ኮንጐ፥ ብለብዕን ምዕልቕላቕ ማይን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣይዕገትን ኮንጐ፥ ብለብዕን ምዕልቕላቕ ማይን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣይዕገትን 

ኮንጐ፥ ብለብዕን ምዕልቕላቕ ማይን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣይዕገትን

ምስቲ ዘሎ ስግኣት ኮቪድ ተህዋስን ዳግም ዝቐላቐል ዝመስል ዘሎ ሕማም ኤቦላን ተተሓሒዙ እውን እቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ነቲ ከባቢ ንዝኸፍኤ ሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከምዝፈጠረን

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ደቡባዊ ኪቩ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ኣርብዓ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ኣባይቲ ከምዘባደመን ንከተማ ኡቪራ ከምዘደሴተን ብዙዕ ኣቡነ ሙየንጎ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ሓቢሮም፡ እቲ ከባቢ ብለብዒ ኮሮና ተህዋስን በቲ ከም ብሓድሽ ዝቀላቕል ብዝመስልዘሎ ለበዳ ኤቦላን በቲ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዕቦ ምዕልቕላቕ ማይ እቲ ከባቢ ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሃረመ ብሩትዕ ዝናምን ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይ ምስ ከተማ ኡቪራ ዘራኽቡ መገድታትን ድልድላትን ከምዝተበትከን ዝስተይ ማይ ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከል እውን ከምዝዓነወን ዝገለጹ ብጹዕ ኣቡነ ሙየንጐ፥ እዚ ንሕደጋ ሕማም ሽሮኽ ከቃልዕ ይኽእል ዝብል ስግኣት እውን ኣሎ ቢሎም፥ ምስቲ ዘሎ ስግኣት ኮቪድ ተህዋስን ዳግም ዝቐላቐል ዝመስል ዘሎ ሕማም ኤቦላን ተተሓሒዙ እውን እቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ነቲ ከባቢ ንዝኸፍኤ ሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከምዝፈጠረን ዝሃረመ ዝናም ንከተማ ደቡባዊ ኪቩ ዘቋርጹ ናብ ቃላይ ዝፈሱ ወሓይዝ ካዪምቪራን ሙሎንግንጕአን ካሊማአንገን መጠን ማያቶም ክብ ክመዘበሎን እዚ እውን ንምዕልቕላቕ ማይ ሓደጋ የቃልዕ ኣሎ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ናይ መላእ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብጹዓን ጳጳሳት ንዞባ ደቡብ ኪቩ ቅርበቶምን ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ዝሓበሩ ብጹዕ ኣቡነ ሙየንጎ ኣስዒቦም፥ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ኮቪድ 19 ኣብ ዝተቐላቐለሉን እዋን ብምዃኑ ምኽንያት ዓቢይ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ፡ ኣብታ ሃገር 400 ብኮቪድ ተህዋስ ከምእተለኽፉ እውን ሓቢሮም፡ እቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ኣብ ሰበኻኦም ንልዕሊ 11 ሺሕ ኣባይቲ ስድራ ከምዝሃሰየን መንግስቲ ነቲ ዝተጐድኤ ሕዝቢ ዝከኣሎ ሓገዝ የቕርብ እውን እንተሃለወ እዅል ኣይኮነን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተጐድኤ ሕዝቢ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ትርከብ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ኣቡነ ሙየንጎ፥ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ንለብዒ ኮቪድ -19 ሕጹጽ ሓደጋ ንኽትገጥም ናይ 363 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምቕራብ ከምዝወሰነን፡ ኮንጐ ኣብዚ እዋን ኮቪድ - 19ን ዳግም ዝቐላቕል ዝመስል ዘሎ ለበዳ ኤቦላን ምዕልቕላቕ ማይን ትገጥም ኣላ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ኮንጐ፥ ብለብዕን ምዕልቕላቕ ማይን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣይዕገትን
28 April 2020, 16:12