ቦኮ ሓራም ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ዝፈጸሞ ሽበራዊ ቅትለት ቦኮ ሓራም ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ዝፈጸሞ ሽበራዊ ቅትለት 

ቦኮ ሓራም ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ዝፈጸሞ ሽበራዊ ቅትለት

ሸበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም እስላማዊ ሕጊ ቃል ብቓል ክትግበር ዝብልን ካብቲ ዘቕርቦ ትንታነ ቁርዓን ወጻኢ ቁርዓንን ሃይማኖት ምስልምና ምርካስ እዩ ቢሉ ዝኣምንን ካልኦት ሃይማኖታት ርኹሳን ዝብል ዕቡድ ሓውሲ ሃይማኖት ዘለዎ ፖለቲካዊ ህልዮ ዝስዕብ

ናይጀሪያዊ ጉጅለ ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራም ዕለት 22 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ነጋዶ ተመሲሎም ብምእታው ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ብውሑዱ 50 ዜጋታት ኣደዳ ሞትን መቑሰልትን ከምዝዀኑ ክሕበር እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ዝተፈጸመ ሽበራዊ ቅትለት ብወግዒ ዝተሓበረ ዕለት 4 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ምዃኑ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣብቲ ምስ ሰሜናዊ ዞባ ናይጀሪያ ኣብ ዘዳቡው ከባቢ ቀላይ ጫድ ብዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ብትኽኽል 50 ንጹሓን ዜጋታት ከምእተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ዞባ ሰሜን ናይጀሪያን ጫድን ዘዳብው ከባቢ ብተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ  ስፍራ ኰይኑ፡ እቲ ዕለት 22 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ምሕደራ ካብቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተረፉ ዜጋታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ጠቒሲ ከምዘረጋገጸ እውን ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

ኣብ 2000 ዓ.ም. ቦኮ ሓራም ሽበራዊ ጉጅለ ይብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ኤንሪኮ ላሳለ፥ እቲ ጉጅለ ኣሸበርቲ ምስቲ ብኦሳማ ቢን ላደን ዝምራሕ ምዝ ዝነበረ ዓልቃይዳ ጉጅለ ኣሸበርቲ ምትእስሳር ዝነበሮን ደሓር ግን ምስቲ ገዛእ ርእሱ እሳላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርትን ቀጺሉ እውን ምስቲ ኣብ ሶማሊያ ዝርከብ ሽበራዊ ጉጅለ ኣል ሻባብ ቀጻሊ ርክብ ዘለዎን ኣብ ዞባ ሰሜን ናይጀርያ ግዝኣት ቦርኖ ብሰፊሕ ዝንቀሳቐስ  ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብተን ምስቲ ከባቢ ናይጀሪያ ኣብ ዝዳቦዋ ሃገራት ኒጀርን ጫድን ካሜሩንን ዝተፈላለየ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽም እዩ፡ ነቲ ሽበራዊ ጉጅለ ንምቁጽጻርን ንምጥፋእን ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ምክልኻል ዘካይዶ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ስርሒት ነቲ ቦኮ ሓራም ዝፍጽሞ ሽበራዊ መጥቃዒቲ ክንክይን ንኸይህሉን ኣብ ምግባር ብቕዓት ድኹም ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ቦኮ ሓራም ዕቡድ ፖለቲካዊ ህልዮ

ሸበራዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም እስላማዊ ሕጊ ቃል ብቓል ክትግበር ዝብልን ካብቲ ዘቕርቦ ትንታነ ቁርዓን ወጻኢ ቁርዓንን ሃይማኖት ምስልምና ምርካስ እዩ ቢሉ ዝኣምንን ካልኦት ሃይማኖታት ርኹሳን ዝብል ዕቡድ ሓውሲ ሃይማኖት ዘለዎ ፖለቲካዊ ህልዮ ዝስዕብ እዩ ዝበሉ ላሳለ ኣስዒቦም፡ ናይቲ ሽበራዊ ጉጅለ ኣደዳ ሞትን ማህሰይትን መብዛሕቲኦም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝዀኑን ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ንሞት ከምዝዳርጉን ኣቢያተ ክርስቲያናት እውን ዘባርዑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንለኪምካ ምጥፋእ ንዝብል ስርሒት ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መጋበርያ ንኽጥቀሙሎም ብተደጋጋሚ ዝጨውዩን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ቦርን ካብ ዝርከብ ቤት ትህርቲ ቺቦክ ኣስታት 300 ተመሃሮ ደቀንትዮ ከምዝጨወዩን ካብተን ዝተጨውያ 50 ተመሃሮ ካብቶም ጨወይቲ ከምልጣ ከምዝኸኣላን እተን ዝተረፋ ክሳብ ሎሚ ሃለዋተን ኰነ ዘለዋሉ ስፍራ እውን ከምዘይፍልጥ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብተን ምስ ሰሜናዊ ግዝኣት ናይጀሪያ ዝዳበዋ ሃገራት ዓቢይ ስግኣት ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ቦኮ ሓራም ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ዝፈጸሞ ሽበራዊ ቅትለት
07 January 2020, 10:25