TOPSHOT-YEMEN-CONFLICT TOPSHOT-YEMEN-CONFLICT 

ጐስጓስ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ “ዕጡቓት ኣባይቲ ባንኪ”

ከም ተገልገልቲ ኣባይቲ ባንክን ዓማዊልን እንግልገለለን ኣባይቲ ባንኪ ብእነቐምጦን እነመሓላልፎን ገንዘብ ናይ ኣጽዋር ውግእ ዕዳጋ ዝድግፉ ከምዝኾናን ከምዘይኮናን ንጹር ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎና

ኣብ ናይ ኢጣሊያ ኣባይቲ ባንኪ ኣስታት 9 ሚሊያርድን ፈረቓ ኤውሮ ዝግመት ዋጋ ምስ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ዝተተሓሓዘ ስርሒት ከምዝካየድን ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ ኣብ 1883 ዓ.ም. ቀዳማይ ሕትመቱ ዘበገሰ ኒግሪዚያ እተሰምየ ናይ ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ወርሓዊ መጽሔት፥ ኣለቃሕቲ ኣባይቲ ባንኪ ንናይ ውግእ ኣጽዋር ኢንዳስትሪታትን ትካላትን ዘገልግላ ከምዝኾና ከመላኽት እንከሎ፥ ዕለት 9 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ብመጽሔታት ናይ ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት፥ ሚሲዮነ ኦጂን (ተልእኾ ወንጌል ሎሚ)ን ናይ ሰላም ሳባላቃን ኒግሪዝያን ብሓባር ዝነቓቓሕ ጐስጓስ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ “ዕጡቓት ኣባይቲ ባንኪ” ክብገስ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ተገልገልቲ ኣባይቲ ባንክን ዓማዊልን እንግልገለለን ኣባይቲ ባንኪ ብእነቐምጦን እነመሓላልፎን ገንዘብ ናይ ኣጽዋር ውግእ ዕዳጋ ዝድግፉ ከምዝኾናን ከምዘይኮናን ንጹር ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎና፡ ዕለት 5 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዘጽደቖ ዓለም ለኸ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ደጊፎምን ብዅለን ሃገራትን ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ግብሪ ከውዕል ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ቅዱስነቶም ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ ኣብቲ ህይወት ዘዕንውን ዘጽንትን ኣጽዋር ውግእ ሃብቲ ገንዘብ ካብ ምፍሳስ ኣብቲ ናይ ሰባት ሕይወት ንምድሓን ኣብ ዝቐርብ ኣገልግሎት ይውዓል እንክብሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት ዘኪረን፥ ዕለት 9 ሓምለ ዝኺር መበል 20 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ጐስጓስ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ “ዕጡቓት ኣባይቲ ባንኪ”  ዜጋታትን ኵሎም ክርስቲያን ኣብ ኣባይቲ ባንኪ ዘቐምጥዎ ገንዘቦም ኣብ ናይ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ኤኮኖሚ ንኽዋፈር ኣይንፈቕድን ንኽብሉ ጻውዒት ዘቕርብ ከምዝኾነ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብኾሮና ተህዋስ ብጽኑዕ ዝተለክፈ ህይወቱ ንምድሓን ኣባይቲ ሕክምና ዝጥቀማሉ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ናይ ሓደ ዋጋ 15 ሺሕ ኤውሮ ክኸውን እንከሎ ሓይሊ ኣየር ዝጥቀመሉ ኤፍ35 ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ናይ ውግእ ኣየር ናይ ሓደ ዋጋ 100 ሚሊዮን ኤውሮ እዩ፡ ነዚ ናይ ሰብ ሕይወት ዘጥፍእ ናይ ሓደ ናይ ኤፍ 35 ናይ ውግእ ነፋሪት ዋጋ ሸውዓተ ሺሕ ናይ መተንፈሲ መሳዕርዕ የዐድግ፥ እቲ ዝካየድ ጉስጓስ ከም ዜጋታት ኣብ ኣባይቲ ባንኪ እነቐምጦ ገንዘብ ኣበይ ከምዝውዕል ምሕታት መሰልና እዩ፡ ምእቲ’ዚ ኣክንዲ ነጽዋር ውግእ ትካትላትን ኢንዳስትሪታትን ነገልግሎት ክንክን ጥዕናን ፍትሕን ማዕርነትን ንዘነቓቕሕን ንሓምላይ ጸዓትን ማሓድሮ ንምክንኻን ኣብ ዝድግፍ መደብ ክውዕል ድምጽና ነስምዕ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምዕዳንን ቃላትን ስብከታትን ስልጣናዊ ትምህርታትን ኣብ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘነቓቕሕን ውግእን ንግድ ኣጽዋር ውግእን ናይ ሞት ባህልን ዝኹንን እዩ፡ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርትን ባህልን ከምዝኾነ ሳባቲነሊ የዘኻኽራ።

ጐስጓስ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ “ዕጡቓት ኣባይቲ ባንኪ”
09 July 2020, 21:25