ምያንማር፥ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምያንማር፥ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት 

ምያንማር፥ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት

ናይ ምያንማር መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ንሰላም እተአምየ ውስጠ ሃይማኖታዊ ውድብ ነቲ ዕድል ንጠቀመሉ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ

“ናጻ ብዝኾነ ሕዝባዊ ምርጫ ናብ ስርዓት ደሞክራሲ ኣማዕዲና ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ተስፋን ሰላምን ምዕባለን ዝዓሰላ ምያንማር መታን ክትውለድ እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ምያንማር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተጸውዐ ሕዝባው ምርጫ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘሰምሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ቦ ከምዝሓበሩን ምያንማር እቲ ኣብ ቅድሚኣ ተዓሪዱ ዘሎ ሰለስተ ዓይነት ብድሆ እቲ ዝምረጽ ሓድሽ ሕዝባዊ ባይቶ ዝገይጥሞ ኩነት ከምዝኽነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ምያንማር እቲ ንኽካየድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ ከም ወርቃዊ ዕድል ክረአይን ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃልን ምድግጋፍን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ዝድግፍ ውሳኔ ንምኽዋን ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝድግፍን ክኸውንን እዚ ኸኣ እቲ ምያንማር ኣብ ቅድሚኣ ተዓሪዱ ዘሎ ሰለስተኣዊ ቅልውላው፥ ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ዝብሉ ጠቒሶም፡ ናይ ምያንማር መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ንሰላም እተአምየ ውስጠ ሃይማኖታዊ ውድብ ነቲ ዕድል ንጠቀመሉ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ ኣመላኺቱ፡ እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ምያንማር ናይ ቡድሃን ምስልምናን ሂንዱን ክርስትያንን ሃይማኖት መራሕቲ ክታሞም ዘንበርሉ ከም ዝኾነን ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ናይ ምያንማር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሰላም ውድብ ካልኣይ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ክታሞም ዘንበሩሉ ከምዝኾነ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ሰለስተ ቅልውላው

ናይ ምያንማር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ንሰላም ውድብ ቅድም ቀዳድም እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ማሓድራውን ኣብ መንጐ ማእከላዊ መንግስቲ ምያንማርን ዝተፈላለዩ ዕጡቃት ሓይልን ዝካየድ ሕድ ሕዳው ውግእን ዝብሉ ምያንማር ኣብ ቅድሚኣ ተዓሪዱ ዘሎ ቅልውላው ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ምያንማር ካብ ዓለም ካብተን ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣዚየን ካብ ዝጠቕዓ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ምዃናን ናይ ምያንማር ሓይሊ ምክልኻን እታ ሃገር ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዑ ብግቡእ ንምጋጣም ክከኣል መታን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ከተግብር ዝቐረበ ሕቶ ዝተቐበሎ ከምዘይመስልን ዝተፈላለዩ ናይ ወጻእን ናይ ውሽጥን ናይ ዝተፈላለዩ ዓሌት መራሕቲ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት እደ ኣታውነትን ድኽመት በርገሳውያን ሓለፍትን ተጸንቢርዎ ንግድ እጸ ፋርስን ዘይሕጋዊ ንግድ ናይ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ዝገብርን ዘይሕጋውነትን ኢሰብኣውን ተግባራትን ነዚ ኹሉ ጸረ ሃገርን ሕዝብን ዝኾነ ኢሰብኣዊ ተግባር ብጠቕላላ ኢፈትሓዊ ዘበለ ኩሉ ብግልጺ ንምቅዋም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ፍርሒ ዝወሓጦምን በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ እዋን ሱቕታ ዝመረጹ ይመስሉ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘመላኸቱ ዘንጋሪኒ ኡካነውስ እተሰምየ ኣብ እስያ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ወግዓዊ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሰን የመላኽታ።

ናይ መንእሰያት መጻኢ

ናይቲ ሰነድ ከተምቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፥ ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሰነድ፥ እቲ ትርጉም ኣልቦ ምግምማዕ ክውገድ እንታይ ንግበር? ንመንእሰያት እንታይ ዓይነት መጻኢ ኢና እንደልየሎም ብሉጽን ጥዑይን መጻእን ናይ ህዝቢ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪ ንኽኽበር እንታይ ክንገብር ኣሎና? ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም፥ ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ኣብ ምያንማር ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለን ንናይ ኩሉ ረብሓ ዘተኮረን ክኸውን መታን ነዚ ኹሉ ሕቶ እዚ መልሲ ንምሃብ ቅድም ቀዳድም ናይ ሰላም ስምምዕ ምትግባርን ንድህረ ለብዒ ብዓንተዉኡ ስንድዋት ምዃንን ናይ ኣዴናን ሓብትናን መሬት ገዓር ጽን ምባልን መንእሰያት ንኽመሃሩ ምትብባዕን የድሊ ከምዝበሉ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ሰላም

ቡድሃውያንን ክርስቲያንን ኣስላምን ሂንዱኣውናን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ዓሌት መራሕትን ማሕበርሰብን ንሓድ ሕድካ ጽን ምብህሃልን ምክብባርን ምትሕልላይን ሰላማውን ቅኑዕን ሓቛፍን ዓለም ብምንቕቓሕ ሕዝቢ ምያንማር ውግእ ዘይኮነ ሰላም ከምዝግብኦ ብኣጽንዖት ኣሚኖም ሓዳስን ተስፋን ሰላምን ዝዓሰላ ምዕብልቲ ምያንማር ንኽትውለድ ኣማዕዲና ናብቲ ደሞክራሲያዊ ሕዝባዊ ምርጫ ብሓባር ንመርሽ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘተቓለሉ ዘንጋረኒ ኣፍሊጠን።

ምያንማር፥ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት
16 July 2020, 15:39