ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና  ታሪኽ

ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና

እቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝርከብ ክፍሊ ጽዑቕ ፍወሳ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ ምኽንያት ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ንህሙማን ኮቪድ ጽዕቕ ፍወሳ ዝረኽብሉ ስፍራ ኮይኑ

ኣብታ ብኮቪድ 19 ኣዚያ ዝተጠቕዓት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ በርጋሞ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ክፍሊ ምውሃብ ጽዑቕ ፍወሳ ዘገልግላ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ባርባራ ቫለ፥ ለብዒ ኮቪድ ኣብ ዝተራአየሉ እዋን ዘጋጠመን ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ብፍላይ ኣብ በርጋሞ ዝነበረ ኩነት ምልስ ቢለን ክሓስባ እንከለዋ፡ ንምእማኑ ይሰኣነን፥ ሕጂ እውን እቲ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኩነት ናብ ካልኣይ ደረጃ ከብል እውን እንተተወሰነ እቲ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ናይ ዝሓለፈ ጉዳይ ገይርና ክይንምልከቶ ሓደራ ይብላ፡

ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና
ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ለብዕ ዝግ እዩ ዝበለ እምበር ኣይጠፈኤን! እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዕለት 12 ግንቦት ንዕለቱ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዘመሓላለፍዎ ቃልን ኣጽኒዑና እዩ እንክብላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ከምዝገለጻ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

እተን ኣብቲ ኣብ በርጋሞ ዝርከብ ቤት ሕክምና ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ፍወሳ ክዓያ ካብ ዝጅምራ ሻብዓይ ዓመተን ዘቑጽራ ዘለዋ ባርባራ ቫለ ይብላ፡ እቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝርከብ ክፍሊ ጽዑቕ ፍወሳ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ ምኽንያት ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ንህሙማን ኮቪድ ጽዕቕ ፍወሳ ዝረኽብሉ ስፍራ ኮይኑን ኣብ ቁሩብ መዓልታት በቲ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝዓረፉ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ቃሬዛ ብዓበይቲ ማካይን ዝወጻሉን ዘሕዝን ትርኢት ዝተራአየሉን ኣብ መንጐ ሕይወትን ሞትን ክትገልጾ ዘይከኣል ቃልሲ ዝተኻየደሉን ክሓውዩ ክትሕጎስ ገሊኦም ክዓርፉ ክትነብዕ ብዘይ ዕረፍቲ ለይትን መዓልትን ሓኻይም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሕይወት ኣብ ምድሓን ዝተቓለስሉ ዓውደ ውግእ ጸረ ኮቪድ ተህዋስ እዩ ነይሩ ምባል ምግናን ኣይኮውንን ኢለን።

ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና
ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና

ጽባሕ እቲ ሎሚ ዝኾንናዮ ኢና

እዚ ዘሕለፍናዮን በቢ ዕለቱ ዘካየድናዮ ቃልሲ ይብላ ባርባራ ክሳብ ክንደይ ጽንኩርን ኣድካምን ምንባሩ ጽባሕ ኢና እንርድኦ፡ ብዙሕን ኩሉ ብሓንሳብን፡ ዕረፍቲ ዘይይብሉ ቃልሲ፡ ኣብ ሙያ ክንክን ጥዕና ስራሕ ካብ ዝጅምር ከምዚ ዓይነት ጽንኩር ኩነት ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 ግንቦት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብ ሙያ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሙያ ክንክን ጥዕና፥ “ግብረኣውን ሞያውን ኣገልግሎት ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣዊ ርክብን ዘሰብእን እዩ” ዝበልዎ ሓቂ እዩ፡ ክንየው እቲ እተቕርቦ ሞያዊ ኣገልግሎት ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበለዎ “ልልያን ኣተኩሮን” ዝሓትት እዩ፡ ቃል ቅዱስነቶም ጽቡቕ ቃላት ጥራሕህ ዘይኮነ ዘጸናንዕ እውን እዩ፡ ብዙሓት ዳርጋ ምሉእ ሃገር ንሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ጀጋኑ እንክብሉ ዝገለጹሉ እዋን እዩ፡ ጀጋኑ ዘይኮንና ግቡእና ኢና ዝፈጸምና፡ እዚ ሕዝቢ ክርስዖ ኣየ ክብል ኣይደፍርን ምኽንያቱ ጽባሕ እቲ ሎሚ ዝኾንዮ ስለ ዝኾነ ከምዝበላ ካፐሊ ሓቢረን።

ትእምርቲ መስቀል ኣብ ግንባር

ሞያ ሕክምና ንዝኾነ ኩነት ቅሩብ ምዃን እውን ይሓትት፡ “ብሓቂ ንኸምዚ ዓይነት ኩነት’ዚ ዝተቐረብና ኣይነበርናን፡ እቲ ተህዋስ ወሪሩ ሒዙና ኣብ ዕለታዊ ኣገልግሎት ንህምማን ኮቪድ ቀስ ብቐስ እናለለናዮን እናፈለጥናዮን እናጽናዕናዮን ኬድና ካብዚ ነቒልና መቓርባትና ከነለልይን ከነመሓይሽ ክኢልና፡ ሰላም ዘይትብሃሃለሉ፡ ኣእዳው ሰላምታ ንምልውዋይ ዝናፈቓሉ፡ . . . ናይ ዝተለኽፉ ህሙማን ቁጽር ክብ እናበለ ምስ ከደ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ “ቀረባ ምዃን - ቀረባውነት” ብዝበለጸ ክርድኣናን ክነስተውዕሎን በቒዕና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝእለዩ ትእምርቲ መስቀል ኣብ ግንባሮም ንገብርን፥ ብፍላይ ነቶም ዝዓርፉ ዝነበሩ ክፍለዩ እንከለዉ “ብትእምርቲ መስቀል በይንኹም ኣይኮንኩም” ንብል፡ እዚ ንብዙሓት ኣጸናኒዑ እዩ ከምዝበላ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ፍሽኽታ ዘለዎ ልዑል ክብሪ

በቲ ሕማም ዝዓረፉ ብዙሓት ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ እዋን ሕክምና ኣብ ምቕራብ ኣብ ምጉያይ ስለ ዝነበርና ብሓቂ እቲ ዘጋጠመ ሞት ንኸይተስተውዕሎን ሓዘን ንኽስምዓካ ዕድል ዘይህብ እዩ ነይሩ፡ ኩሉ ዝግ ምስበለ ብጽሞና ከነስተውዕሎ ዕድል ክንረክብ ኢና ምስ በላ ብርግጽ እቲ ኣሉታዊ ተመክሮ ዘይርሳዕ እውን እንተኾነ ብዙሕ እወታዊ ውጽኢታት እውን ኣሎ፡ ኣባይቲ ስድራ ህሙማኖን ኣብ ናይ ኢድ ተለፎን ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ደዊሎም ሰላም ክበሃሃሉ ክትርእይ ሓጐስ እዩ ዝስምዓካ፡ ነቶም ህሙማን ዓቢይ ሓገዝን ንገዛእ ርእሱ ፍርቂ ፍወሳን እዩ ክትብል ትኽእል፡ ኣይክእሎን እየ ውሱን እየ እትብሎ ብዙሕ ነገር ንኸተሰንፍ ዘድረኸ ኩነት እዩ ኣጋጢሙ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ እወታዊ እዩ ምስ በላ ንሰን እውን በቲ ለብዒ ኣባሓጐኣ ከምዝሰኣናን እውን ገሊጸን፥ “ኣቦ ሓጎይ ሓላዊ መልኣኸይ ኮነኒ” ምስኡ ጥብቒ ርክብ እዩ ዝነበረኒ ይብቂ ኣብ ኢደይ እዩ እውን ዓሪፉ ኣብ ገዛ፡ ሎሚ ብመንፈስ እዚዩ ቀረባይ ኮይኑ በርትዒ ህምማን እለዪ ይብለኒ ኣሎ ከምዝበላ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ኣጸናኒዖምናን የጸናንዑናን ኣለዉ፥ ቃል ምስጋና ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና
15 May 2020, 16:03