ድለ

ኣፍሪቃ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣፍሪቃ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ኣፍሪቃ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

… ኣብ ማእከላዊት ኣፍሪቃ ዘሎ ውጥረትን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቲ ልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ሕድ ሕድዊ ውግእ ንምውጋድ ዘበጽሐ ስምምዕን እናሓሰቡ፡ ሰላማዊ መፍትሒ መሰረት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ ቀንደይና ረቛሒ እዩ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ትስፍው ምዃኖም እውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣፈ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ቀጵሮስ ልኡከ መግንስቲ ጊዮርጊስ ፑሊደስ ብስም ኵሎም ልኡካነ መንግስታት ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣፍሪቃ ምልክታ ሰላምን ዕርቅን ዝረአይ ምዃኑ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ማዳጋስካርን ሞዛምቢን ሞሪሸስን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብቕረባ ክምልክቱ ከምዘኽኣሎምን ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ቡርኪና ፋሶን ማሊን ኒጀርን ናይጀሪያን ኣብ ልዕሊ ንጹሓንን ንወንጌል እሙናት ብምዃኖም ዓደዳ ሞትን ስደትን ዝዀኑ ዘለዉ ዘኪሮም፡ ኣኽራርነትን ግብረ ሸበራን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ንምስንኻልን ምግምማዕ ንምትእትታውን ዝኣመተ እዩ፡ … ኣብ ማእከላዊት ኣፍሪቃ ዘሎ ውጥረትን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቲ ልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ሕድ ሕድዊ ውግእ ንምውጋድ ዘበጽሐ ስምምዕን እናሓሰቡ፡ ሰላማዊ መፍትሒ መሰረት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ ቀንደይና ረቛሒ እዩ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ትስፍው ምዃኖም እውን ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም ኣብታ ሃገር ሰላም ክረጋጋጽ ብዝብል ተስፋ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ኣካላት ዘካየድዎ መንፍሳዊ ሱባኤን ሰላም ዘነቓቕሕ ምዃኑ ከምዝገለጹ ክዝከር እንከሎ፡ ካብቲ ዘስምዕዎ መደረ ካብ ዝጠቐስዎን ሃገራት ሓንቲ ኒጀር ክትከውን እንከላ ዕለት 12 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ልዕሊ 80 ዝግመቱ ናይ መንግስቲ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብቲ ኒጀር ምስ ማሊ ኣብ ዘዳብው ምዕራባዊ ከባቢ ብዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢድ ከምእተቐትሉ ክንገር እንከሎ ብዛዕባ ኣብ ኒጀር ዘሎ ህልው ኩነታት ኣማእኪለን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር እተሰምየ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ 1965 ዓ.ም. ብኣባ ቪቸንዞ ባርቢየሪ ዝተመስረተ ካብ ዓለም ድኽነት ንኽውገድ ዝተፈላለዩ መደባት ሕንጸትን ግብረ ሰናይን ዘካይድ ኣብ ኒጀር ናይ ዘካይዶ ዘሎ ተልእዀ ግብረ ሰናይ ሓላፊት ሞረና ዙከሊ፡ ኒጀር ካብ 2015 ዓ.ም. ኣትሒዛ ምስ ቦኮ ሓራም ርክብ ብዘለዎም ኣሸበርቲ ንዝተፈላለየ ቅልውላው ተቓሊዓ ከምዘላን፡ ካብ ዝሓለፈ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ነሓሰ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሐ ሓቢረን፡ ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ኒጀር ኣብቲ ምስ ናይጀሪያ ኣብ ዘዳብው ዞባ ሓይሊ ምክልኻል ናይጀሪያ ኣብ ልዕሊ ቦኮ ሓራም ብዘካይዶ ብሩትዕ መጥቃዕቲ ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ናይጀሪያ ይመዛበሉን ናብ ኒጀር እውን ይውሕዙ ምህላዎም ገለጺን፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን ግብረ ሰናይን ኣብ ኒጀር ካብ 2012 ዓ.ም. ድኽነት ኣብ ምውጋእ ዝብል ብፍላይ ሕዝቢ ውሕስነት ዝተመጣተነ መግቢ ከህልዎን ኣብ ርእሰ ብቕዓት ጉደና ዘሰንዮን ዝተፈላለዩ ናይ ድጋፍን ሕንጸትን መደባት ኣገልግሎት ኣበጊሱን ነቶም ካብ ናይጀሪያ ንዝመዛበሉ እውን ኵለ መደያዊ ድጋፍ የቕርብ ከምዘሎ ሓቢረን።

ሕዝብ ኒጀር ኣአንጋዲ እምበር ብዙሕ ዝስደድ ሕዝቢ ኣይኰነን፡ ብዙሓት ካብ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማሊያን  ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራት ንኽስደዱ ዝንቀሳቐሱ ከም መሰጋገሪት ዝጥቀሙላ ሃገር እያ፡ ናይ ባሕሪ በሪ ዘይብላ ሃገር እውን ብምዃና ዘለዋ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ንስደት ምቹእ ከምዘይኰነ ገሊጸን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ናይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ሶማሊያ ናይ ዘካይዶ መደብ ሓገዝ ሓላፊት ደካ ዋርሳመ እውን ብወገነን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ገዛእ ርእሱ ኣል ሻባብ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝፍጽሞ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብቂዑ ኣብዛ ካብ ርሑቕ ዓመታት ሰላም ዘይረኣየላ ሃገር ሰላም ተረጋጊጹ ናብ ዳግመ ሕንጸት ከተብል እዩ ተስፋና ቢለን፡ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንተመዛበልትን ኣብ ከርፋሕ መነባብሮ ንዝርከቡን ብፍላይ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ኣብ ምክንኻን ይርከብ ምስ በላ፡ ነቶም ካብ ኬንያን የመንን ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ሶማልያውያን ስደተይናታት እውን ኵለ መደያዊ ድጋፍ የቕርብ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።

ኣፍሪቃ ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
15 January 2020, 17:46