ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ላዕለዋይ ሽማግለ ስብኣዊ ሕውነትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ላዕለዋይ ሽማግለ ስብኣዊ ሕውነትን  

ሽማግለ ንሰብኣዊ ሕውነት፥ ዕለት 14 ግንቦት መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰብኣዊ ፍጥረትን

“ብሓባር ነዚ ዝቐረበ መደብ ሰብኣዊ ፍጥረት ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎትን ምህለላን ጾምን ብሓደ ድምጺ ክቐርብን እግዚኣብሔር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ክዕቅቦን ነቲ ለብዒ ንኽሰግሮ ክሕግዞን እቲ ለብዒ ዝስእኖ ዘሎ ውሕስነትን ምምርግጋእን ጥዕናን ጸጋን መሊሱ ክግጽዎ

ስዋሂሊ ሓዊስካ ብጠቕላላ ብ13 ቋንቋታት፥ ነቶም ኣብ ሓደ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ንዝኣምኑ “ኣሕዋት” ብዝብል መእተዊ ሓሳብ፡ ላዕለዋይ ሽማግለ ንሰብኣዊ ሕውነት ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ 19፥ “ምእንቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ዝምህለል መደብ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን” ከምዘቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ኣዚዩ ሓደገይና ዝኾነ “ብሚሊዮናት ናይ ዝቑጸር ናይ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ሕይወት ንስግኣት ዝዳርግ ዘሎ” ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ እንገጥመሉ ዘለናሉ እዋን “ናብ እግዚኣብሔር ምባል ኣይነርስዕ”፡ ዝበለ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ነቶም ነዚ ለብዒ ምብዳህ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ናይ ስነ ሕክምና ስነ ምርምርን ዘለዎም ዓቢይ ግደ ዘኪሩ፡ ኣብ ኵሉ ኩርናዕ ዓለም ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ከከም ሃይማኖቱን እምነቱን ወይ ውን ጠመቕን “ብጾምን ጸሎትን ግብረ ምሕረትን ኣቢሉ “ናብ እግዚኣብሔር ክጽልን ክምህለልን” እዚ ኸኣ “ንሱ ነዚ ተኽከሲቱ ዘሎ ለብዒ መታን ክጥፍኦን፡ ካብዚ ስቓይ’ዚ ከድሕነናን ነቶም እቲ ተህዋስ ክሰዓር መድሃኒት ንኽርከቦ ዝጽዕሩ ንዘለዉ ናይ ስነ ሕክምና ተመራመርቲ ክድግፎምን መታን መላእ ዓለም ካብቲ እቲ ሕማም ተላገብ እናሰፈሔ ካብ ዘስዕቦ ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ኤኮኖምን ሰብኣውን ቅልውላው ናጻ ከውጽኣና መታን” እንክብል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓሳብ ከምዘቕረበ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

እቲ ለብዒ መታን ክስገር ሓደ መዓልቲ ናይ ጾምን ጸሎትን መደብ

እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ እዚ ዘቕረቦ ናይ ጾምን ጸሎትን ግብረ ምሕረትን ናይ ሓደ መዓልቲ መደብ ዕለት 14 ግንቦት ክፍጸም ሓቢሩ፡ ኩሎም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ነዚ መደብ’ዚ ከተባብዑን መላእ ሕዝቢ ዓለም “ብሓባር ነዚ ዝቐረበ መደብ ሰብኣዊ ፍጥረት ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎትን ምህለላን ጾምን ብሓደ ድምጺ ክቐርብን እግዚኣብሔር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ክዕቅቦን ነቲ ለብዒ ንኽሰግሮ ክሕግዞን እቲ ለብዒ ዘስእኖ ዘሎ ውሕስነትን ምምርግጋእን ጥዕናን ጸጋን መሊሱ ክግጽዎን እቲ ለብዒ ጠፊኡ ዓለምና ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን መታን ክኸውን” ከምዝበለ ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥

እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ሰላም ኣብ ምንቕቓሕ ተግብር ተጊሁ ይዓዪ

እቲ ብጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ድሕሪ እቲ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ፡ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብን ዝተኻየደ ርክብን ነዚ ስዒቡ ክልቲኣም ኣካላት ብሓባር “ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ዓለም ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን” ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ስዒቡ ዝቖመ ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን፥ ብኣባልነት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት ኣካላትን ካብ መላእ ዓለም ካብ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ሃይማኖት ኣይሁድን ዝተዋጽኡ ናይ ባህሊ ተመራመርትን ላዕለዎት ኣካላትን ዝሓቑፍ ኣብቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ኣስተንፍሶ ገይሮም ኣብ ዓለም ናይ ሰላም ሚሳልን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ዘነቓቕሑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጠን።

ሽማግለ ንሰብኣዊ ሕውነት፥ ዕለት 14 ግንቦት መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰብኣዊ ፍጥረት
03 May 2020, 02:14