኢራን ተደንጊጉ ዝነበረ ማዕቅብ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘብቅዕ እውን እንተኾነ ክናዋሕ ድላይ ከምዘለዎ ከፍልጥ እንከሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ውዕሊ ዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ 2018 ዓ.ም. ገዛእ ርእሱ ከምዘንሳሕበ ይፍለጥ።

ዕገዳ ምርባሕን ግትኣትን ኑክለሳዊ ኣጽዋር

እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውን ዝብል ዓቢይ ብድሆ ብኽልተ ዓለም ሓቆፍ ውዕላት ምልኩት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ 1970 ዓ.ም. እገዳ ምርሓብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብልን እዚ ስምምዕ እዚ እተን ነቲ ውዕሊ ብኽታመን ዝተቐበለኦ ሃገራት ዕደጋ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከየካይዳን ዝኽልክል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝጸደቐ ግትኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ውዕሊ ከምዝኾነን እዚ ውዕሊ እዚ ካብ ምእጋድን ምሉእ ብምሉእ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥፋእን ዝብልን ቅድስቲ መንበር ነዚ ውሳኔ’ዚ ካብተን ብኽታመን ካብ ዝተቐበለኦ ሃገራት ብቐዳምነት ትጥቐስ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ውዕላት ናብ ግብሪ ምትርጓም

ዓለም ሓቆፍ ንምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝድርኽ ዓለም ሓቆፋዊ ሕጊ ኣብ ግብር ክውዕል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ መራሕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቡ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጉወራ ኣስዒቦም፥

ምብኻን ርእሰ ማል

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምምራት ዝባኽን ሃብቲ እናሓሰቡ፥ “ንናይ ዓለም ሰላምን ድሕነትን ስግኣት ካብ ዝኾኑ ድኽነትን ለብዕን ኣሸባርነትን ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እንተድኣ ኮይኖም ነዞም ስግኣት እዚኣቶም ብግቡእ ንምግጣምን ንምውጋድን እቲ ንንኑክለሳዊ ኣጽዋርን ንቅድድም ኣጽዋር ውግእን ዝባኽን ሃብቲ ገንዘብ ብምጥቃም ብትኽክል ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ነቲ ስግኣት ሰላምን ድሕነት ንምብዳህ ከውዕሎ ከምእተላበዉን፥

ምርብሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ፍርሒ የራብሕ

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምርባሕ ዝብል ውሳኔን ተግባርን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት እተን ሓያላት ሃገራት ዝተመረሓሉ መትከል፥ ኣብ ስግኣት ዝጸንዔ ፍርሒ ዘራብሕን ርክባት ኣህዛብ ዝምርዝን ዘተ ዘተዓናቕፍን እዩ፡ ምእንቲ እዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ንሕድ ሕዳዊ ምትእምማን ዘተዓናቕፍ ሃዋሁ ክኣልይ ጻውዒት ከምዘቕረቡ የዘኻኽሩ።

27 September 2020, 22:15