ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሞትን ማህሰይትን ምእንቲ ብላከ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሞትን ማህሰይትን ምእንቲ ብላከ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሞትን ማህሰይትን ምእንቲ ብላከ

ኣብ ግዛኣት ሚድወስት ከተማ ዊስኮንሲን ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብላከ ዝፈጸሞ ንልምሰት ዝዳረጎ መጥቓዕቲ ዘለዓዓሎ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ዊስኮንሲን ኣብ እትርከብ ከተማ ከኖሻ ናይታ ከተማ ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣመሪካዊ ብዝፈጸሞ ዓመጽ ምኽንያት ናብ ዕለት 26 ነሓሰ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሕዝቢ ዘለዓዓሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጠንቂ ሞትን ማሕሰይትን ከምዝኾነን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከብ ሓደ ኣባል ቀዳሞት ተወለድቲ ዜጋ ዕለት 26 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ክቕተል ዕለት 26 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ ክዝከር እንከሎ ከምእተቐትለ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. መቕጻዕቲ ፍርዲ ሞት ዳግም ካብ ዝጅመር እቶም ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖምን ዕለት 26 ነሓሰ ዝተቐትሉ ለዝሞድ ሚቸል ራብዓይ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ዝቋረጽ ድሕሪ 17 ዓመት ናይ ሞት ፍርዲ ይትግበር ከምዘሎን ቅድሚ ሚቸል ካልኦት 3 ከምእተቐትሉ ዘዘኻኸራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጽዓን ጳጳስት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ዓ.ም. እቲ ኣብ ልዕሊ ሚቸል ዝተበየነ ፍርዲ ሞት ከይትግበርን ክለዓልን ከምዝሓተቱን ኣብቲ ናይ ጳጳሳት ጻውዒት ካቶሊካውያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ከምዝሓበሩን፥ ናይታ ሃገር ጳጳሳት እውን ኣብ መልእኽቶም “ዝብየን ፍርዲ ተስፋን ናይ ምልዋጥን ዕድልን ተስፋ ምውህሃድ ምስ ሕብረተሰብን ዝሓክኽ ክኸው የብሉን” ከምዝበሉ ጠቒሰን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ደጋጊሞም ናይ ሞት ፍርዲ ኢግብረ ገባዊ እዩ ቢሎም፡ ከምዚ ብምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክስረዝ ኣለዎ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ጸረ ወንጌል እዩ” እንክብሉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጻውዒት ከምዘቕረቡ የዘኻኽራ።

ኣብ ሮማ ልዊስ መንበረ ጥበብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ታሪኽ መምህር ናይ ታሪኽ ሊቅ ግረጎርይ ኣለጂ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ገበንን ገበነይናን ዘይምርኣይን ተተሓሒዙ እውን መቕጻዕትን ማሕቡስን ንኽትልወጥን ብሰላም ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂድካ ንኽትነብር እትእረመሉን እትህነጸሉ ክነሱ ማሕበራዊ ጥማቶ ነዚ ትርጉም ቤት ማሕቡስ ዕሽሽ ዝብሎ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ሕግን ስርዓት ዝብል ኣመለኻኽታ ትራምፕ ብዙሕ እዋን ዝጥቐምሉን እዚ ኸኣ ተወዳደርቶም ናይ ደሞራሲያው ፖለቲካዊ ሰልፊ ናይ ሕንፍሽፍሽን ስርዓት ኣልቦነት ፖለቲካዊ ሰልፍ እንክብሉ ብምግላጽ ኣንጻር ንምዃን ስለ ዝደልዩ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ እናሓሰቡ ነቲ ናይ ዴሞክራሲያዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ወኪል ንምርጫ ዝቐርቡ ባይደን ዝለዓለ ድጋፍ ክረኽቡ እዮም ዝብል ዘሎ ግምት ንኽትሕት ኣሚቶም ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ድሕሪ ማህሰይቲ ብኣባላት ጸጥታ ጸሎም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብላከ

 ኣብ ግዛኣት ሚድወስት ከተማ ዊስኮንሲን ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብላከ ዝፈጸሞ ንልምሰት ዝዳረጎ መጥቓዕቲ ዘለዓዓሎ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ብዝተፈጥረ ውጥረት ክልተ ዜጋታት ናይ ሞትን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ ማህሰይትን ሓደጋ ከምዝወረዶምን እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓይሉ ገና እውን ይቕጽል ከምዘሎን ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ከተማ ሚነኣፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣፍሮ - ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብኣባል ሓይሊ ጸጥታ ናይታ ከተማ ዝተፈጸመ ግብረ ቕትለት ስዒቡ ካብታ ከተማ ሓሊፍ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዓዓሎ ማሕበራዊ ውጥረት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ ከምዝነበረን እቲ Black lives matter – ናይ ጸለምቲ ሕይወት ዘገድስ እዩ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን መወዳእታ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክምዝጠለበ ኣዘኻኺሮም።

ኢማዕርነት ዘዕለቕልቖ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኤኮኖሚ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ማብራዊ ኤኮኖሚ ሜላ ተገራጫዊ እዩ፡ እዚ ኸኣ ዝተናወጸ ማለት ሚዛን ኣልቦ እዩ ስለዚህ ይብሉ ኣለጂ - ብዙሕ ከይደንጎየ ድሕሪ ቁሩብ ዓሰርተ ዓመታት ጸዓዱ ኣብላጺ ህዝቢ እታ ሃገር ኣይክኸውንን እዩ እዚ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ዝተፈላለዩ ውሁዳን ዓለት ብጥርናፈ ኣብላጺ ወይ ብዙሃን ህዝቢ እታ ሃገር እያቶም፡ ነቶም ጸዓዱ ኣልቦ ውሕስነት ክስምዖን ዝገብር ዘሎ ይመስል፡ ስለዚ እያቶም ድማ መብዛሕቲኦም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንትራምፕ ዝመረጹ፡ ቀስ ብቐስ እቶም ዙሓት ውሁዳን ብጥርናፈ ብዙሃን ዝኾኑን ነቲ ኤኮኖሚ ናብ ስጓምን ክፉትን ራእይ ንኸብል ክድርኽዎ እዚ ኸኣ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ናብ ተምሳል ኤውሮጳ ህብረተሰብ ንኸብል ዝድርኽ እዩ ዝኸውን ማለት ሓቛፊ ኤኮኖሚን ሕብረተሰብ፥ በዚ ኣገባብ እዚ እቲ ውጥረትን ግጭትን ይስገር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

29 August 2020, 01:12