ፊሊፒንስ፥ ተኸባሪ ናይ ክርስትና ቅዱስ ምስሊ - ሕጻን ኢየሱስ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ ፊሊፒንስ፥ ተኸባሪ ናይ ክርስትና ቅዱስ ምስሊ - ሕጻን ኢየሱስ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ 

ፊሊፒንስ፥ ተኸባሪ ናይ ክርስትና ቅዱስ ምስሊ - ሕጻን ኢየሱስ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ

ናይቲ ዝዓነወ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ሳንይ ደ ክላሮ እቲ ቅዱስ ቁርባን ዝተነብሮ ቅዱስ ሳጹን ብዕጽዉ ምስቲ ዝተነብሮ ቅዱስ ቁርባን ከምእተረኽበን እዚ ኸኣ ምኽንያት ተስፋን ጽንዓት እዩ ቢሎም፡ ምእመናን ብሓባር ብዘለዎም ዓቕምን ብዝከኣሎምን ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ቤተ ክርስቲያኖም ክሓብሩ እውን ጸውዒት የቕርቡ

ኣብ ፊሊፒንስ ትእምንርቲ ብጋሴ ታሪኽ ክርስትና ተባሂሉ ዝንገረሉ ቅዱስ ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ዝተነበረሉ ማኒላ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸሰ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ከም ዝዓነወ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን፡ እቲ ዝዓነወ ቅዱስ ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ ፊሊፒስ ኣዚዩ ዝኽበርን ተወላዲ ፖርቱጋል ዳህሳሲ ፈርዲናንዶ ማጂላኖ ንናይታ ጥርኑፋት ደሴታት ፊሊፒንስ ቀዳሞት ካቶሊክ ማህበረሰብ ዝሃብዎ ገጸ በረኸት እውን ከምዝኾነን ኣብ ናይ ክርስትና ታሪኽ ዓቢይ ስፍራ ዘለዎ እውን ምዃኑ የዘኻኽራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቅዱስ ምስሊ ከምዝባደመ ምስ ተሰምዐ ኣብ መላእ ፊሊፒንስ ዓቢይ ጓህን ብርቱዕ ስንባደን ከምዝፈጠረን ናብቲ እቲ ቅዱስ ምስሊ ናብ ዝተነብረሉ ስፍራ በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ መወዳእታ ሰሙን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናንን ሕዝብን መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብቲ እቲ ቅዱስ ምስሊ ዘምረሔ መንፍሳዊ ዑደት ይሳተፉ ከምዝነበሩን ኣብ ናይ ፊሊፒንስ ክርስቲያናዊ ባህሊ ምስ ዕለት 9 ጥሪ ዝበዓለ በዓለ ጸሊም ናዝራዊ ዓቢይ ስፍራ ዘለዎ ዓቢይ መንፈሳዊ በዓል ምዃኑ ዘንጋሪኒ ናይ ይፊሊፒንስ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ማኒላ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ብሮደሪክ ፓቢሎ ዝሃብዎ መግለጺ ዘመላኸተ ምንጪ ዜና ጠቒሰን ክሕብራ እንከለዋ፡ ብጹዕነቶም ናብቲ ዝዓነወ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶምን ምእንቲ ዳግማይ ሕንጸት እታ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ከከም ዓቕሙ ክተሓባበር ተላብዮም ኩሉ ኣብ ጸሎት ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡን ናይ ማኒላ ክፍለ ክተማ ቤት ምኽሪ ኣብቲ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ብዅለ መዳይ ክዋሳእ ምዃኑ ከምዘፍለጠ እውን ዘንጋሪኒ ይሕብራ።

ናይቲ ዝዓነወ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ሳንይ ደ ክላሮ እቲ ቅዱስ ቁርባን ዝተነብሮ ቅዱስ ሳጹን ብዕጽዉ ምስቲ ዝተነብሮ ቅዱስ ቁርባን ከምእተረኽበን እዚ ኸኣ ምኽንያት ተስፋን ጽንዓት እዩ ቢሎም፡ ምእመናን ብሓባር ብዘለዎም ዓቕምን ብዝከኣሎምን ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ቤተ ክርስቲያኖም ክሓብሩ እውን ጸውዒት የቕርቡ። እቲ ቅዱስ ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ 1521 ዓ.ም. ካብ ዳህሳሲ ፈርዲናንዶ ማጀላኖ ንናይ ቸቡ ንግስቲ ገጸ በረኸት ዝተወሃበ ከምዝኾነን ኣብ ማክታን ተኸሲቱ ድሕሪ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ ጠፊኡን ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ኣብታ ዕለት 13 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ብባርዕ ሓዊ ዝባደመት ቤተ ክርስቲያን ተሓኒጽሉ ኣብ ዝነበረ ስፍራ ከምእትረኸበን ሕዝቢ ፊሊፒንስ ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ቢሉ ከምዝጽውዖ እውን ዘንጋሪኒ ገሊጸን እታ ቤተ ክርስቲያን ዳግም ኣብቲ ተኣምራዊ ስፍራ ክሕነጽ ናይ ኵሉ ድላይ ምዃኑ እውን የመላኽታ።

ፊሊፒንስ፥ ተኸባሪ ናይ ክርስትና ቅዱስ ምስሊ - ሕጻን ኢየሱስ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ
14 July 2020, 15:35