ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ብሰብኣዊ መተሓላልፎ መልሲ ምሃብ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ብሰብኣዊ መተሓላልፎ መልሲ ምሃብ 

ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ብሰብኣዊ መተሓላልፎ መልሲ ምሃብ

ኣብ ሊቢያ ዝርከባ ልዕሊ ሳላሳ ኣብ ዝግመት ኣባይቲ ማሕቡስ ዘለዉን ብጠቕላላ 48 ሺሕ ተመዛበልትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ከምዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብቲ ቤት ማሕቡስ ዘምለጡ እውን ከምዝሕብርዎ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ሊቢያ ስደተይንታት ንዝተፈላለዩ ግብረ ዓመጽ ዝተቓልዑን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ላምፐዱዛ ዘካየድዎ ሓርያዊ መገሻ ዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ምኽንያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ናይ ሊቢያ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝርከቡን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጽንኩር ኩነት ኵሉ ኣቃልቦ ክገብረሉን ጉዳያቶም ህጹጽ መፍትሒ ክረክብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መልሲ ከምዝሃበሉ ናይቲ ማሕበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ማውሮ ጋራፋሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም እቶም ስደተይናታት ብሰብኣዊ መተሓላልፎ ካብቲ ዝርከቡሉ ኩነት ንኽወጹ ምድጋፍ ዝብል መደፍ ከምዘነቓቕሔን ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ተስፋ ሰኒቖም ካብ ውግእን ጥምየትን ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ብጉዕዞ ባሕሪ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ ዝተጓዕዙ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣባይቲ ማሕቡስ ስደተይናታት ዝርከብ ገሊኣቶም ኣብ ባሕሪ ጉዕዞ እንከለዉ ተታሒዞም ናብቲ ቤት ማሕቡስ ዝተዳጎኑን ኣብ ኢድ ዕጡቓት ሓይሊ ሊቢያ ዝርከቡን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምዝሕብሮ ኣብተን ኣብ ሊቢያ ዝርከባ ልዕሊ ሳላሳ ኣብ ዝግመት ኣባይቲ ማሕቡስ ዘለዉን ብጠቕላላ 48 ሺሕ ተመዛበልትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ከምዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብቲ ቤት ማሕቡስ ዘምለጡ እውን ከምዝሕብርዎ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ሊቢያ ስደተይንታት ንዝተፈላለዩ ግብረ ዓመጽ ዝተቓልዑን ሓደ ቤት ንጽሕና ን 600 ስባትን ሕጽረት መግብን ዝስተይ ጽሩይ ማይን እውን ከምዘጋጥሞም ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታት እውን ብወገኑ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ሊቢያ ንዓመጽን መግረፍትን መቕተልትን ከምዝቃልዑን እዚ ጸገም እዚ እውን እቶም ስደተይናታት ኣብ ኢድ ንግድ ሰብ ዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ከምዝወድቁን ሓቢሩ ናይቶም ኣብታ ሰላም ዘይብላ ዝተፈላለየ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ኣብ ዝካየደላ ሊቢያ ዝርከቡ ስደተይናታት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብቑዕን ሕጹጽን መልሲ ክህበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበር መልሲ እብ ምሃብ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ቃል ናይቲ ማሕበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ጋራፋሎ ጠቒሰን ይሕብራ።

ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ብሰብኣዊ መተሓላልፎ መልሲ ምሃብ
11 July 2020, 22:34