ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣድልዎ ብዘርኢ ከብቅዕ ጻውዒት ተቕርብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣድልዎ ብዘርኢ ከብቅዕ ጻውዒት ተቕርብ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣድልዎ ብዘርኢ ከብቅዕ ጻውዒት ተቕርብ

ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ብኣባል ሓይሊ ጸጥታ ዝተፈጸመ ግብረ ቕትለት ኮኒኖም ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ቅርበቶም ጸሎትን ኣረጋጊጾም፡ እቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ክምርመርን ሓቅን ፍትሕን ክረጋገጽ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሚነኣፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣፍሮ - ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብኣባል ሓይሊ ጸጥታ ናይታ ከተማ ዝተፈጸመ ግብረ ቕትለት ስዒቡ ካብታ ከተማ ሓሊፍ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፈጢርዎ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን ኣብታ ከተማን ኣብ መላእ እታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ፍሎይድ ጸሎት ኣዕሪጋን መላእ ሕዝቢ ኣመሪካ ኣድልዎ ብዘርእን ብሃይማኖትን ብዓሌትን ንምብዳህ ክተግህ ጻውዒትን ምዕዳንን ከምዘቕረበት ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መቕተልቲ ወዲ 46 ዓመት ኣፍሮ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ መንጐ ኣፍሮ ኣመሪካውያንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መንግስቲ ዓቢይ ውጥረት ከምዝፈጠረን፡ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ዘቖጠዖም ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበራዊ ተቓውሞ የካይዱ ከምዘለዉን ኣብ መላእ እታ ሃገር ብፍላይ ከኣ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ፊት ዋይት ሃውስ - ቤተ መንግስቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምእተኻየደን ዋይት ሃውስ ብሓይሊ ጸጥታ ብጽኑዕ ይሕለው ከምዘሎን፡ ኣብ ግዝኣት ጆርጃ ማእከል ከተማ ኣትላንታን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ኣዋጅ እቶ እቶ ከምእተደንገገን ኣብ ሚቺንጋን ኣብ ልዕሊ ፍሎይድ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዘቐጠዖም ዜጋታት ሰላማዊ ኣድማ ካብ ዘካይዱ ዝነበሩ ሓደ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ካብ ሓንቲ ማኪና ብዝተተኮሰ ጥይት ከምእተቐትለን እዚ ነቲ ዝነበረ ሰላማዊ ኣድማ ኣዚዩ ካብ ዓመጽ ከብልን ኣብ ቁጽጽር ወጻኢ ንኽኸውን ከምዝደረኾ እውን ላ ቨላ ይሕብሩ።

ናይ ሕ.መ. ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ጸሎት ምእንቲ ፍልይድን ሰላም ሓቅን ፍትሕን

ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት እቲ ብኣባል ሓይሊ ጸጥታ ዝተፈጸመ ግብረ ቕትለት ኮኒኖም ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ቅርበቶም ጸሎትን ኣረጋጊጾም፡ እቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ክምርመርን ሓቅን ፍትሕን ክረጋገጽ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ዝካየድ ኣድማ ሰላማዊ ክኸውንን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕይወት ክኽበርን እውን ተላብዮም፡ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣድልዎ ብዘርኢ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ማሕበራዊ ሽግር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ናይታ ሃገር እዋናዊ ኩነት ብጭቡጥ ዝረአይ ሰብኣውን ማሕበራውን ሓደጋ እዩ፡ ስለዚህ ብዘይ ይውዓል ይሕደር ብቑርጺ ፍቓድ ምቅዋምን ምውጋድን ናይ ኩሉ ምትሕይብባርን ብፍላይ ናይ መንግስቲ ኣካላት ህርክውት ጻዕሪ የድሊ” ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ድምየትን ቁስልን ልክዕ ከምቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣመሓላሊፎምዎ ኣብ ዝነበረ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ “ኣድልዎ ብዘርእን ብቆርበት ሕብርን ጽልእ መጻእተይናን ዓሌታውነትን ኩሉ ውጉዝ እዩ” ዝብለዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኵሎም ካቶሊካውያን ምእመናን ብፍላይ ከኣ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ፥ “መንፈስ ቅዱስ ሓቂ ንናይ ኩሉ ልቢ ክትንክፍን ክልውጥን ነቲ ዝቖሰለ ሕብረተሰብ ክፍውስን መታን ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ላ ቨላ ሓቢሮም። ናይ ሚኒያኣፖሊስ መጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ በርናርድ ኣንቶንይ ሄብዳ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቕትለት ልቢ ዘድምይን ብጥልቂ ዘቖጥዕን እዩ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ መላእ ሕዝቢ ብለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝጥቅዓሉ ዘሎ እዋን እሞ ኩሉ ተኣፋፍነቱ ብጥልቂ ኣብ ዘስተዕለሉ ዘሎ እዋን ክፍጸም ምርኣይ ብሓቂ ዘጉህይ ሰብ ክሳብ ክንደይ ካብ ሰብኣውነቱ ኣዚዩ ርሒቑ ከምዘሎ እዩ ዘርእይ፡ ኩሉ ክብርታትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብርን መሰልን ክኽብርን ብፍላይ ናይቶም ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ እቶም ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ደሕንነት ውሑስ ንምግባር ዝዓዩ ዓቢይ ሓላፍነት ኣለዎም ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሕይወት ክቡርን ቅዱስን እዩ” ቢሎም ኩሉ ምእንቲ ፍሎይድን ምእንቲ ስድራ ቤቱን ምእንቲ እቲ ዝቖሰለ ማሕበረሰብ ክጽልይን - ተላቢዮም - ሓቅን ፍትሕን ኣብ ምንቕቓህሕ ንትጋህ ከምዝበሉ ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

ማሕበር ሰላመ ክርስቶስ፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ካብ ስሩ ክመሓው

ናይ  ማሕበር ሰላመ ክርስቶስ ጨንፈር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ እቲ ዝተፈጸመ መቕተልትን ካልእ ብተደጋጋሚ ዝርአይ መቕተልቲ ንቃወም፡ እዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕዝብታትን ዓቢይ ናይ ንዕቐት ተግባር እዩ እንክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ፡ ኣስዒቡ እውን እዚ ሱር ዝሰደደ ኣድልዎ ብዘርኢ ሜላዊ ኮይኑ ዝፍጸም ብኹሉ ቅርጽታቱን መልገጽታቱን ብሓይሊ ጸጥታ ዝፍጸም ናይ ጭካኔ ተግባር እዩ፡ ዝለዚህ ብዘይ ይውዓል ይሕደር ምቅዋም ይግባእ ቢሉ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎ ብዘርእን ተመሳሳሊ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ኩሉ  ንምብዳህ እቲ  ማሕበር ሰላመ ክርስቶስ ሰላምን ሓቅን ፍትሕን ኣብ ምንቕቓሕ ጸዋዕታኡ ተጊሁ ወንጌላዊ ሰላምን ዘይጎነጻዊ ቃልስን ከምዘነቓቕሕን እዚ ኸኣ ዓሌታውነትን ኣድልዎ ብዘርእን ዝኣመሰሉ ብጠቕላላ ናይ ሞት ባህሊ ካብ ሃገርናን ዓለምን ንኽውገድ ኣበርቲዑ ክዓዪ ምዃኑ ከምዘመላኸተ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣድልዎ ብዘርኢ ከብቅዕ ጻውዒት ተቕርብ
02 June 2020, 15:18