2020.05.02 suor Elisabetta dal Ciad 2020.05.02 suor Elisabetta dal Ciad  ታሪኽ

ጫድ፥ እናቴ ኤሊዛቤታ ኣብ ቃልሲ ጸረ ኮቪድ ተህዋስን ስእነት መግብን

ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሎጎነ ብኮቪድ ተህዋስ ዝተለክፈ ሓድ’ኳ ከምዘየሎን ናይቲ ኣብ ሰበኻ ዶባ ከተማ ደበድጂያ ናይ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍ ሓላፊት ናይ መጥባሕታዊ ሕክምና ሓኪም ኣባል ማሕበር ደናግል ኮምቦናውያን እናቴ ራኡለ ገሊጸን፡ ብርግጽ ብኮቪድ 19 ዝተለክፉ ብኑጹር ንምግላጽ ዘኽእል ዋሕዲ መሳዕር ኣሎ

ካብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ብኮቪድ ተህዋስ ብውሑድ ዝተጠቕዔት ሃገር ምዃና ኣብ ዝንገረላ ሃገር ጫድ ካብቲ ኮቪድ ተህዋስ ንላዕሊ እቲ መንግስቲ ዝደንገጐ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ኣዚዩ ንብዙሓት ዘፍርሕ ምዃኑ ኣብታ ሃገር ብደናግል ኮምቦናውያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዝምራሕ ቤት ሕክማ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ መጥባሕታዊ ሕክምና ሓኪም ናይቲ ቤት ሕክምና ሓላፊት እናቴ ኤሊዛበታ ራኡለ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፥

ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍ ሓላፊት ናይ መጥባሕታዊ ሕክምና ሓኪም ኣባል ማሕበር ደናግል ኮምቦናውያን እናቴ ራኡለ
ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍ ሓላፊት ናይ መጥባሕታዊ ሕክምና ሓኪም ኣባል ማሕበር ደናግል ኮምቦናውያን እናቴ ራኡለ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጫድ ወግዓዊና ናይ መንግስቲ ሓበሬታ መሰረት ብኮቪድ ተህዋስ ዝተለክፉ 70 ከምዝኾኑን 33 ከምዝሓወዩን 5 ኸኣ ከምዝዓረፉን ገሊጸን፥ ኣብ ኣፍሪቃ በቲ ተህዋስ ኣዚያ ዝተጠቕዔት ደቡብ ኣፍሪቃ ክትከውን እንከላ ስዒበን እውን ኣልጀሪያን ካመሩንን ጋናን ኣይቮርይ ኮስትን ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ናይጀሪያን እያተን፡ ጫድ እታ ኣዚያ ዝደኸየትን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሞት ብብዝሒ ዝረኣየላ ከምዝኾነትን ይሕብራ።

ኣብ ጫድ ኣዚዩ ዘፍርሕ ሕማም ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ጉድለት ዝተመጣጠነ መግብን እዩ

ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሎጎነ ብኮቪድ ተህዋስ ዝተለክፈ ሓድ’ኳ ከምዘየሎን ናይቲ ኣብ ሰበኻ ዶባ ከተማ ደበድጂያ ናይ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍ ሓላፊት ናይ መጥባሕታዊ ሕክምና ሊቅ ሓኪምን ኣባል ማሕበር ደናግል ኮምቦናውያን እናቴ ራኡለ ገሊጸን፡ ብርግጽ ብኮቪድ 19 ዝተለክፉ ብንጹር ንምግላጽ ዘኽእል መሳርዕ ሕጽረት ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ እውን ይብላ፥ ናይ ኮሮና ተህዋስ ምልክታ ሕማም ዘለዎ ከምዘየጋጠመንን ኣብዚ እቲ ኣዚዩ ዘፍርሕ ሕማም፥ ዓሶን ዓባይን ሰዓልን ዋሕድን ስእነትን ዝተመጣጠነ መግብን እዩ ኢለን።

ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍምቦናውያን
ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍምቦናውያን

ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሴፍ መከላኸሊ ኮነ ብቑዕ መሳርዕ ሕክምና የብሉን

ብሓገዝ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሓለዋ ጥዕና መንግስቲ ጫድ እቲ ለብዒ ቅድሚ ናብ ኣፍሪቃ ምብጻሑ ብዓንተውኡ ናይ ቀዲምካ ምክልኻል ስጉምቲ፥ ንኣብነት ዶባት ናይ ምቁጽጻርን ዝወጽእን ዝኣትውን ኩሉ መዓርፎ ነፈርትን ምቁጽጻርን ማሕበራዊ ምፍንታትን ዝብሉ ውሳኔታትን ናይ ኣፍንጫን ኣፍን መሸፈኒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብቐሊሉ ንምቕራብ ዘኽእል ኣገባባት ብምዝራግሕ ናይቲ ሕማም ናይ ምስፋሕ ኪደቱ ዳርጋ ክድረት ገይሩ እዩ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ውሳኔታት ብዓንተውኡ ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝደረኾ ከኣ ብቑዕ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን እኹልን መሳርዕ ሕክምናን ስለ ዘይብሉ እዩ፡ ስለዚህ እዞም ውሳኔታት እዚኣቶም እቲ ህማም ንኸይሰፍሕ ገይሩ እዩ ይገብር እውን ኣሎ ኢለን።

ዶባት ምዕጻውን ኣዋጅ እቶ እቶን

መንግስቲ እቲ ለብዒ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ውሳኔ ኣገዳሲ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ዶባት ምዕጻው ዘድሊ መሳለጥያ ሕክምና ንኽኣትው የሰናኽል ኣሎ፡ ማሕበር ኮምቦናውያን ደናግል ኣቐድሚምካ ንምክልኻል ዝሕግዝ መጋበርያ ናብ ጫድ ንኽኣትው ዝከኣለን ኵሉ ይገብራ ኣለዋ፡ እዚ ንበይኑ ግና እኹል ኣይኮነን፡ ስለዚ ዶባት ምዕጻው እወታውን ኣሉታውን ጎድኒ ኣለዎ፡ ሕዝቢ ንጥምየት ይዳረግ ኣሎ፡ ጫድ ኣፈት ባሕሪ የብላን ኣብ ምድረ በዳ ሰሓራ እትርከብ ሃገር እያ፡ ስለዚህ ዶባታ ስለ ዝተዓጽወ ንቐረብ መሰረታዊ ኣድላዪ ዕንቃፋት ይፈጥር ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣዋጅ እቶ እቶ ተወሲኽዎ ድማ ኩሉ ድሕሪ ሰዓት ሸውዓት ምሸት ስለ ዝዕጸው ነኣሽቱ ናይ ንግድ ምንቅስቓሳት ክዕጸዋ ስለ ዝገብር ንዝሰርሕ ኮነ ንዝሽምት ጸገም ይጥፈጥ ኣሎ፡ ምስቲ ዘሎ ድኽነት እዚ ውሳኔ’ዚ ንብዙሓት ንጥምየትን ንስእነት መግብን የቃልዕ ኣሎ፡ ዕለት እንጌራኡ ንኸናድይ ላዕልን ታሕትን ዝብል ንጥምየት ይዳረግ ኣሎ፡ ስለዝህ ከተማታት ናይ ምዕጻው ውሳኔ ነቲ ዘሎ ድኽነት ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ክብ ንኸብል ምኽንያት ይኸውን ኣሎ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ጫድ፥ እናቴ ኤሊዛቤታ ኣብ ቃልሲ ጸረ ኮቪድ ተህዋስን ስእነት መግብን
05 May 2020, 15:18