ድለ

ቅድስቲ መሬት ኢየሩሳሌም ቅድስቲ መሬት ኢየሩሳሌም 

ኣቡ ማዘን፥ ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝተበጽሑ ስምምዓት ጠጠው ንኽብል ወሲኖም

ፍልስጥኤም ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ከምዝነጸገቶን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ናይ እስራኤል በይናዊ ሉኣላውነት ምቕባል ብፍጹም ዘይከኣልን ዘይሕሰብን እዩ እንክብሉ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ርእሰ ምምሕዳር ኣቡ ማዘን ገሊጾም፡ ኣብ ታሪኽ ንኢየሩሳሌም ዝሸጡ ብዝብል መለለዪ ክዝከሩ ብፍጹም ድላይ ከምዘይብሎም ሓቢሮም

ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ሜላዊ ርክባት ምሉእ ቡክራት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ናይቲ ከባቢ ግጭት ንምፍታሕ ዘቕርቦ ናይ ሰላም ውጥን ኵሉ ዝጽበዮ ከምዝነበረን፡ ናይ ትራምፕ መንግስቲ ዘውጸኦ ናይ ሰላም ውጥን ወግዓዊ ምስ ገበሮ ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣዚዩ ንእስራኤል ዝወገነን ዘዳልውን እዩ ብዝብል ምኽንያት ብቐዳምነት ፍልስጥኤም ኣስዒበን እውን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ዘይቅብሉ ዝብል ውሳኔ ከምዝሃባሉ ክዝከር እንከሎ፥ ቅድስቲ መሬት ኢየሩሳሌም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ብሓባር ምስ ናይ ኣስራኤል መራሔ መንግስቲ ነታንያሁ ከይኖም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ውጥን ንማእከላይ ምብራቕ፡ ብዙሕ ተቓውሞ ይግጥሞ ከምዘሎን ንሰላም ካብ ምዃን ድሮ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤን ዘሎ ውጥረት ናብ ዝገደደ ደረጃ ዘብጽሕ ኰይኑን ዝተፈላለዩ ተቓውሞታት ይፈጥር ከምዘሎ ርኡይ ኰይኑን፡ ፍልስጥኤም ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ከምዝነጸገቶን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ናይ እስራኤል በይናዊ ሉኣላውነት ምቕባል ብፍጹም ዘይከኣልን ዘይሕሰብን እዩ እንክብሉ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ርእሰ ምምሕዳር ኣቡ ማዘን ገሊጾም፡ ኣብ ታሪኽ ንኢየሩሳሌም ዝሸጡ ብዝብል መለለዪ ክዝከሩ ብፍጹም ድላይ ከምዘይብሎም ሓቢሮም፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሞንጐይናነት ኣብ መንጐ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ናይ ሰላም ዘተ ዘይቅበልዎን ዘይሰማምዑልን ምዃኖም ኣፍሊጦም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ፍልስጥኤም እንተ ተቐቢላቶም 50 ሚሊያርድ ዶላር ንፍልስጥኤማውያን ሓገዝ ዝውል መደባት መሳለጢ ክልግስ እየ ዝበሎ እውን ይትረፈና ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሊት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

ውድብ ሃገራት ዓረብ፥ ንናይ ፍልስጥኤም ውዳኔ ይድግፍ

ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ዋሽንግቶን፡ ውጥን ሰላም ንማእከላይ ምብራቕ ቢሎም ዝኣምንሉ ናይ ሰላም ሰነድ ብሓባር ምስ ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ነታንያሁ ወግዓዊ ከምዝገበርዎን፡ እቲ ውጥን፥ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ክልተ ናጻን ሉኣላውያን ሃገራት ዝብልን ንፍልስጥኤም 50 ሚሊያርድ ዶላር ዝሰልዕን ኢየሩሳሌም ዘይትገማማዕ ናይ እስራኤል ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ሰነድ ኣማእኪሉ ኣብ ናይ ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮ ኣኼባ ዘካየደ ውድብ ሃገራት ዓረን እቲ ብሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ዝቐረበ እቲ ናይ ፍልስጥኤም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣስተንፍሶን ዘየኽብር እዩ እንክብ ገሊጹ፡ ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከምዘይሳተፉ  ኣፍሊጡ ዝበሉ ላ ቨላ ኣስዒቦም፡ ናይ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘን ኣብ መንጐ ሃገሮምን እስራኤልን ዝተበጽሑ ስምምዓት ጠጠው ንኽብል ከምዝወሰኑ የመላኽቱ።

 

03 February 2020, 18:05