ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ  

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ

ጆርጅ ፍሎይድ ቅድሚ ምቕታሎም ክልተ መዓልቲ ብትኽክል ዕለት 23 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ነው ጀርሲ ማውሪስ ጎርዶን እተባህሉ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ካብቲ ዝተወሰነ ናይ መኪና ፍጥነት ንላዕሊ ክዝውሩ ብሓይሊ ጸጥታ ደው ክብሉ ምስ ተገብሩ ዘጋጠሞም መቕተልቲ ዘርእይ ናይ ምስማአ ርእየት ሓበሬት ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ፍሎይድ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ከምእተዘርገሐ

ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሚነኣፖሊስ ብኣባል ሓይሊ ጸጥታ ናይታ ከተማ ዝተቀትሉ ወዲ 46 ዓመት ኣፍሮ - ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ናብታ ዝበዝሐ ናይ ህይወቶም ዓመታት ኣብ ዘሕለፉላ ተክሳስ ከተማ ሁስቶን ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት፡ ዝሓለፈ ዕለት 23 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተክሳስ ከተማ ሁስቶን ሓደ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ካብቲ ብሕጊ ፍቑድ ዝኾነ መጠነ ፍጥነት ምንስቓስ ማኪና ንላዕሊ ክዝውር ብሓይሊ ጸጥታ ከምእተቐተለ ዘረጋግጽ ሰነድ ከምዝወጸ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ይሕብሩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሓለዋ ጸጥታ መዋቕር ሕዳሴ ክግበረሉ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ከምዘሎን፡ እዚ ሕቶ እዚ ዘንቀሎ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ መቕተልቲ ዘቖጠዖ ሰላማዊ ናዕቢ ዘካይድ ዘሎ ሕዝቢ ከምዝኾነን ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብጠቕላላ ዓሰርተ ሺሕ ዜጋታት ከምእተኣስሩን ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዝተኻየዱ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘይጐነጻዊ ምንብሩ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ሓይሊ ጸጥታ ዝወስድዎ ስጉምቲ ንምድራትን ብፍላይ ዝወስድዎ ስጉምቲ ብተራ ሓላፊኦም ውሳኔ መሰረት ዝፍጸም ብምዃኑ ዘስዕቦ ዘሎ መጉዳእትን ዝፈጥሮ ውጥረትን ልዑል ብምዃኑን ከምዚ ዓይነት ጌታ ከይፍጠር ናይ ሓይሊ ጸይታ መዋቕር ክሕደስ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ

ጆርጅ ፍሎይድ ቅድሚ ምቕታሎም ክልተ መዓልቲ ብትኽክል ዕለት 23 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ነው ጀርሲ ማውሪስ ጎርዶን እተባህሉ ኣፍሮ ኣመሪካዊ ካብቲ ዝተወሰነ ናይ መኪና ፍጥነት ንላዕሊ ክዝውሩ ብሓይሊ ጸጥታ ደው ክብሉ ምስ ተገብሩ ዘጋጠሞም መቕተልቲ ዘርእይ ናይ ምስማአ ርእየት ሓበሬት ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ፍሎይድ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት ከምእተዘርገሐ ሎሞናኰ ሓቢሮም፡ በቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ምኽንያት ተሓታቲ ካብ ስርሖም ንግዚኡ ክእለዩን እቲ ዝተፈጸመ ዝበሃል ዘሎ ገብን እውን ይጻረይ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ናይ ደሞክራስፊያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዝባዊ ባይቲ ኣፈ ጉባኤ ነንሲይ ፐሎዚን ኣብ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ናይ ደሞክራሲያዊ ፖሊቲካው ውድብ መራሒ ቹክ ሹመርን መላእ ናይ ረፓብሊካውያን ፖለቲካዊ ሰልፍ ኣባላት ናይ ሓይሊ ጸጥታ መዋቕር ሕዳሴ የድልዮ ከምዝበሉን፡ ናይቲ ሕዳሴ ቅድመ ንድፊ ከቕርቡ ምዃኖም ንሕዝባዊ ባይቶ ከምዘፍለጡን፡ ኣብ ካፒቶል ሂል ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እተን ፍሎይድ ብሓይሊ ጸጥታ ክሳዱ ተጸቒጡ ዝተሳቐየለን ከተንፍስ ይሰኣነኒ ኣለ በጃኻ ብርካኻ ካብ ክሳደይ ኣልዕሊ ዝበለለን ቅድሚ ምዕራፉ ብትኽክል ንሸሞንተ ደቓይቕን 45 ድግሚት ዘሕለፎ መሪር ስቓይ ብምሕሳብ ተንበርኪኾም ብጽሞና ንፍሎይድ ከምዝዘከሩን ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ብጹዓን ጳጳሳት ካናዳ፥ ኣድልዎን ጽልእን ብዘርኢ ጸረ እግዚኣብሔር እዩ

ኣብ ካናዳ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ብሓደ ድምጺ እቲ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ከምዘውገዙን፥ “ብኢድ ሓይሊ ጸጥታ መቕተልቲ ፍሎይድ - ይብል ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 8 ሰነ 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ - ዘስካሕክሕ ብፍጹም ቅቡል ኮይኑ ዘይሕለፍ እዩ፡ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘናውጽን ዘሕስርን ተግባርን ብዛዕባ ክብረት ዓበይቲ ሕቶታት ዘላዕልን ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ መላእ ዓለምን ብቐጻሊ ዝርአይ ጽልእን ኣድልዎን ብዘርእን ምንጻልን ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘሰክፍን ምዃኑ ዝሕብር እዩ፥ ስለዚ ነዚ መሰል ጸረ ሰብኣዊ ኣዕናውን ርእሰ ጥፍኣትን ተግባር ኵሉ ብሰላምን ብሰናይ ምሕደራን ምውጋእ” የድሊ ከምዘብሊ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ጭካኔ ዝተመልኦን ትርጉም ኣልቦ ቅትለትን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ጎመዝ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እቲ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ጭካኔ ዝተመልኦን ትርጉም ኣልቦን እክብሉ ገሊጾም ናብ ሰማየ ሰማያት ፍትሒ ዝግዕር ሓጢኣት እዩ፡ ንጆርጅ ፍሎይድ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎን ንስድራ ቤቶም ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ብስም መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንምሕን - ዝበሉ እዞም ናይ ሎስኣንጀሎስ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት - ኣብ ሰኣትል ኮነ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጸለምቲ ዜጋታት ነቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ብምቅዋም ዘቕረብዎን ዘቃልሕዎን ቁጥዔ ንሻረኾ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ መቕተልቲ ካልእ ኣፍሮ-ኣመሪካዊ
10 June 2020, 20:56