በይሎሩሲያ፥ ሰላማዊ ሰልፊ ደቀንስትዮ ምእንቲ ኮለስኒኮቫ በይሎሩሲያ፥ ሰላማዊ ሰልፊ ደቀንስትዮ ምእንቲ ኮለስኒኮቫ 

በይሎሩሲያ፥ ሰላማዊ ሰልፊ ደቀንስትዮ ምእንቲ ኮለስኒኮቫ

ኣብ ሊትዋንያ ዝርከባ ቲክሆኖቭስካያ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኤን ኣቢለን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዳ ዝነበራ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ጸቕጢ ኮኒነን፡ ሓይሊ ምክልኻ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ክቐውም ጻውዒት ከምዘቕረባ

በይሎሩስይ ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒረ ንዝበሉ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮ ዝቃወምን እቲ ዝተኻየደ ሕዝብዊ ምርጫ ዝተደናገረ እዩ ብዝብል መርሕ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጽንኩር ናዕቢ ይቕጽል ከምዘሎን ዕለት 14 መስከረም 2020 ዓ.ም. እተን ብመንግስቲ ውሳኔ መሰረት ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከባ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ መርሒት ማሪያ ኮለስንኮቫ ናጻ ክልቀቓ ደቀንስትዮ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየዳሉ እዋን ውጥረትን ማእሰርትን ከምዘጋጠመን፡ ዕለት 15 መስከረም እውን ከይተረፈ ብዙሓት ዜጋታት ከምእተኣሰሩን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 16 መስከረም ኣብ ሩሲያዊት ከተማ ሶኪ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ፑቲንን ናይ በይሎሩሲያ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮ ክሌኣዊ ርክብ ምክያዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም፡ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዕለት 9 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ስዒቡ እቲ መረጻን ብወግዒ ዝተሓበረ ውጽኢትን ዝተደናገረ እዩ ብዝብል ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተባርዔ ማሕበራዊ ውጥረት ገና ይቕጽል ከምዘሎን፡ ዕለት 15 መስከረም እተን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ካለአይቲ ዝወጻ ስቨትላና ቲክሃኖቭስካያ ንሕይወተን ስለ ዝሰግኣ ኣብ ሊትዋኒያ ኣብ ስደት ከምዝርከባን ኣብቲ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ጐሊሔን ዝረኣያ ብመንግስቲ ንቤት ማእሰርቲ ዝተዳረጋ ማሪያ ኮለስኒኮቫ ናጻ ክልቀቓ ዝሓትታ ደቀንስትዮ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዳን፡ ኣብ መንጐ ሰልፈይናታትን ሓይሊ ጸጥታን ውጥረት ከምእተፈጥረን ልዕሊ 100 ዝግመቱ ዜጋታት እውን ከምእተኣሰሩን ዕለት 15 መስከረም እውን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣስታት 250 ዜጋታት ከምእተሓበሱ ላ ቨላ ይሕብሩ።

ርክብ ሉካሸንኮን ፑቲንን

ኣብ ሊትዋንያ ዝርከባ ቲክሆኖቭስካያ ዕለት 15 መስከረም 2020 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኤን ኣቢለን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዳ ዝነበራ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ጸቕጢ ኮኒነን፡ ሓይሊ ምክልኻ ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ክቐውም ጻውዒት ከምዘቕረባ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥ እቲ ኣብ መንጐ ሉካሸንኮን ፑቲንን ዝካየድ ክሌኣዊ ርክብ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረከቦ ድጋፍ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ናይ ሶቪየት ፖለቲካ ተንተንቲ ከምዝሓበሩ የመላኽቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ በይሎሩሲያ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ እወታውን ኣሉታውን ኩነት ብዓቢይ ኣተኵሮ ከምዝከታተሉን ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ በይሎሩሲያ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሉካሸንኮን ተቓወምትን ዝረአይ ዘሎ ውጥረት ብዘተ መፍትሒ ክረክብ ናይ ኵሉ ተስፋ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቅዱስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ነታ ኣብታ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንመላ ህዝብን ሃገርን በይሎሩሲያ ንኸረጋግጹ ካብ ዕለት 12 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ሚንስክ ከምዝርከቡን ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ እዚ ዓይነት ቅርበትን ድጋፍን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥ ብጹዕነቶም ምስ በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ምስቶም ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣካላትን ምስ ናይታ ሃገር ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ክራኸቡ መደብ እውን ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።

ዕለት 16 ነሐሰ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ኣቅሪቦምን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዓለምና ህጹጽ ኣቃልቦ ካብ ዘድልየን ብዙሓት ሃገራት ነታ ብምኽንያት መረጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሃገረ በላሩስያ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም አወክፍ ከምዝበሉን ኩነታት እታ ሃገር ብቐረባ ከምዝከታተልዎን ዘተ ክተባባዕን ክትግበርን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ክውገድን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ኵሉ ግቡኡ ክፍጽም እላበው ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 18 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ድርገት ፍትሕን ሰላምን ንኤውሮጳ ኵሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ምሕጽንታ ክሓብርን ኣብ ፍትሕን ሰላምን ክብጻሕ መታን ምእንቲ ህዝቢ በይሎሩሲያ ኣቡነ ዘበሰማያት ክደግም ጻውዒት ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ላ ቨላ የዘኻኽሩ።

በይሎሩሲያ፥ ሰላማዊ ሰልፊ ደቀንስትዮ ምእንቲ ኮለስኒኮቫ
16 September 2020, 11:41