ብወገን ብራዚል ዝርከብ ዞባ ኣማዞን ብወገን ብራዚል ዝርከብ ዞባ ኣማዞን 

ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣማዞን ነቲ ዞባ ንምክልኻል ጻውዒት ኣቅሪቡ!

ዝሓለፈ ዓመት ንዝተዛዘመ ሲኖዶስ ኣበው ዞባ ኣማዞን ስዒቡ ቀዳማይ ዓለምለኸ ጉባኤ ዞባ ብምክያድ ከም መዛዘሚ ምሕጽንታ ዘቅረቦ ንኣከባብን ዓሌታትን መሬትን ዝቀትል ካብ ኮሮና ቫይረስ ንዝሓስም ዝምባሌና ነመሓይሽ ንዞባና ንከላኸል እንክብል ሓያል ጻውዒትን ምሕጽንታን ብምቅራብ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

ዜና ቫቲካን!

ኮይካ ብዝብል ምሕጻረ ቃል ዝፍለጥ ናይ ዞባ ኣማዞን መበቆላውያን ተወላዶ ሕብረትን ፓን ኣመሪካን ሶሻል ፎሩም ዝበሃል ምንቅስቃስን ከምኡ እውን ፓን ኣመሪካን ቸርች ነትዎርክ ዝበሃል ጥምረትን ዝተሰናደወ ካብ ዕለት 18 ሓምለ 2020 ክሳብ 19 ሓምለ 2020 ዓም ብዛዕባ ዞባ ኣማዞን ዝዝቲ ቀዳማይ ዓውለማዊ ጉባኤ ተኻይዱ።

ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘስዓቦ ጸገም ርክብ ነቲ ጉባኤ ብርእየት ማለት ብቪድዮ ካብ ኤኳዶር ኮሎምብያ ፐሩ ቦሊቭያ ቺለ ፓራጉዋይ ጉያና ቨነዝወላ ብራዚልን ናይ ፈረንሳ ጉዋናን ሱሪናመን ተሳቲፎም።

እቲ ጉባኤ ከም መዛዘሚ ዝበጽሖ ብሓጺሩ እንኪገልጹ ‘ቃልሲ ሕዝቢ ኣማዞን ተጻይ እቲ ኣብ መሬቶምን ሃብሎምን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ። ናይቲ ናይ ዓለምና ሳንቡእ ዝበሃል ዱር ኣውያት እናተጋውሔ ነቲ ብሥልጣንን ስስዕቲ ገለ ሰብኣውነት ዘይብሎም ዓመጽትን ዝፍጸም ጭፍጨፋ ዱርን ቃጸሎን ካልእ ዓመጽን ግሁድ እዩ። ነዚ ንምቅዋም ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ካብ ቁሸታትስ ይኹን ካብ ከተማታት ብሓባር ተጋቢኦም ነዚ ዕንወት እዚ ንምቅላስን ነቲ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ክስዕብ ዘለዎ ጥሜት ዘድሊ ምስንዳው ንምግባርን ጉባኤ ነካይድ ኣሎና’ ኢሎም። ከም ቀንዲ መልእኽቲ ከኣ መንነትካ ፍለጥ ኣማዞንያዊ ኩን ክብሉ ሓያል ጻውዒት የቅርቡ።

ንገዛእ ርእስኻ ኣማዞንያዊ ኩን!

እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ምረቱ እንክገልጽ ብቀንዱ ጸላእቱ ዝኾኑ ናይ መግዛእትን ርእሰማላዊ ሥርዓትን ነቲ ከባቢ ኣብ ምዕናው ንብዝሒ ሕይወትን ዓሌታትን ዘጽንት ብዓንዲ ርእሱ ከኣ ነታ እንነብረላ ምድሪ ዝምርዝ ዝቀትል መሪሕነቶም ንምቅዋም ኩሎም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ቅድሚ ዝኣገረ ኣማዞናውያን ምዃኖም ከረጋግጹን ተኣኻኺቦም ሓድነት ፈጢሮም ብሓባር ነዚ ከጥፍኦም ዝህንደድ ዘሎ ምንቅስቃስ ምዕጋቱ ሕጂ እዩ። ወይ ሕጂ ወይውን ፈጺምካ ጥፍኣት ብዝብል ሓጺር ሓረግ ሕጂ ስጉምቲ እንትዘይተወሲዱ ግዜን ዕድልን የሎን ክብል ተማሕጺኑ። ኣውያት ናይዚ ዞባን ናይ መላእ ዓለምን ልዕሊ ዝኾነ ናይ ሞት ኣውያት ይግዕር ኣሎ እንብሉ ጻውዒቶም ኣብ ዘመሓላለፉሉ እዋን ቤተክርስትያን እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፋ ደገፋ ገሊጻ።

ደገፍ ቤተክርስትያን!

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተሳተፉ ንቤተክርስትያን ወኪሎም ዝተሳተፉ ናይ ሃገረ ፐሩ ሊቀ ጳጳሳን ምክትል ኣቦ መንበር ፓን ኣመሪካን ቸርች ነትዎርክ ዝብል ምትእሳስርን ዝኾኑ ብፁዕ ካሪድናል ፐድሮ ሪካርዶ ባረቶ ጂመኖ ንዝግበር ዓመጽ ኩሉ ብምኹናን ንመበቆላዊ ሕዝቢ ኣማዞንያ ቤተክርስትያን ደገፋ ክትህብ ስንድውቲ ምዃና ብምግላጽ ንኩሉ ኣዕናዊ ነገራት ካብ ዞባ ኣማዞን ንምርሓቅን ንተወለድቲ እቲ ዞባ ንምሕጋዝን ሓለዋ ኣከባብን ተፈጥሮን ንምድንፋዕን ክትሰርሕ ምዃና ገሊጾም። ነዚ ሓሳብ እዚ ዕውት ንምግባር ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ብምሉኡ ንሰናይ ነገር ናይ ኩሉ ጥቡቅ ሓድነቶም ትምህርቲ ክኾነና ስለዝኽእል ነዚ ሓድነት እዚ ምድንፋዑን ሕይወት ንምሕላውን ኣከባብን ተፈጥሮን ንምክብኻብ ኩልና ብሓባር ብዓለምለኸ ደረጃ ሓባራዊ መደብ ሓንጺጽና ክንሰርሕ እዋኑ እዩ ኢሎም።

መደብ ሥራሕ!

ኣብ ፍጻሜ እቲ ጉባኤ ሠለስተ ኣገድስቲ ጉዳያት ብዝቀልጠፈ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ተሰማሚዖም። ብቀዳምነት ንለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ብኩሉ ሓይሊ ምቅላስ  ኰይኑ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ መበቆላዊ ሕዝቢ ኣማዞን ዘስዕቦ ጸገም እውን ምቅላሱ ከምዘድሊ ብካልኣይ ደረጃ ንኩሉ ዘዕንው ኣብቲ ከባቢ ብርእሰማላውያን ዝካየድ ዕብለላን ጠገለ ኣልቦ ማዕድን ናይ ምውጻእ ሥራሓተን ደው ክብሉ ምቅላስ ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ካብ ዝመጹ ኣዋርሕ ጀሚርካ ንጹር ነቲ ሕዝቢ ዝኸውን ንጹር ናይ ምዕባሊ መደባት ሓንጺጽካ ኩሎም ከምዛተፉ ምግባር ከምዝኾነ ገሊጾም። ከምዚ ብምግባር ነዚ ንምሉእ ዓለም ዚኸውን ኦክስጅን ዘመንጩ ዞባ ንምክልኻል ጐስጓስ ኪካየድ ብምልባው ተዛዘመ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 July 2020, 13:49