ድለ

ናይ ሕትመት ናጽነት ወትሩ ናብ ዝገደደ ስግኣት፥ ር.ሊ.ጳ.፥ ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን ናይ ሕትመት ናጽነት ወትሩ ናብ ዝገደደ ስግኣት፥ ር.ሊ.ጳ.፥ ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን 

ናይ ሕትመት ናጽነት ወትሩ ናብ ዝገደደ ስግኣት፥ ር.ሊ.ጳ.፥ ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን

ኣስዒበን፥ ኣብዚ ለብዒ ተኸሲቱ ኣብ ዘለሉ እዋን ብዙሓት መንግስታት ነቲ ለብዒ ንምድራት ዝደንገግዎን ዘመሓላለፍዎን ውሳኔታት ዝነቐፉን ከምኡ እውን መንግስታት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝርጋሔ ንምቁጽጻር ብዝብል ምስምስ ብዘጽደቕዎ ሕግታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘውዕልዎም ጋዜጠይናታት ከምዘለዉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ሕትመት ናጽነት ምኽንያት ኣብ ናይ ዕለቱ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ኣብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብፋላይ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ዘገልግል ሓቂ ኣብ ምድላይ ዝተግህን ናይ ሱታፌን ሰላምን መገዲ ዝኸፍት ጋዜጠይናነትን ናጻ ሕትመትን ኣገዳሲ እዩ!” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበር ክዝከር እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ጋዜጠይናታት ናጽነት ዝገትእ ዝቐውም ዘሎ ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 3 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልት ናይ ሕትመት ናጽነት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ማሪዣ ፐቺኖቪች ቡሪች ንኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ “ዘይግብኡ ቀያዲ ዝኾኑ ሕግታት” ከወግዱ ጻውዒት ከምዘቕረቡ፡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ስፐራንዛ ኣስዒበን፥ ኣብዚ ለብዒ ተኸሲቱ ኣብ ዘለሉ እዋን ብዙሓት መንግስታት ነቲ ለብዒ ንምድራት ዝደንገግዎን ዘመሓላለፍዎን ውሳኔታት ዝነቐፉን ከምኡ እውን መንግስታት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝርጋሔ ንምቁጽጻር ብዝብል ምስምስ ብዘጽደቕዎ ሕግታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘውዕልዎም ጋዜጠይናታት ከምዘለዉን ጋዜጠይናታት ምንጪ ዝኾንዎምን ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዘቐብልዎም ሕይወትን ደሕንነትን ውሕስነት ንሓደጋ ዘቓልዕ ገለ ገለ መንግስታት ዝኽተልዎ ኣገባብ ንናይ ሕትመትን ንናይ ግሊ መራኸቢ ብዙሓን ናጽነት ሓደጋን ግትኣተ መሰልን ክብረትን ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ መንግስታት ንናይ ሕትመት ናጽነት ዘውዕልዎ ርእሰ ማል ኣብ ምንካይ ድዩ ኣብ ምስራዝ ዝኽተልዎ ኣሰራርሓ ናይ ሕትመት ናጽነትን ዜጋታት ግቡእን ናጻን ሓበሬታ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሎም ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ የመላኽታ።

ሳዕቤን ለብዒ

ዕለት 21 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕትመት ናጽነት ኣመልካቲ ማሕበር ኣብ ዘቐረቦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፡ ናይ ሕትመትን ሓበሬታን ናጽነትን ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብ ብኣጽንዖት ከመላኽት እንከሎ፡ ዶብ ኣልቦ ጸብጻብ ብዝብል ስም ዝፈልጠ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን መንግስታት ብዝፈጥርዎ ጸቕጢ ምኽንያት ብቑዕን ናጻን ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ኪደቱ ቅልውላው የጋጥሞም ከምዘሎ ይሕብር፡ ብፍላይ ከኣ ብኢደ ኣታውነት ዘይርጉጽን ናይ ሓሶትን ፈነወ ሓበሬታ ዛዕባ ኮረና ተህዋስ ነቲ ኣብ መንጐ ናይ ሕትመት ናጽነትን ስርዓት ደሞክራስን ዘሎ መሰረታዊ ርክብ ንሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎ ስፐራንዛ ይሕብራ።

ጭብጥታት ኤውሮጳ

ኣብ ኤውሮጳ ህልው ኩነታት ናይ ሕትመት ናጽነት ብጠቕላላ ኣብተን 47 ሃገራት ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ ልዕሊ ናይ ሕትመት ናጽነት ዝፍነው መጥቃዕቲ ክም ቅቡል እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ከምዝመስል ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኡርቢኖ ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናን መንበረ ጥበብ ኣመሓዳሪ ጃምፒየሮ ግራማሊያ ሓቢሮም፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት 142 ጋዜጠይናታት ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ከቢድ ናይ ምፍርራሕ ሓደጋ ከምዝገጠሞምን፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. 105 ኣብ 2020 ዓ.ም. 17 ጋዜጠይናታት ኣደዳ ማእሰርቲ ከምዝኾኑን 43 ዓመጽን ምፍርራሕን ከምዘጓነፎምን፡ ክልተ ጋዜጠይናታት ከምእተቐትሉን እቶም ነቲ መቕተልቲ ዝፈጸሙ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ሓደ መቕጻዕቲ ናጻ ክምዝኾኑን ፊንላንድን ደንማርን ሽወደንን ነዘርላንድን ኣብ ናይ ሕትመት ናጽነት ብሉጽ ሚዛን ዝወሃበን ክኾና እነከልዋ ኮርኣዚያን ሮማኒያን ማልታን ሃንጋርን ቡልጋርያን ኣብ ምኽባር ናጻ ሕትመት ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝቕመጣ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝኾና ሓቢሮም፡፡

ጸብጻብ ዓለም

ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ 2020 ዓ.ም. 11፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. 49 ጋዜጠይናታት ከምእተቐትሉን እዚ ካብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይናታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰብ ሞያን ዝፍጸም መቕጠልቲ ከምዝነከየን፡ መቕተልቲ ዝነከየ እውን እንተኾነ ናይ ሕትመትን ሓበሬታን ናጽነት ብፍላይ ናጽነት ዘጋብያንን መርማርያን ጋዜጠይናታት ብዝለዓለ ደረጃ ይድረት ከምዘሎን ስለዚ ነዚ ግምት ብምሃብ ናይ ሕትመት ናጽነት እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ ቢሎም፡ ኣብ ምኽባር ናይ ሕትመት ናጽነት ቻይና መበል 177፡ ኢራን መበል 173፡ ዒራቕ መበል 162 ከምዝኾናን ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ንናይ ሕትመትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ንጋዜጠይናትትን ብጠቕላላ ንሰብ ሞያ ሓበሬታ ዘይውሑስ ከባቢ ከምዝኾነን ኣብ እስያን ኦቻይናን ናይ ሕትመት ናጽነት ጥሕሰት ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ሰሜን ኮርያን ኣብ ምኽባር ናይ ሕትመት ናጽነት ኣብ መበል 180 ከምእትስራዕ ይሕብሩ።

[ Audio Embed ዕለት 3 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልት ናይ ሕትመት ናጽነት ]

 

06 May 2020, 15:13