ድለ

ተሄራን፡ ብሓይሊ ምክልኻል ኢራን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ቦይን 737 ተሄራን፡ ብሓይሊ ምክልኻል ኢራን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ቦይን 737 

ተሄራን፡ ብሓይሊ ምክልኻል ኢራን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ቦይን 737

እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተፈጥረ ውጥረት መላእ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ንሓደጋ ዘቓልዕን ንናይ ዒራቕ ኩለ መደያዊ ዳግመ ሕንጸት ዘሰናኽልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንዘህልው ውጥረት መሰረት ናይ ምቛም ኣኽእሎት ዘለዎ

ኣብ ልዕሊ ናይ ኡክራይን ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ነፋርት ዝተፈጸመ ምጥቃዕቲ፡ ሓይሊ ምክልኻል ኢራን ብጌጋ ዝፍጸመጾ ምዃኑ ዝሕብር መግለጺ ከምዘውጸኤን፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት እውን እታ ኣየር ወዲቓን ተጓዕዝትን ናይታ ነፋሪት ሰራሕተይንታትን ብጠቕላላ 176 ሰባት ሕይወቶም ከምዝሓለፈ ልኡኽ ጋዜጠይና አገልግሎት ክፍሊ ዜን ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ነፋሪት ብሚሳይል ሓይሊ ምክልኻል ኢራን ተሃሪማ ከምእተሓምሸሸትን እቲ ዝተፈጸመ ምጥቃዕቲ ኢራን ተሓታትነታ ተኣሚና ብጌጋ ዝተፈጸመ ምዃኑ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሓሳን ሮሓኒ ከምዘፍለጡን ዝተሰምዖን ሓዘን እውን ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡ እታ ነፋሪት ዒላማ ክትከውን ዘለዋ ናይ ጸላኢ ነፋሪት እንክብል ኣለልዩ ነቲ መጥቃዕቲ ዝድረኸ ዓይነት ጌጋ ከይፍጠርን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይክስት ኣበርቲዑ ክዓዪ መታን ተተሓሒዙ እውን ንናይ ኢራን ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ዞባ ኣዛዚ ስርሒት ዘድሊ ሕዳሴ ክግበረሉ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክውን ዘግበሮ ኣቐዲሙ ዝተወሃበ ሓበሬታ ክጻረይ ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ከምዝወሰነ ኣፍሊጦም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ነፋሪት 167 ገያሾን ትሽዓት ናይታ ነፋሪት ሰራሕተይናታትን፡ 82 ኢራኒያውያን 11 ኡክራይናውያን 63 ካናዳውያን 10 ሽወደናውያን 4 ኣፍጋናውያን 3 ጀርመናውያን 3 ብሪጣኒያውያን ኵሎም ኣደዳ ሞት ከምዝዀኑ ይሕብሩ።

ሓድሽ ማዕቅብ ኣብ ልዕሊ ኢራን

ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ተሄራንን ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ዘሰክፍን ኣብ ልዕሊ ኤኮኖሚ እውን ሳዕቤን ዘለዎ ኰይኑን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ ከምዘንበረትን ንናይ ኢራን ኢንዳስትሪ ብብርቱዕ ዝሃስይ ማዕቅብ ኤኮኖሚ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ትራፕ፥ ኢራን ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣሸባርቲ ደጋፊት እያ ቢሉ ዝኣምን ኰይኑ፡ ብኢራን ብዝድገፉ ዕጡቓት ሓይልታትን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብሓይሊ ምክልኻላ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወተሃደራውን በርገሳውን መዋቕራት ስግኣት ከምዝዀነት ገሊጹ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከይትውንን ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ጽኑዕ ምዃኑ ከምዘፍለጠ ዝሓበሩ ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎምን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት፡ ንምብዳህ፡ ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን ወሳኒ እዩ ቢሎም፡

እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተፈጥረ ውጥረት መላእ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ንሓደጋ ዘቓልዕን ንናይ ዒራቕ ኩለ መደያዊ ዳግመ ሕንጸት ዘሰናኽልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንዘህልው ውጥረት መሰረት ናይ ምቛም ኣኽእሎት ዘለዎ እዩ ስለዚህ ብዓንተውኡ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ወሳኒ እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይቲ ሓድሽ ውጥረት ቀንደይና ተዋሳእቲ ነቲ ውጥረት ክብ ዘብል ተግባራት ኩሉ ገቲአን ብምክብባርን ብምኽባር ዓለም ሓቆፍ ሕግታት መሰረት ናይ ዘተን ርእሰ ምቁጽጻርን ጩራ ከውልዓ ጻውዒት አቕርብ!

ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

ተሄራን፡ ብሓይሊ ምክልኻል ኢራን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ቦይን 737
11 January 2020, 17:45