ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን፡ ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርዲ፥ ቀረባውነት ቁምስናታት ሮማ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን፡ ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርዲ፥ ቀረባውነት ቁምስናታት ሮማ 

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን፡ ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርዲ፥ ቀረባውነት ቁምስናታት ሮማ

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ (ማቴ. 11,28)

ናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ስነ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሪቻርዲ፡ እቲ ኣቱም ኵልኹም
እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ (ማቴ. 11,28)
ብዝብል ቃለ ወንጌል ንኽምራሕን ቅዱስ ኣቦና ወሲኖም ነዚ መርሕ ቃል መሰረት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዕለት 11 ለካቲት ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን፥  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጥቓ እቲ ዝሳቐ ብቓልን ብህልዮን ዘይከነስ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ፡ ብኣካል ህልው ምዃንን ብጽሞና ምግልግልን ከምዘድሊ ሓደራ ይብሉ፡ እዚ ኸኣ እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብጸሎትን እቲ ኣብ መንጐ ሰባት ዘሎ ምርሕሓቅ ንምብጽባብ ዝድግፍ ግብረ ሰናይ ብምፍጻም ክዝከር ይግባእ ይብሉ።

ቤተ መቕደስ ዘሉርደስ
ቤተ መቕደስ ዘሉርደስ

ዘይረኣዩ ህሙማን

ሮማ ከምተን ኵለን ዓበይቲ ከተማታት ገለ ገለ እዋን ስቓይ ዘይረአየላ ዘምስል ኵነት ተርእይ፡ እዚ ግና ስቓይ ዘየለ ዘይኵነስ ብዙሕ እዋን እቲ ዝሓመመ ዘይርኡይ ዝዀነላን ተነጺሉ ዝነብረላን ስለ ዝዀነ እዩ፡ መምዘኒ ማሕበራውነት ምስ ፍርያማነት ዝተተሓሕዘ ብምዃኑ ነዚ መምዘኒ’ዚ ዘይምጥን ዝንጽል ሕብረተሰብ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ብቑምስናታታን ብኣባላታን ኣቢላ ቀረባውነት ብቓልን ብሕይወትን ትምስክር። ህሙማን ስቓዮም ብጸሎት መስዋዕቲ ገይሮም ዘቕርቡ እያቶም፡ ስለዚህ ክንክን ጥዕና ዝቐርበሎም ክውንታ ጥራሕ እዮም ቢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ፡ ካብ ዝዀነ ይዅን ሕማም ንላዕሊ እቲ ዝኸፍኤ ረኽሲ ናይ ፍርሕን ናይ ዘይተገዳስነት ህዋስ እዩ ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፡ ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ጥዕናን ማሕበራዊ ደረጃን ይረኸብ ክኽበር እዩ ዘለዎ፡ ብዘይ ቅድመ ኵነት፡ ካብ ምጽናሱ ክሳብ ባህይርያዊ ሞት፡ ክኽበርን ክዕቀብን ክግልገልን ኣለዎ ኢሎም።

ሰበኻ ሮማ ምስ ህሙማን፡ ኣብ ቤተ መቕደስ መለኮታዊ ፍቕሪ

ሰበኻ ሮማ ብምኽንያት እቲ ዕለት 11 ለካቲት ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ዕለት 9 ለካቲት ሰንበት ሮማ ኣብ ዝርከብ መለኮታዊ ፍቕሪ ኣብ እተሰምየ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብሰበኻ ደረጃ ምስ ተክለ ሰብነት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምትሕሓዝ Salvific dorois - ዘድሕን ስቓይ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘማእከለን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ስቓይ እቲ ዝለዓለ ወንጌል እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ቅዳሴን መንፈሳዊ መደባትን ከምእተኻየደን፡ ነቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ከምዝዀንን ድሕሪ ምስዋዕተ ቅዳሴ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ዘምርሔ መንፈሳዊ ዕዱት ከምእተፈጸመ ኣፍሊጦም።

ክብታ ናይ ስነ ኣእምሮ ህሙማን ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ብድሆ እዩ

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ናይ ስነ ኣእምሮ ህሙማ ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ሮማ እውን ከምተን ኵለን ዓበይቲ ከተማታት ናይ ስነ ኣእምሮ ህሙማን ዝሰፍሓላን፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣመዚኑ ዝርአይ ከምዝዀነን እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ስለዚህ ብዛዕባ ህሙማን ብይብሃል ዘይኰነስ ልክዕ ከምቲ ንህሙማን ከናድይ ዝተሰግወ እግዚኣብሔር ኣብቲ ህሙማን ዝርከብሉ ቦታ ህልውቲ ኰይና ከምተእንግዶምን ኵለ መደያዊ ኣገልግሎት ተቕብር፡ ስለዚ እቲ እተቕርቦ ኣገልግሎት ንህሙማን ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ እንክብል ኢየሱስ ብቓልን ብሕይወትን ዝሃቦ ትምህርቲ ዝኽውን ኰይኑ ክርከብ ኣለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን
10 February 2020, 17:50