ባሕቲ ግንቦት ብዘይ መስተርእዮ ባሕቲ ግንቦት ብዘይ መስተርእዮ 

ባሕቲ ግንቦት ብዘይ መስተርእዮ

ባሕቲ ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስራሕ ብዘይ መስተርእዮ ዝሕሰብ ከምዝኾነን ዕለት 1 ግንቦት በዚ ዓይነት ጽሞናዊ ኣገባብ ክዝከር እዚ ናይ ለምዘበን ፈለማ እዩ

ዕለት 1 ግንቦት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሰፍ ሰራሕተይናን ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስራሕን ሰራሕተይናታትን  ዝበዓለሉ ዕለት እዩ፥ እዚ ናይ ለምዘበን ዓመታዊ በዓል ስራሕን ሰራሕተይናታትን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈልየን ብፍላይ ከኣ እቲ ለብዒ ብዘስዕቦ ዘሎ ኵለ መዳያዊ  ቅልውላው ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ድሮ ንስእነት ስራሕ ዝተቓልዑን ዝቃልዑ ዘለዉን ብዙሓት እያቶም፡ ስለዚህ መዓልቲ ስራሕን ሰራሕተይናታትን ነዚ ጽንኩር ኩነት ብዘመላኽት ብዘይ መስተርእዮታት ኩሉ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ብጽሞና ይዝከር ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅልውላው ኤኮኖምን ማሕበራውን ሰብኣውን ብስፍሓት ይርአይ ከምዘሎን ብዙሓት ሰራሕተይናታት ኣብዚ  እዋን ለብዒ እውን ብተወፋይነት ኣብ ምግልጋል ይርከቡ፡ እዚ ናይ 2020 ዓ.ም. ባሕቲ ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስራሕ ብዘይ መስተርእዮ ዝሕሰብ ከምዝኾነን ዕለት 1 ግንቦት በዚ ዓይነት ጽሞናዊ ኣገባብ ክዝከር እዚ ናይ ለምዘበን ፈለማ እዩ። ስራሕ ክብሪ እዩ ስለዚህ ናይ ስራሕ ክቡር ዋጋ ዳግም ምልላይ የድሊ፡ ስራሕ ዜጋታትን ሃገራትን ካብ ጸገም እዩ ዘውጽእ፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዘማኣከለ ናይ ስራሕ ዓለም ንምሕናጽ ዝግበር ቃልሲ ገና ኣየብቀዔን፡ ስራሕ ናይ ዕብየትን ምዕባለን ማእከል እዩ፡ ስለዚ ዘለዎ ሰብኣውን ማሕበራውን ክብሪ ክዝከርን ክትግበርን ከምዘለዎ ኣብ ኢጣሊያ ናይ Cisl – ናይ ኢጣሊያ ናይ ሰራሕተይናታት ፈደራላዊ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ልዊጂ ስባራ ብምኽንያት ዕለት ሓደ ግንቦት መዓልቲ ሰራሕ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ መዓልቲ ስራሕ፡ ስራሕ ንኹሉ ስለ ዘሎ እዩ ክበዓል ዘለዎ እምበር ህዝቢ ብስእነት ስራሕ እናተሳቐየ ከተብዕሉ ተገራጫዊ እዩ ዝኸውን፡ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዝውዕል ርእሰ ማል ክብ ምባል የድሊ፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ስራሕ ክብሪ እዩ፡ ምዕባለን ዕበየት ኣብ ስራሕን ካብ ስራሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ባሕቲ ግንቦት ብዘይ መስተርእዮ
01 May 2020, 18:12