ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፥ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝመዛበሉ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፥ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝመዛበሉ 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፥ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝመዛበሉ

ዝስደዱን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘመሓላለፍዎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ወግዓዊ ዝኾነ መልእኽቲ ኣርእስቱ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽዝደዱ ዝተገዱ፥ ንተመዛበልቲ እንገዳን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃድን” ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝመዛበል ኢየሱሱ ህልው እዩ

ዕለት 27 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ ለምዘበን መበል 106 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብፍልዩ እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ውሽጢ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ሓሳብ ዝገበረን፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይዞም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ውሽጢ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ብዝሒ 50 ሚሊዮን ከምዝኾነን ብዙሕ እዋን ዘይንገረሎም ዘይፍሉጣት እውን ኮይኖም ይነብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ውሽጢ ዝመዛበሉን ዝስደዱን ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎን ኣብዚ እዋን እዚ 50 ሚልዮን ከምዝግመቱን ናይ  ውግእን ግጭትን ዓመጽን ቅልውላው ማሓድሮን ሎሚ ኸኣ ናይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዓደዳ ከምዝኾኑን እቶም ዝበዝሑ ኣብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት፥ ኣብ የመንን ስሶሪያን ሊቢያን ዒራቕን ዝርከቡ እያቶም።

ኣብ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ህላዌ ኢየሱስ

ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ነቶም ዘይረኣዩን ብዙሕ ዘይንገረሎምን ዘይፍሉጣት ኮይኖም ዝነብሩ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘመሓላለፍዎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ወግዓዊ  ዝኾነ መልእኽቲ ኣርእስቱ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽዝደዱ ዝተገዱ፥ ንተመዛበልቲ እንገዳን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃድን”  ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝመዛበል ኢየሱሱ ህልው እዩ - ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘመን ሄረዶስ ኢየሱስ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ንመሬት ምስሪ ከምእተሰደ ሎሚ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስደተይናን ዝመዛበልን ናይቲ ጠመየ ጸሚኤ ዓሪቐ ሓሚመ ጋሻ ኮይነን ተኣሲረን ዝብል ኢየሱስ ወጅሂ ኢያቶም ኣብኦም ነዚ ኢየሱስ እዚ ምልላይን ምርኻብን፡ ኣብኣቶም ንኢየሱስ እንተድኣ ኣለሊናዮ ስለ ዝተራኸብናዮን ዘፍቀርናዮን ዘገልገልናዮን እነመስግን ንሕና ንኸውን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ቅዱስነቶም ወትሩ ነቶም ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ብፍሉይ ይዝክሩን ቆላሕታ ከምዝገብሩን ምእንቲ እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ብዙሕ ዝላበዉን ዝጽልዩን ድምጺ ኮይኖም እውን እንገዳን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃንድ ክቐርበሎም የተሓሳስቡ።

29 September 2020, 19:36