ለብዒ ኮቪድ - 19: ሚእቲ ሚሊዮን ዝግመቱ ሓደሽቲ ድኻታት ሓበሬታ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ለብዒ ኮቪድ - 19: ሚእቲ ሚሊዮን ዝግመቱ ሓደሽቲ ድኻታት ሓበሬታ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ 

ለብዒ ኮቪድ - 19: ሚእቲ ሚሊዮን ዝግመቱ ሓደሽቲ ድኻታት ሓበሬታ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዓውለማዊ ሸለልትነት ዓውለማዊ እንታይገደሰኒ በሃልነት እንክብሉ ንጀመሪያ ግዜ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ላምፐዱዛ ዘካይድዎ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻ ይዝክሩ

ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ግዳያት የፍርን ናብ ዝኸፍኤ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሓደጋ የሰንየና ኣሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት እቲ ተከሲቱ ዘሎ ለብዒ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ዝኸፍኤ ድኽነት ንኸንቆልቁሉ ከምዝገበረን እዚ ኸኣ ካብቲ ቅድም ክብል ተገሚቱ ካብ ዝነበረ ዕጽፊ ምዃኑ የመላኽት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ጽንኩር ኩነት’ዚ የዕንትና ካብ ብጻይና ንኸይንኽውል “ክርስቲያናዊ ሓልዮት” ኣይነቡክር ሓደራ እንክብሉ ዘቕረብዎ ለበዋ ብብርቱዕ የቓልሕ ኣሎ፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕብራት ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ጳጳሳዊ ማሕበር ሕጹጽ ኣገዳሲ ውሳኔ ኣድላዪ ምዃኑ የተሓሳስብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተህዋስ ድኽነት። ክንደይ ሳዕ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ልክዕ ከምቲ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ዝግበር ዘሎ ድልያ ፈውሲ ክትባት ብልክዕ ከኣ ብዛዕባ ናይ ድኽነት ተህዋስ ዝብል ቃል ኣንቢብናን ሰሚዕናን፡ ናይ ስነ ሕክምና ሊቃውንትን ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንትን ኣብ ርኽበት ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ሓይሎም ኣዋዲዶም ክዓዩ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ካብቲ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኾሮና ተህዋስ ካብ ዝተራእየሉ ኣትሒዞም ደጋጊምም ብዘይ ምቁራጽ ድኻታት ከይርስዑ እንክብሉ ከምዘቕረብዎ ለበዋ፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ስራሕ ዓለምን ብውልቅን ናይ ሸለልተይናነት ተህዋስ ንምብዳህ ዘኽእል ንናይ ጸረ ሸልለተይናነት ክትባት መድሃኒት ርኽበት ክውስኑ ዝብል ሕቶ ምቕራብ ኣገዳሲ ይኸውን።

ንኹሉን ናይ ኵሉን ክትባት

ኣብዚ እዋን`ዚ ብዙሕ ጻውዒት ክቐርብ ይስማዕ፡ ንኣብነት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዕለት 19 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረብዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ “ዝሓመመ ማሕበራዊ ጽፍሕታት” ንምቕያርን ንናይ ድኻታት ኵልንተናዊ ዕብየት እምበር ንተመጽዋትነት ዘይድርኽ ኤኮኖሚ ምምዕባል ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ እዚ ኸኣ ንኮቪድ - 19 ዝወሃብ መልሲ ድርብ ክኸውን ዘለዎ።  በቲ ሓደ መዳይ ይብሉ ቅዱስነቶም - ነቲ ደቒቕ መላእ ዓለም ዘንበርክኽ ዘሎ መዓተይና ተህዋስ ምዳህ፡ በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነት ዕድልን ተነጽሎን ናይቶም ኣብ ሓሳርን ድኽነትን ዝርከቡ ናይ ጉድለት ክንክንን ዝኾነ ተህዋስ ምብዳህ የድሊ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ይጥቀስ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት መጠንቀቕታ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዓውለማዊ ሸለልትነት ዓውለማዊ እንታይገደሰኒ በሃልነት እንክብሉ ንጀመሪያ ግዜ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ላምፐዱዛ ዘካይድዎ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻ ይዝክሩ። ሸለልትነትን እንታይ ገደሰኒ በሃልነትን ንነብር ኣሎና። ሓበሬታ ምእካብ ምፍላጥ ጥራይ በይኑ ልብና እንተዘይተንክፉ ንካልኦ ክንሕግዝ ጸገም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክስመዓና እንተዘይክኢሉ እዚ እዩ ሸለልትነት ዝበሃል። እዚ እዩ እቲ ዝፈላልየና ዓቢ ገደል ናይ ሸለልትነት ወይ እንታይ ገደስኒ በሃልነት።

ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ሰብ ጹቡቕ ድላይን ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ዝሃቦ ጸብጻብ እንታይ ገደሰኒ ክብል ኣይክእልን። ቅልውላው ኮቪድ - 19 ካብቲ ቅድም ክብሉ ዝግመት ዝነበረ ንላዕሊ 100 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ዓለም ናብ ክቱር ድኽነት ከንቆልቁሉ ገይሩ ኣሎ። ናይ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ኣቦ መንበር ዳቪድ ማልፓስ ዕለት 25 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ምስ ፍራንስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዝሃብዎ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ። እቲ ብዝሒ እውን ክብ ክብል ከምዝኽእል የነጽሩ፡ ቅድም ክብል 60 ሚሊዮን ዜጋታት ናብ ድኽነት ከንቆልቁሉ ከምዝኾነ እዩ እቲ ግምት ዝነበረ። ነዚ ጽንኵር ኩነት እዚ ንምብዳህ እቶም ንድኻታት ሃገራት ኣለቐሕቲ ሃግራት ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ክንክዩ ካብቲ ቅድም ክብል ዕዳኻ ደንጒኻ ንምኽፋል ዝወሃብ ሕጋዊ ፍቓድ ወይ ግዜኣዊ ምቍራጽ ዝብል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ቀሪቡ ዝነበረ ውሳኔ ክንየው ምባል የድሊ እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ሕጹጽ መፍትሒ

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማሕበር ናይ ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊት ማርታ ፐትሮሲሎ ነቲ ብዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ብጠንቂ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ወርሒ መጋቢት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ቅድም ክብል ሂብዎ ዝነበረ ግምት እዩ፥ ስለዚህ ምስምዑ ሓድሽ እውን ኣይኹን ኣዚዩ ዘሰክፍን ሕጹጽ መፍትሒ ዘድልዮን ዓቢይ ማሕብራውን ሰብኣውን ጸገም እዩ ኢለን።

ስለዚ መፍትሒኡ ድማ ዕዳኻ ደንጕኻ ንምኽፋል ዝወሃብ ሕጋዊ ፍቓድ ወይ ከኣ ግዚኣዊ ምቁራጽ ዕዳ ዘይኮነ ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ምስራዝን ዓለም ሓቆፍ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔን ምርግጋጽ እዩ። ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ጽኑኩር ኵነት ጠቒሰን ናይ ኤኮኖሚ  ማዕቀብ ምውጋድን ሰብኣዊድጋፍ ክብ ምባልን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኹሉ ውሑስ ምግባርን ወሳኒ እዩ። ስለዚ እዚ መፍትሒ እዚ ንጹር እዩ፡ ስነ ምርምራዊ ግድል ዝሓትት ወይ ዘድልዮ መልሲ ኣይኮነን ይብላ።

ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ

ኣብ መወዳእታ 2020 ዓ.ም. ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩ ብዝሒ ዜጋታት ናብ 121 ሚሊዮን ክብ ክብል ከምዝኾነን፥ እዚኣቶም እውን ብጥምየት ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞም ዝከኣል እዩ፡ ብዝሖም ካብቲ ናይ 2019 ዓ.ም. እዚዩ ክብ ዝበለ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን ለብዒ ትንቢታዊ እዮም ዝነበሩ፡ እቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ዝነበረ ጭቡጥ ኮይኑ ንርእዮን ንሰምዖን ኣሎና። ድኻታት ኣብ ምድጋፍ ተዓጻጸፍትን መሃዝያንን ምዃን የድሊ ዝበልዎን ድሕሪ ለብዒ ዓለም ከምቲ ዝነበሮ ክተርፍ ዘይኮን ክልወጥ ከምዘለዎን ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ምሕዋይን እዚ ኸኣ ንኮቪድ - 19 እናሓሰቡ ጥራሕ ዘይኮነ ንድኻታት እናሓሰቡ ዝበልው ምዃኖም የብርሃ።

ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ ጸገማት

ሓደ ካብቲ ናይ ኮቪድ - 19 ሳዕቤናት ምዕጻው ኣባይቲ ትምህርቲ እዩ፡ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል ዘርሕቕ፡ ኣብ ዓለም ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ናብ ኣባይቲ ትምህርቲ ክምለሱ ዘይከኣሉን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ሕንጸትን መጻኢኦም ምሕናጽ ዝተሓረሞም ብዙሓት እያቶም፡ እዚኣቶም ብዙሕ ዘይንገረሎም ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ምሳሕ ኣገልግሎት ክቋረጽ ገይሩ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ መዓልቲ ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ኣባይቲ ትምህርቶም ዝረኽቡ ንዝነበሩ ሕጻናትን መንእሰያትን ናብ ጥምየት ደሪኽዎምን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ካብ ስራሕ ወጻኢ እውን ገይሩ ኣሎ። ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምዝመዛን ናይ ወሲብ ዓመጽን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ክብ ክብልን እውን ክምዝገበረ ጸብጻባት ከምዘሎ ጠቒሰን ስለዚህ ደሕንነትን ውሕስነት ክረጋገጽ ኣለዎ ይብላ።

ናይ እግዚኣብሔር ኣመክንዮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስው ኣስተንትኖ፥ ናይ እግዚኣብሔር ኣመክንዮ፥ ናይ ብጻይካ ጸገም ናትካ ምግባር እምበር ከም ጲላጦስ ኣእዳውካ ምሕጻብ ማለት ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡ ባዕሎም ዝከኣሎም ይግበሩን ባዕሎም ይፍለጡን ዝብል ቃል ኣብ ናይ ክርስቲያን መዝገበ ቃላት ክህሉ ዘይግብኦ ቃል እዩ፥ ርሕራሔ ንዋታዊ ነገር ወይ ስምዒታዊ ድንጋጼ ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ጭንቀት ኣብ ጸገምን ዘሎ ሰብ ዝስምዖ ክስመዓካ እንከሎ ምሳኡ ኰይንካ ክትጭነቕ ተሳታፊ ጸገሙን ጓሂኡን ጭንቁን ክትከውን እንከሎኻ እዩ። ንገዛእ ርእስና፥ ኣነስ እርሕርሕዶ! ብዛዕባ ውግእን ጥሜትን ለበዳ ሕማምን ዝምልከት ዜና ከንብብን ክሰምዕን ክርእን ነቲ ሕዝቢ እርሕራሓሉዶ ጐረባብተይ ገለ ጸገም ኣንተጓንፎም እርሕራሓሎምዶ! ተሳታፊ ጸገሞምዶ እኸውን ወይ ከኣ ባዕሎም ይፈልጡ ኢለ ሕቈይ ሂበዮም እዕዘር! ስለዚ ነዛ ርሕራሔን ድንጋጼን ሓልዮትን እተስምዕ ቃል እዚኣ ኣይንረስዕ። ንሳ ኣብ ሓላዪ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣቦ ዘሎ ምትእምማን፡ ብትብዓት ንዅሉ ምስ ብጾትካ ምክፋል ተስምዕ እሞ ሓደራ ኣይንረሳዓያ። ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብቲ ምክፋል ዝብል ሓላይ ፍቕሩ እምነት ይሃልወና እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ይዝከር።[ Audio Embed ለብዒ ኮቪድ - 19: ሚእቲ ሚሊዮን ዝግመቱ ሓደሽቲ ድኻታት ሓበሬታ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ]

 

26 August 2020, 17:00