ቡርኪና ፋሶ፥ ሓድሽ ሽበራዊ መጥቃዕትን ዓቢይ ሻቕሎት ቤተ ክርስቲያንን ቡርኪና ፋሶ፥ ሓድሽ ሽበራዊ መጥቃዕትን ዓቢይ ሻቕሎት ቤተ ክርስቲያንን 

ቡርኪና ፋሶ፥ ሓድሽ ሽበራዊ መጥቃዕትን ዓቢይ ሻቕሎት ቤተ ክርስቲያንን

ኣብ ከባቢ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ቡርኪናፋሶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ብሓባር ምስ ናይ ኒጀር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየድዎ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ከባቢ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንቤተ ክርስቲያንን ንማሕበረ ክርስቲያንን ጸጥታን ደሕንነት ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እውን ውጥረት ከህልው ዝኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም

ኣብ ቡርኪናፋሶ ዞባ ሳንማተጋ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕዳጋ ማእከል ብዝተፈጸመ ሸበራዊ መጥቃዕቲ 38 ንጹሓን ዜጋታት ከምእተቐትሉ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሻቕሎት ከይኑ ከምዘሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ናይ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ካቨኣዳ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ሕንጸት በርገሳዊ ወለንተይና ሓለዋ ጸጥታ ክህሉ ዝፈቕድ ሕጊ ከምዘጽደቐ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ካባቢ ቡርኪናፋሶ ብተደጋጋሚ ብዝተፈጸመ ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ በማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ እውን ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖ ንስደትን ምዝብልናን ይዳረጉ ከምዘለዉን፡ እቲ ዕለት 22 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘሰዓቦ ሞት ምኽንያት ርእሰ ብሔር ካቦረ ንኽልት መዓልቲ ዝቕጽል መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጁን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ ዝበለ ጉጅለ ከምዘየለ ጐወራ ገሊጾም።

ናይቲ በርገሳውያን ተቕዋማትን ተቕዋማት ሓይሊ ምክልኻልን ዒላማ ገይሩ ናይ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምስ ዓልቃይዳን ምስቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ሽበራዊ ሓይሊ ምትእስሳር ዘለዎም ጉጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ክዀኑ ከምዝኽእሉ ክሕበር እንከሎ፡ መብዛሕቲኦም እቶም ኣባላት ኣሸበርቲ ካብ ማሊ ዝመጹ ናይ ገበን ጉጅለታትን ጅሃዳውያንን ከምዝዀኑ እዩ ዝንገር።

ኣብ ከባቢ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ቡርኪናፋሶ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፡ ብሓባር ምስ ናይ ኒጀር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየድዎ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ከባቢ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንቤተ ክርስቲያንን ንማሕበረ ክርስቲያንን ጸጥታን ደሕንነት ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እውን ውጥረት ከህልው ዝኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም እንክሕብሩ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 22 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ቡርኪናፋሶ ሕዝባዊ ባይቶ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ግምት ብምሃብ በርገሳውያን ወለንተይናታት ሓለዋ ጸጥታ ንምቛም ዝፈቅድ ሕጊ ከምዘጽደቐን እቶም ኣብዚ ኣገልግሎት ጸጥታ ንኽሳተፉ ዝሓትቱ ንሓደ ዓመት ንኸገልግሉን መቑሰልቲ ምስ ዘጋጥሞም ናጻ ሕክምና ክረኽቡን ካብ መንግስቲ እውን ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ክረኽቡ እያቶም ዝብል እውን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ቡርኪና ፋሶ፥ ሓድሽ ሽበራዊ መጥቃዕትን ዓቢይ ሻቕሎት ቤተ ክርስቲያንን
23 January 2020, 17:51