ኣባ ፋልጣስ፡ ሕቶ ዛዕባ ኢየሩሳኤን ናይ ማእከላይ ምብስራቕ ግርጭት ንምፍታሕ ወሳኒ እዩ ኣባ ፋልጣስ፡ ሕቶ ዛዕባ ኢየሩሳኤን ናይ ማእከላይ ምብስራቕ ግርጭት ንምፍታሕ ወሳኒ እዩ 

ኣባ ፋልጣስ፡ ሕቶ ዛዕባ ኢየሩሳኤን ናይ ማእከላይ ምብስራቕ ግርጭት ንምፍታሕ ወሳኒ እዩ

እቲ ትራምፕ ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ውጥን ምስ እስራኤል ጥራሕ መኺሮም ዘዳለውዎ እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ኣሃዳዊ ጐናውነት ዘብሎ፡ ስለዚህ ምሉእን ሚዛናውን ክኸውን እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘዛተየን ዘማኸረን እዩ ክኸውን ዝነበሮ

ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ሜላዊ ርክባት ምሉእ ቡክራት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ናይቲ ከባቢ ግጭት ንምፍታሕ ዘቕርቦ ናይ ሰላም ውጥን ኵሉ ዝጽበዮ ከምዝነበረ ኣባ ኢብራሒም ፋልጣስ ናይ ትራምፕ መንግስቲ ዘውጸኦ ናይ ሰላም ውጥን ወግዓዊ ምስ ገበሮ ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሰላም ውጥን ኣዚዩ ዝወገነ እዩ፡ ስለዚህ ተቐባልነት ክረክብ እዩ ምባል ለዋህነት እዩ ዝኸውን፡ ንናይቲ ከባቢ ሰላም እቲ መዋጥር ዝዀነ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝምልከት ሕቶ ምዕሩይን ሚዛናውን መፍትሒ ክረክብ ምግባር መሰረታውን ወሳንን እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ንናይ ቅድስቲ መሬት መደበይና ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሰላም ውጥን ንማእከላይ ምብራቕ ኣሃዳዊ ጐናውነት (ድላይ በይናውነት) እዩ እንክብል ይገልጾ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ብሓባር ምስ ናይ ኣስራኤል መራሔ መንግስቲ ነታንያሁ ከይኖም ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ውጥን ንማእከላይ ምብራቕ፡ ብዙሕ ተቓውሞ ይግጥሞ ከምዘሎን ንሰላም ካብ ምዃን ድሮ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤን ዘሎ ውጥረት ናብ ዝገደደ ደረጃ ዘብጽሕ ኰይኑን ዝተፈላለዩ ተቓውሞታት ይፈጥር ከምዘሎ ዝረአይ ኰይኑ ከምዘሎን፡ ፍልስጥኤም ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ከምዝነጸገቶን ስዒቦም እውን ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ኤድሮጋን ክልተ ሉኣላውያን ሃገራትን ምስራቕ ኢየሩሳሌም ናይ ፍልስጥኤም ዋና ከተማ እንክብሉ፡ ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሰላም ውጥን ከምዝነጸግዎን፡ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘን እውን ብውገኖም፡ ኢየሩሳሌም እትሽየጥ ከተማ ኣይኰነትን፡ መሰልናን ክብርናን ዝልወጥ ናይ ንግድ ንብረት ኣይኰነን ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 30 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ሎሚ ኣብ ሞስካ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ኣብቲ ናይ ሰላም ውጥን ኣማእኪሎም ከምእተዛራረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ይሕብራ።

ኣብ እስራኤል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት መደበይና ጉባኤ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ንፍልስጥኤማውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘይህብ ናይ እስራኤል ዝበዝሔ ሕቶታት ናቱ ዝገበረ ኣሃዳዊ ጐናውነት ውጥን እዩ ቢሉ፡ እቲ ናይ ሰላም ውጥን መፍትሒ ዘምጽእ ዘይኰነስ በንጻሩ ዝለዓለ ውጥረት ዝፈጥር ኰይኑ ኣሎ ከምዝበለ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

እቲ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝምልከት ሕቶ ምዕሩይ መፍትሒ ምስ ዝርከብ ጥራሕ እዩ ሰላም ዝህልው

ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ሓው ኣባ ኢብራሒም ፋልጣስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስፍራ ዓቃቢ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ እውን ብወገኖም፡ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ትራምፕ ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ውጥን ምስ እስራኤል ጥራሕ መኺሮም ዘዳለውዎ እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ኣሃዳዊ ጐናውነት ዘብሎ፡ ስለዚህ ምሉእን ሚዛናውን ክኸውን እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘዛተየን ዘማኸረን እዩ ክኸውን ዝነበሮ፡ ኣነ ይብሉ ምስ እስራኤላውያን ኰነ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝራኸብን ሓቢረን ዝዓዪ እውን እየ፡ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ብውግዒ ምስ ተሓበረ፡ ኣቡ ማዘን፡ ኢየሩሳሌም እትሽየጥ ከተማ ኣይኰነትን፡ መሰልን ክብርን ፍልስጥኤማውያን ዝልወጥ ናይ ንግድ ንብረት ኣይኰነን እንክብሉ መግለጺ ከምዝሃቡ እውን ዘኪሮም፡  እቲ ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሰሓሕብ ሕቶ ኢየሩስላሌም ዝብል እዩ፡ ኵሉ እቲ ውጥረት ኣብ መቐነት ሕቶ ኢየሩሳሌም እይ ኰለል ዝብል ኢሎም።

ቅድስቲ መንበር ቀድምን ሎምን ብዛዕባ ኢየሩሳሌም፥ ንዅሉ ክፍትቲ ዝዀነ ኵላዊት ከተማ ዝብል ፍሉይ ማሕበራዊ ኣርካን ክህልዋ ዝብል ኣመለኻኽታ እያ እተስምዕ፡ ህልዊ ዅኔታ ኢየሩሳሌም እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናይ ፍልስጥኤም ኣይኰነት ናይ እስራኤል ኣይኰነት፡ እንታይ ደኣ ናይ ኵሉ እያ፡ ናይ እግዚኣብሔር ከተማ ኣደ ዅሉ፡ እቲ ናይ ትራፕ ናይ ሰላም ውጥን ናይ ቅዱሳት ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ መንን ሓላፍነትን መንን ንዝብል ሕቶ ዘይምልስ እዩ፡ ናይ ዮርዳኖስ ድዩ፡ ናይ እስራኤል ወይ ናይ ፍልስጥኤም? እዚ ሕቶ’ዚ ኣብቲ ውጥን ሰላም መልሲ ዘይተወሃቦ ጉዳይ እዩ፡ ስለዚህ ይብሉ ኣባ ፋልጣስ፡ ሕቶ ኢየሩሳሌም ዓለም ለኻዊ ዝብል እዩ መልሱ፡ ዓለም ለኻዊት ከተማ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላም ክሳብ ዘየለ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ኣይክህሉን እዩ ከምዝበልዎ እንክብሉ ይምልሱ።

ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሰላም ውጥን ፍልስጥኤም ዘይቅቡል ዝብል መልሲ እያ ዝሃበትሉ፡ እቲ መልሲ ከምዚ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ ነይሩ፡ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ዘይቅቡሉ ዝብል ርእይቶ እየን ዝሃባሉ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ንብዙሕ ዓመታት ተቛሪጹ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ከበራብር ዘኽእል ዑቑር ሓይሊ ዶ ይህልዎ ዝብል ንዝቕረበሎም ሕቶ፥ ኣባ ፋልጣስ፥ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ካብ ዝድስክል ነዊሕ ከይንዎ ኣሎ፡ ሕጂ ብዝገደደ እውን ፍልስጥኤም እቲ ናይ ሰላም ውጥን ክሳብ ዘይተለዓለ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ሰላም ዘተ ክርከቡ የጠራጥረኒ፡ እቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሰላም ውጥን፡ ኣብ መንጐ ሓማስን ኣል ፋታሕን ርክብ ዳግም ክህሉ ከምዝገበረን፡ እዚ ኸኣ ሓማስ ኰነ ኣል ፋታሕ ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ስለ ዘይቕበልዎ፡ እዚ ከም ናይ ሓባር ረቛሒ የሰማምዖም፡ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ወግዓዊ ምስ ኰነ ድሮ ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤም ግጭትን ዝነደረ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ይራባሕ ኣሎ፡ ሳልሳይ ኢንቲፋዳሕ ከየበራብር የፍርሕ ኢሎም።

ነታንያሁ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ዘማእከለ ክሌኣዊ ዘተ ንኸካይዱ ኣብ ሞስኰ ይርከቡ ኣለዉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘድሊ ሰላም ድላይ ኣመሪካ ወይ ሩሲያ ካብ ኣምሪካ ወይ ካብ ሩሲያ ክኸውን የብሉን፡ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እዩ ክኸውን ዘለዎ ምስ በሉ፡ ኣብ እስራኤል ኰነ ኣብ ፍልስጥኤም ድላይ ለውጢ ኣሎ ዶ ትብሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን እንክምልሱ፡ ሰላምን ለውጥን ዝደልይ ሕዝቢ ኣብ ፍልስጥኤም ኰነ ኣብ እስራኤል ብዙሕ እዩ፡ ብወገን ክልቲኦቶም ሕዝብታት ዝነቓቕሑ ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ተበግሶታት ኣለዉ፡ ብዙሕ ዘይፋለጥ ሕዝቢ ናይ ውሑዳት ዝፋለጡ ውልቃዊ ረብሓ ናይ ዘቐድሙ ግዳይ ይዀኑ ኣለዉ፡ ምስ ብዙሓት እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ብዛዕባ ሰላም ከምዝዘራረቡን ምእንቲ ሰላም ድላዮም እውን ክሳብ ኣብ ሕቶ ንኽኣትው ዘይሰግኡ ምዃኖም ከምዘስተውዕሉን፡ ሰላም ኣብ ምጽባይ ጥራሕ ዓመታት ኰይንዎም ኣሎ፡ ሃገራት ብውልቀን ዘይኰነስ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እዩ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ዘለዎ፡ ኵለን ሃገራት ኣብ ድባብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክዓያ ይግባእ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

30 January 2020, 17:48