ባርዕ ነትጒ ኣብ ማእከል ከተማ በይሩት ባርዕ ነትጒ ኣብ ማእከል ከተማ በይሩት  

ሊባኖስ፡ ባርዕ ነትጒ ኣብ ማእከል ከተማ በይሩት 100 ምውታት 4000 ቊሱላት

ኣብ ዋና ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት ከተማ በይሩት ሓያል ነትጒ ብምግጣሙ ብርቱዕ ባርዕ ተላዒሉ ብዙሓት ከምዝተጐድኡ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወ እንክምልከት ሓለውቲ ጸጥታ ፕረሲደትን ሚሸል ኡን ከምዘመልክትዎ ኣብ ማርሳ ናይቲ ዓዲ ዝነበረ 2750 ቶን ዝኸውን ተባራዒ ነገር ዝነበሮ መኻዚኖ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ምዃኑ ሓቢሮም

ዜና ቫቲካን  

ብዙሕ ሕልቂት ዘስዓበ ሃንደበታዊ ባርዕ ኣብ መርሶ በይሩት ንብዙሓት ኣሰንቢዱ። እዝጊ ክገብር ንሰላማዊ ሰልፊ ተኣኪቦም ብዙሓት ሰባት ላዕልን ታሕትን ምባል ምስ ኣቋረጹ ደኣ ኣጋጢሙ እምበር እቲ ጥፍኣት ዝኸፍአ ክኸውን ተኽእሎ ነሩ ዝበሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣገልግሎት ዜናታት ናይቲ ነትጒ ስእልን ቪድዮን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ይዝርግሕዎ ኣለው። ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሂሮሾሚና ናጋሳኪን ንዘጋጠመ ናይ ኣቶም መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ትክን ነትጒን ባርዕን ዝመሳሰል ንማርሳ በይሩት ትማሊ ዓቅላ ኣጸቢቡላ። ኣብቲ ከባቢ ነትጒ ዝነበረ ገዛውቲ ክፈራርስን ክድርመስን ተራእዩ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተቀቢሮም ስለዘለው ገና እቲ ምድላይ ግዳያት ይቅጽል ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ተረጋጊጹ ብዘሎ 100 ምውታት ልዕሊ 4000 ቊሱላት ከምዘለው እዩ።

ኣመሓዳሪ ዋና ከተማ ሊባኖስ ናይ ዝኾነት ከተማ በይሩት ኣቶ ማርዋን ኣቡድ በቲ ዝወረደ ብጣዕሚ ርዒዱን ሓዚኑን ንብዓት እናተሓናነቆ ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ነተን ብኣቶሚካዊ ቦምብ ዝዓነዋ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን የዘኻኽር’ ኢሎም። ካብ መላእ ዓለም ናይ ሓዘን መግለጽን ኣጆኹም ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ሊባኖስ ኣሎና ዝብል ናይ ጽንዓትን ደገፍን መልእኽታትን ይወሕዝ ከምዘሎ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

05 August 2020, 09:53