ናጻ ምልቓቕ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከንያ ተጨውያ ዝነበረት ኢጣሊያዊት ናጻ ምልቓቕ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከንያ ተጨውያ ዝነበረት ኢጣሊያዊት 

ናጻ ምልቓቕ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከንያ ተጨውያ ዝነበረት ኢጣሊያዊት

ሲልቪያ ንኽትጭወይ ኣሕሊፎም ዘረከበዋ ሰለስተ ሰባት ቅድም ክብል ብናይ ኬንያ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ሕጂ እውን ኣብ ቤት ማሰርት ከምዝርከቡን ንፍርዲ እውን ክቐርቡ ምዃኖም

ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዜፐ ኮንተ ዕለት 9 ግንቦት 2020 ዓ.ም. እታ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከንያ ካብ ዞባ ማሊንዲ ኣስታት ሰማንያ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከበ ከባቢ እንከላ ዝተጨውየት ኢጣሊያዊት ሲልቪያ ሮማኖ ናጻ ከምእተለቀት በቲ ኣብ ቲዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሉም ከምዝሓበሩን ዕለት 10 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቻምፒኖ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝኣተወትን ብናይ ኢጣሊያ መራሄ መንግስቲ ኮንተን ናይ ወጽኢ ጉዳይ ሚኒ. ዲ ማዮን ስድራ ቤታን ኣቀባብላ ከምእተገበረላን ክሕበር እንከሎን፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ናይ ገበን ኣጻራዪ ቤት ፍርድን ከምኡ እውን ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ መርማሪ ሓይሊ ጸጥታ፡ ሲልቪያ ሮማኖ በቲ ምስ ናይ ሶማሊያ ኣል ሽባብ ምስ እተሰምየ ጉጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ቅርርብ ብዘለዎ ጉጅለ ተጨውያ ከምዝነበረት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሲልቪያ ሮማኖ 25 ዓመት ዝዕድመኣ ተቐማጢት ከተማ ሚላኖ ከምዝኾነትን ምስቲ ኣፍሪቃ ሚለለ እተሰምየ ንናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ረድኤት ተሓባባሪት ወለንተይና ከምዝኾነት ክፍለጥ እንከሎ፡ ምስ ናይ ሶማሊያ ኣልሽባብ እስላማዊ ኣኽራሪ ሓይሊ ቅርበት ብዘለዎም ኬንያውያን ተጨውያ ከምዝነበረት ናይ ኢጣሊያ ናይ ገብን ኣጻራዪ ኣካል ክሕብር እንከሎ፡ ሲልቪያ ንኽትጭወይ ኣሕሊፎም ዘረከበዋ ሰለስተ ሰባት ቅድም ክብል ብናይ ኬንያ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ሕጂ እውን ኣብ ቤት ማሰርት ከምዝርከቡን ንፍርዲ እውን ክቐርቡ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሮማ ናይ ላዕለዋይ ቀዳማይ ናይ ገበን ኣጻራዪ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ጨወይቲ ሲልቪያ ክሲ ከምዝመስረተን ካብኣ እውን ቃል ክቕበልን ብኸመይን ኣበይን ብመንን ምጭዋያ ንዝብልን ካልእን ኣብ ዝምልከቱ ሕቶታት ንቀዳማይ ገበን ኣጻራዪ ቤት ፍርድን መልሲ ክትህበሉ እያ። 

ናጻ ምልቓቕ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከንያ ተጨውያ ዝነበረት ኢጣሊያዊት

 

11 May 2020, 16:09