ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ  

ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ንኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ምሳኹም ኣሎና ይብሉ!

ናይ ቫቲካን ዋና ሓላፊ መራኸቢ ብዙሓን ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዓውዲ መራኸቢ ብዙሓን ንዝሰርሑ ኣፍሪቃውያን ቅድስት መንበር ኣብ ጎድኖም ምዃና ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ልዕሊ ኣርብዓ ቋንቋታት ብምጥቃም ዝተፈላለዩ መደባትን ክፍልታትን እተአንግድ ረድዮ ቫቲካን ብቋንቋ እንግሊዝ ናብ ኣፍሪቃ ዘቅነዔ ክፍሊ መበል 70 ዓመቱ ኣብ ዘኽብረሉ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ መደባት ኣብ ዝተኻየድሉ ዋና ሓላፊ ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ዝኾኑ ዶክተር ሩፊኒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሓት ንዝጥቀመሉ ቋንቋ ኪስዋሂሊ ብምጥቃም ቱኮ ፓሞጃ ማለት ብሓንሳብ ኣሎና ንዝብል ሓረግ ብምጥቃስ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓን ምናዳ ኸኣ ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ንዘበርክትዎ ብምምስጋን ቅድስት መንበር ወትሩ ኣብ ጐድኖም ከምዘላ ንምግላጽ ብሓባር ኢና ዘሎና እንክብሉ ብቋንቋ ኪስዋሂሉ ቱኮ ፓሞጃ እንክብሉ መልእኽቲ መግለጺ ሓጐስን ደገፍን ጽሒፎም።

ዘመኑ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብምዃኑ ዝግበር ጉባኤታት ኩሉ ብርእየት ወይውን ቪድዮ ኮንፈረንስ ብምዃኑ ንመበል 70 ዓመት ዝኽሪ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣፍሪቃ ረድዮ ቫቲካን ንምብዓል ወቢናር ብዝብል ብዙሓት ብተለቪድዮ ብሓባር እትሳተፈሉ መደብ ብክፍሊ እንግሊዝ ኣፍሪቃ ረድዮ ቫቲካንን ሲግኒስ ዝበሃል ኣብ መጋበሪ መራኸቢ ብዙሓን ንቤተክርትያን ዝድግፍ ትካል ኣብ ዘሰናደዎ ዘተ ዶክተር ሩፊኒ እውን ተሳቲፎም። ናይቲ መደብ ቀንዲ ኣርእስቲ ዝነበረ ‘ጽውጽዋይ እናኣዘንቶኻ ታሪኽ እናተረኽካ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ቅልውላው ዓሌትን ማሕበራትን ምውጋድ’ ዝብል ነበረ።

ግላዊ ቅርበት ኣፍሪቃ!

ዶክተር ሩፊኒ ብዛዕባ ኣፍሪቃ እንክዛረቡ ብኣካል ቅርበት ከምዝስምዖም እዚ ከኣ ንኣህጉር ኣፍሪቃስ ይኹን ንሕዝባ ቀረባኦም ከምዝኾነ ንምግላጽ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 1967 ዓም ኣፍሪቸ ተራሩም ዝብል ሰነድ ብምስንዳው ንኣፍሪቃ ዘለዎም ፍቅርን መደብ ስብከተ ወንጌልን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣብ ትሮድ ናብ መቄዶንያ ኪድ ዝብል ድምጺ ዝተላእኮ (ግሐ 16.9) ንቅዱስነቶም ኣውን ናብ ኣፍሪቃ ኪድ ስበኽ ድምጺ ይስመዓኒ ኢሎም ከም ቀዳማይ በጻሒ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ኡጋንዳ ዝገበርዎን ካልእ ነገራትን ብምዝካር ንሶም እውን ከምኡ ከምዝስምዖም ገሊጾም። ድምጺ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ይጽውዕ ኣሎ ኢሎም።

ረድዮ ቫቲካን ክፍሊ ቋንቋ እንግሊዝ ንኣፍሪቃ ናይ ሎሚ ሰብዓ ዓመት ብ1970 ዓም ዝጀመረ ኰይኑ ናትና ናይ ኣምሓርኛን ትግርኛን ክፍሊ ረድዮ ቫቲካን ከኣ 1948 ዓም ጀሚሩ ቅድሚ ክልተ ዓመት 70 ዓመቱ ከምዘኽበረ ሎም ዘመን ከኣ መበል 72 ዓመቱ ከምዝዝክር ዝዝከር እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 July 2020, 12:23