MIDEAST ISRAEL PANDEMIC CORONAVIRUS MIDEAST ISRAEL PANDEMIC CORONAVIRUS 

ኾሮና ተህዋስ፥ ውሳኔ ሓድሽ ውሸባን ሕጹጽ እዋን ሓደጋን ኣብ እስራኤል

ኣስዒበን፥ “ሸቶና በቲ ሕማም ዝልከፉ ቁጽር ክንክን ብቝልጡፍ ናብቲ ንቡር መነባብሮ ንኽንምለስ እዩ” እንክብሉ ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ በንጃሚን ነታንያሁ ንመላእ ሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ ኣስታት 29 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ብኾሮና ተህዋስ ከምእተለኽፈን ኣስታት 920 ሺሕ ከምዝዓረፉን እቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብ ዝኽስተ ኣትሒዙ ተራእዩ ዘይፈልጥ ንፈለማ ግዜ ኣብ ውሽጥ 24 ሰዓት ኣስታት 307 ሺሕ ከምእተለኽፉ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብ እስራኤል ብኾሮና ተህዋስ ናይ ዝልከፉ ቁጽር ክብ ይብል ብምህላዉ መንግስቲ እታ ሃገር ሓድሽ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ከምዘመሓላለፈን ኩሉ ክውሸብ ከምዝወሰነን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እስራኤል መንግስቲ ብኮቪድ - 19 ዝልከፉ ቁጽር ግምት ብምሃብ ካብ ዕለት 14 መስከረም ጀሚሩ ንዝቕጽል ሰለስተ ሰሙን ብጀጋ ኣገደስቲ መውሃቢ ኣገልግሎት እዚ እውን ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት ኣገልግሎት ንኸቕርቡ ፍሉይ ፍቓድ ዝብል ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ውሳኔ ምሉእ ውሸባን ከምዝደንገገን። ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ መግብን ናይ ንግድ ማእከላትን መአንገድ ኣጋይሽን ከምእተዓጸወን ዝሓበራ ታማሮ ኣስዒበን፥ “ሸቶና በቲ ሕማም ዝልከፉ ቁጽር ክንክን ብቝልጡፍ ናብቲ ንቡር መነባብሮ ንኽንምለስ እዩ” እንክብሉ ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ በንጃሚን ነታንያሁ ንመላእ ሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም - እዚ ውሳኔ እዚ ንዅላትና ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል እዩ፡ ከምቲ እንፍፈልጦ እዋን ዕረፍቲ ኣይኮነን” ከምዝበሉ ታማሮ ኣፍሊጠን።

ኵነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዓለም

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልዕሊ 6 ሚሊዮንን ፈረቓን ከምእተለኽፉን፡ ኣብ ህንዲ ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ጥራሕ 90 ሺሕ ከምእተለኽፉን  ኣስታት 80 ሺሕ ከምዝዓረፉን፡ ብጠቕላላ ኮቪድ - 19 ካብ ዝኽሰት ንነጀው ኣስታት 4.846.427 ከምእተለኽፉ ናይ ህንዲ ሚንስትር ክንክን ጥዕና ይሕብር። ኣብ ኤውሮጳ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ፖርቱጋልን ናይ ዝልከፉ ቁጽር ክብ ይብል ከምዘሎ ይንገር።

ጻዕሪ ኣብ ድልያ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ

ኣብ ኢጣሊያ ብኮቪድ - 19 ዝጥቕዑ ዜጋታት ብዝሒ ትሑት እውን እንተኾነ ይንክይ ከምዘሎን ኣብ 24 ሰዓት 1,458 ጥራሕ ከምእተለኽፉን ኣብ ኢጣሊያዊት ደሴት ሳርደይና መርመራ ኮቪድ ግድን ክኸውን ከምእተወሰነን ካብ ኮቪድ ነጻ ዝብል ናይ ሕክምና መርመራ ወረቐት ዘይብሉ ናብታ ደሴት ክኣትው ከምዘይክእል እውን ከምእተወሰነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዛዕባ ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ናይ ኢጣሊያ ፍሉይ ድርገት ሓላፊ ዶመኒኮ ኣርኩሪ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ድልያ ክትባት ጸረ ኮቪድ ይሳተፉ ከምዘለዉን - ኢጣሊያ ንድልያ ናይ ክትባት ኣገዳሲ ሃብቲ ገንዘብ ከምዝሰለዓትን እቲ ዝካየድ ዘሎ መምርመራ ኣገዳስን ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ናይ ስነ ምርምር ውጽኢት ዝወዳደርን ምዕብሉን እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

ኾሮና ተህዋስ፥ ውሳኔ ሓድሽ ውሸባን ሕጹጽ እዋን ሓደጋን ኣብ እስራኤል
15 September 2020, 17:47