ድለ

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሓን ሕይወት ካብ ህልቂት ኣውሽዊትዝ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሓን ሕይወት ካብ ህልቂት ኣውሽዊትዝ 

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሓን ሕይወት ካብ ህልቂት ኣውሽዊትዝ

ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር፡ ሰነዳት ዛዕባ ሕይወት ኣብ ምድሓን ግደ ቤተ ክርስቲያን

ዕለት 27 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ፡ ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሓን ዜጋታት ካብ ህልቂት መዳጐን ሰፈር ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ስርዓት ናዚ ዘቖሞ ሰፈር ህልቂት ኣውሽዊዝን ቢርከናውን በራት ተኸፊቱ ብዙሓት ካብቲ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝተረፉ ዜጋታት ናጻ ዝወጽሉን ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ምኽንያ ዝኽሪ ህልቂት ኣብ መዳጐን ሰፈር፡ ሰነዳት ዛዕባ ሕይወት ኣብ ምድሓን ግደ ቤተ ክርስቲያን  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ዓውደ ጉባኤ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለዩ ተቕዋማታን ገዳማታን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ብዙሓት ዜጋታት ካብ ኢድ ናዚ ከምዘድሓኑን እዚ ናይ ታሪኽ ሓቂ’ዚ ኤውጀንዮ ፓቸሊ ከም ካርዲናል ደሓር እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ንስርዓት ናዚ ብምቅዋም ነቶም ዝሳደዱ ዝነበሩ ኣይሁዳውያንን ክላኦትን ኣብ ምድሓን ዝፈጸምዎ ሰብኣውን መንፈሳውን ትብዓት ኩሉ ዝሕብር ናይ ታሪኽ ሰነዳት ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ከምዝነበረ ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንኣብነት ማሕበር ፋተበነፍራተሊን ማሕበር ሳሊዢያንን ካልኦት ገዳማት እውን ኣብ ምድሓን ኣይሁዳውያን ካብ ኢድ ናዝን ኣብዚ ተባዕ ኣገልግሎት’ዚ መስዋዕትነት ዝኸፈሉ ናይ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ገድልታት ዝገልጹ ሰነዳትን ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ክምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም፡ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሓን ሕይወት ካብ ህልቂት ኣውሽዊትዝ
27 January 2020, 17:31