ኮቪድ - 19: ዕለት 14 ግንቦት ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ተሳትፎ ምእመናን

“ጸሎት እቲ ፍቱንን ብሉጽን ኣጽዋር እዩ” ዝብል ቃል ካብ መላእ ሓሙሽተን ኣብ መላእ ሓሙሽተን ክፍለ ዓለም ክቃላሕ እዩ፡ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ለብዒ ምስ ሓለፈ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ንላዕሊ እቲ ዘሕበረና ጉዳይ ከምእንዝክር ግሙት እዩ

እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስገር እግዚኣብሔር ክድግፎ ዝጠለቦ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብቲ መደብ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ኵሉ ከከም ሃይማኖቱን እምነቱን ኢኣማንያን እውን ክሓብር ዘቕረብዎ ጻውዒት ካብ ምእመናን ዘዕግብ መልሲ ይወሃቦ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናን ብሓባር ሰብኣዊ ፍትጠር እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕ ኮሮና ተህዋስ ክሰግር መታን ብሁባሬ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምስ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ምስ ዓበይቲ ኣካላት ዓለምን ሓቢሩ እግዚኣብሔር ክድግፎ መታን ክምህለል እዩ።

ወጅህታትን ድምጽታትን ካብ መላእ ዓለም ንዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም.፥ በቲ ዘይፍሉጥ ሓድሽ ምኽንያት ከቢድ ስቓይን ህልቂትን ፍርሕን ኮይኑ ዘሎ ተህዋስ፡ ዓለም ውላድ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣስተውዒሉን ነዚ ኣቦ’ዚ ድጋፉ ይሓትት፡ ናይ ሓባርን ብሓደ ድምጽን ዝዓርግ ጸሎት ምህለላን ናይ ተስፋ ድምጽን፡ መላእ ምእመናን ዓለም ብመንፈስ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞምን ተቐራሪቦምን ኣብቲ እንኮን ዓቢይ ጸሎት ሓደ ድምጺ ኮይኖም ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ክሓብሩ እዮም።

“ጸሎት እቲ ፍቱንን ብሉጽን ኣጽዋር እዩ” ዝብል ቃል ካብ መላእ ሓምሽተን ኣብ መላእ ሓሙሽተን ክፍለ ዓለም ክቃላሕ እዩ፡ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ለብዒ ምስ ሓለፈ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ንላዕሊ እቲ ዘሕበረና ጉዳይ ከምእንዝክር ግሙት እዩ፡ “ቤተ ክርስቲያን ምዃንና ንኽስምዓና ንጸልይ” . . . “ነቲ ኣብ ጥቓና ዘሎን ጐረቤትናን ንኸነፍቅር መታን ንጸልይ” . . . “ክንደሃል ኣይንፈቅድን”! . . . ብሓባር ነቲ ስቓይን ጓህን ድኻምን ክንሰግሮ ኢና።

“ጸሎትን ጾምን ግብረ ሰናይን”፥ ነቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝጠለቦ መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቃሊሖም ክሕባሩ እውን ከምዝኾኑ ኣረጋጊጾም፥ “ኵሉ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቅዕን ኣብ መጻኢና ናይ ሕውነትን ሓባራዊ ናብራን ክብሪ ክሰርት መታን ናይ ጸሎትን ምትሕብባርን ምህለላ ነቕርብ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ኮቪድ - 19: ዕድመ ር.ሊ.ጳ. ንዕለት 14 ግንቦት ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት
12 May 2020, 21:37