ሊቢያ፥ ናይ ሃፍጣር መንግስቲ ንምድጋፍ ምስሪ ወተሃደራታ ክትልእኽ እያ ሊቢያ፥ ናይ ሃፍጣር መንግስቲ ንምድጋፍ ምስሪ ወተሃደራታ ክትልእኽ እያ 

ሊቢያ፥ ናይ ሃፍጣር መንግስቲ ንምድጋፍ ምስሪ ወተሃደራታ ክትልእኽ እያ

ምስርን ቱርክን ዘለወን ርክብ ካብ 2013 ዓ.ም. ብናይ ኣንካራ መንግስቲ ዝድግፍ ዝነበረ ናይ ሞርሲ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝተኣለየሉ ዕለት ንነጀው እናተሓላለኸ ከምዝመጸን

ናይ ምስሪ ህዝባዊ ባይቶ ናይ ሃገሩ መንግስቲ ብናይ ቱርኪ ሓይሊ ምክልኻል ዝድገፍ ናይ ትሪፖሊ ሓይሊ ምክልኻል ናብ ሲርጠ ዝገብሮ ዘሎ ስጓመ ንምዕጋት ንናይ ሃፍጣር ዕጡቓት ሓይሊ ድጋፍ ንምቕራብ ወተሃደራቱ ክልእኽ ንዘቕረቦ ሕቶ ይኹንታ ከምዝሃበሉን እዚ ውሳኔ’ዚ እውን ኣብቲ ከባቢ ሓያላን ኣብ ዝበሃላ ኣብ መንጐ ቱርክን ምስርን ግጭት ክፈጥር ይኽእል ዝብል ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ቁሩብ በዓልታት ናይ ምስሪ ርእሰ ብሔር ኣብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ንናይ ሃገርን ንናይቲ ከባቢ ሰላም ስግኣት ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኪደት ኢዱ ኣጣሚሩ ዝርእዮ ጉዳይ ከምዘይከውን እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ኣል-ሲሲ ነዚ ዝበሉ ኣብ ቅድሚ ኣስታት ሓምሳ ናይ ምብራቕ ሊቢያ ናይ ዝተፈላለየ ቀቢላ መራሕቲ ፊት ኮይኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ እውን እቲ ኣብ ቶብሩክ ዝርከብ ናይ ጀነራል ክሃሊፋ ሓፍጣር ናይ የማን ኢድ ዝኾነ ናይ ምብራቕ ሊቢያ ሕዝባዊ ባይቶ ምስሪ ናብ ሲርጠ ነቲ ብተራኡ ብናይ ቱርኪ ሓይሊ ምክልኻል ዝድገፍ ናይ ትሪፖሊ ሓይሊ ምክልኻል ናብ ሲርጠ ዝገብሮ ዘሎ ስጓመ ንምዕጋት ወተሃደራታ ንኽትልእኽ ዝብል ሓሳብ ዝድግፎ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ከምዝነበረን፡ ምስርን ቱርክን ዘለወን ርክብ ካብ 2013 ዓ.ም. ብናይ ኣንካራ መንግስቲ ዝድግፍ ዝነበረ ናይ ሞርሲ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝተኣለየሉ ዕለት ንነጀው እናተሓላለኸ ከምዝመጸን በዚ ምኽንያት እውን ኣብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ምስሪ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ናይ ቱርኪ ልኡከ መንግስቲ ካብ ሃገራት ከምዝሰጎጎት የዘኻኽራ።

ስግኣት ግጭት ኣብ መንጐ ቱርክን ምስርን

እቲ ናይ ምስሪ ውሳኔ ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ እተን ናይቲ ከባቢ ሓያላን ሃገራት ንምስሕሓብ ዝድርክ መቕድም ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ቱርኪ ኮነ ናይ ሊቢያ መራሔ መንግስቲ ኣል-ሳራጅ ኣብ ሊቢያ ቶኽሲ ደው ናይ ምባልን ካብ ሊቢያ ዕሱባት ዕጡቓት ሓይሊ ክወጹ ዝብል ውሳኔ ንምርግጋጽ ምስሪ ክትሽምግል ዘቕረበቶ ሓሳብ ብጀካ ጀነራል ሓፍጣር ናይ ሊቢያ መራሔ መንግስትን ቱርኪን ከምዝነጸገኦ ሳባቲነሊ ኣዘኻኺረን በዚ ምኽንያት ድማ ኣል-ሲሲ ናይ ትሪፖሊ ሓይሊ ምክልኻል እቲ ናብ ቱርኪ ቀረባ ዝኾነ ምብራቓዊ ዞባ ሊቢያ ንምቁጽጻር ዝፍጽሞ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምፍሻል ምስሪ ወተሃደራዊ ኢደ ኣታውነት ንኽትፍጽም ክትግደድ እያ እንክብሉ ኣጠንቒቖም ከምዝነበሩ የዘኻኽራ።

ሊቢያ፥ ናይ ሃፍጣር መንግስቲ ንምድጋፍ ምስሪ ወተሃደራታ ክትልእኽ እያ
23 July 2020, 01:45