ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ፥ ፍራቸስኮ ሰላም ንኸነነቓቕሕ ይድግፉና ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ፥ ፍራቸስኮ ሰላም ንኸነነቓቕሕ ይድግፉና 

ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ፥ ፍራቸስኮ ሰላም ንኸነነቓቕሕ ይድግፉና

ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ዝተኸተመ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ብሓቂ ኣብ ዓለም ንናይ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሰረት ምዃኑ

ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላም ኣብ ምንቕቓሕ ዓቢይ ድጋፍ እዮም ከምዝበሉ ካብ ኒው ዮርክ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፓውሎ ማስትሮሊሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ውድብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽራኸቡ ብዛዕባ ኩሉ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎትን ዝህብዎ ሕንጸትን ኣድናቖቶም ንኽገልጹን ምስጋናኦም ንኸቕርቡ ካብ ዝብል ድላይ ዝነቐለ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዋዕይ ግዳማዊ ጽፍሒ መሬት ንኽንክይን ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕይወታዊ ፍጥረትን ምኽባር ተፍጥሮ ኵሉ ምኽባርን ምዃኑ ዝህብዎ ሕንጸን ድኽነትን ኢማዕርነትን ጠሪሹ ንኽውገድ ዘቕርብዎ ጻውዒትን ምዕዳንን ብዝሓ ጐድናዊ ኪደት ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ ውሑስ ክኸውንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽባርን ምእንጋድን ካልኦት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎም መርሓ ግብርታት ኣማእኪሎም ዝህብዎ ኣስተምህሮን ዘቕርብዎ ጻውዒትን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሸቶታት ክብጻሕ መታን በቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ጻዕርን ዕዮን ኣቢሎም ዝህብዎ ዓቢይ ድጋፍን ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ምንቕቓሕን ፈላላይ መናድቕ ዘይኰነ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽን ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ቀረባ ምዃንን ድጋፍ ምቕራብን ናብ ሰላም ዘብጽሕ መገዲ ምዃኑ ዘመሓላልፍዎ ለበዋን፡ ዝህብዎ መርሕን ምእንቲ እዚ ዅሉ ብቐረባ ንኸመስግንዎምን ዘለዎም ኣድናቖት ንኽገልጽሎም ብዝብል ድላይ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ቅዱስነቶም ክራኸቡን ምዃኖም ይሕብሩ።

ናይ ሃይማኖት ናጽነት?

ብዛዕባ ሰላምን ምንቕቓሕ ሰላምን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ኣብ ዝብሉ ኣብ ዓለም ንዓቢይ ሓደጋ ዝተቓልዑ ጉዳያት ምስ ቅዱስነቶም ክመኽሩን ከመያየጡን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ነው ዚላንድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጸረ መስጊድን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጸረ ሙክራብን ኣብ ሲሪ ላንካ ኣብ ዝሓለፈ በዓለ ፋሲካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጸረ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ብጠቕላላ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ናይ ስግደን ኣምልዀን መሰልን ኣብ ዘማእከለ ሓሳብ እውን ክመያየጡ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ዝተኸተመ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ  ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ብሓቂ ኣብ ዓለም ንናይ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሰረት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ንሰላምን ንናይ ሃይማኖት ናጽነትን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን?

ኣብ ዓለም ልዕሊ 70 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ንኽመዛበል ተገዲዱን ተመዛቢሉን ይርከብ፡ እዚ ብዝሒ ተመዛባሊ ዜጋ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ  ብዝሒ ተመዛበልቲ ብ 2.3 ሚሊዮን ከምዝወሰኸን፡ ዓመጽን ውግእን ዘይምርግጋእን፡ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ክብታ ብዝሒ ሕዝቢታትን ምስፋሕ ከተማታትን ስንኩፍ ውሕስነት መግባውነትን ዝብሉ ዓበይቲ ጸገማት ዘርዚሮም፡ ዕለት 17 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. መራሕቲ ሃገራት ዓለም ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘዳለዎ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ኣብ ጀነቭ ክመኽሩ እዮም፡ እዚ ዓቢይ ብድሆ’ዚ መጻኢ ዓለም፡ ንምብዳህ ዘኽእሉ መገድታት ንምልላይ ዝፍትን ከምዝኸውን ይሕብሩ። … ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ስደትን ምዝብልናን ስደተይና ንዝኣትወለን ሃገራት ዝምልከትን ዝሕደግን ጉዳይ እዩ ቢልካ ሸለል ምባል ኣይግባእን፡ ዓለም ሓቆፋዊ ክስተት እዩ ኢሎም። …

ብዛዕባ ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር?

ቅድሚ እቲ ዝተዛዘመ ብዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመኸረ ናይ ማድሪድ ዓውደ ጉባኤ ቅድሚ ምክፋቱ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ብከላ ኣየር ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ግድን እዩ፡ እነደሓርሕረሉ ግዜ ኣይኰነን ኢሎም ከምዝነበር ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ናይ ማድሪድ መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር፡ ከምቲ ዝተሓሰቦ ኣብቲ ዘድሊ ውሳኔ ኣየብጸሔን እዚ ኸኣ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዓቢይ ዕድላት እዩ ዘባኽን ዘሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ተስፋ ምቑራጽ ናብ ስዕረት ዘብጽሕ ስለ ዝዀነ፡ ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ከምቲ ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ዝብልዎ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ንኽብጻሕ፡ ዝከኣል ኩሉ ምግባር የድሊ፡ ክሳብ 2050 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ እውን ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍነው በካሊ ጋዝ ጠሪሹ ከይህሉ ዝግበር ጻዕሪ ተበጻሒ ንኽኸውን ዘድሊ ጻዕሪ ክካየድ ምዃኑን፡ ዋዕይ ግዳማዊ ጽፍሒ መሬት ካብ 1.5 ዲግሪ ክብ ከይብል ዝድግፍ ምዃኑ የብርሁ።

እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጠሪሹ ከይህሉ ምግባር? 

ኣብ እዋን ዝሑል ውግእ ኑክለሳዊ ግጭት ከይባራዕ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ተበጺሖም እዮም፡ ነዝን ከምኡ እውን ንምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋሪ ዝሓልይ ፍሉዩ ተቕዋም ቆይሙ እዩ፡ ብሓቂ ብዙሕ ውጽኢት ንኽዕተር እውን ደጊፉ እዩ፡ ይድግፉ እውን ኣሎ፡ ሎሚ ዘሎ ህልው ኩነታት ርኢኻ፡ ንድሕሪት ምምላስ ከምዘሎ ተስተውዕል፡ ኣብ እዋን ዝሑል ውግእ ዓለም ተበጺሖም ዝነበሩ ስምምዕት ኣብ ምኽባሮም ምዝላቕ ይርአይ ኣሎ፡ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ህልው ኩነታት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡  …. ብዘይ ውዓል ሕደር ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ስምምዕ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ትግበረን ወሳኒ እዩ … ።

ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ካልኣይ ዝሑል ውግእ ዓለም?

ብዙሓት ናይ ስነ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ፖለቲካ ተንተንትን ናይ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካዊ ኪደት ተንተንቲ እውን፡ እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት፡ ካልኣይ ዝሑል ውግእ ዓለም እንክብሉ ይግለጽዎ፡ እዚ ፍርሒ’ዚ ብመንዘንታት ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ንብዙሓት ሚሊዮናት ህዝብታት እወታዊ ውጽኢት ኣለዎ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ነቓዕ የተኣታትው ኣሎ፡ ኣብ መንጐ እተን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ መዳይ ዕደ ጥበብ ምግምማዕ እንተተፈጢሩ ብርግጽ ብህልዮ ዕደ ጥበብ መሰረት ዓለም ናብ ክልተ ቅጽሪ ክገማምዓ ዝከኣል እዩ፡ ነፍሲ ወከፈን ብስነ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ፖለቲካዊን ኤኮኖሚያውም ረብሓ ተመሪሔን ናይ ገዛእ ርእሰን መምርሕታት ክህሉ እንተድኣ ገይረን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ብዙሕ ጸገም ክህሉ ዝከኣል እዩ፡ ሰላምን ውሕስነትን ዓለም ሓቆፍ ምርግጋእን ዓለም ሓቆፋዊ ውዕሊ ይሓትት። …

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም?

ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 1945 ዓ.ም. ዘቖሞ ምኽንያት ሰላም ምዕባለ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብሉ ዕሴታት እያቶም፡ ሎሚ እውን ማዕረ ማዕረ እቲ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እዋናዊ ተወሳኺ ምኽንያት ቅዋሜኡ ኰይኑን ምቛሙ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ካብ ቀደም ዛይዱ ይርከብ፡ ምዕባለን ድኽነትን፡ ሰላምን ውግእን፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምዝመዛ ተፈጥሮን ዝተተሓሓዘ ጉዳይ እዩ፡ ንእዋናዊ ብድሆታት ብትኽክል ንምግጣም ዘድሊ መጋበርያ ብዝሓ ጐድናውነት እዩ፡ ስለዚህ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ምኽንያት ኣብ ዝግበር ዋዕላ መንግስታት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ቅኑዕ ምይይጥ ከካይዳ ዘለዎም ትጽቢት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ይገልጹ።

ዳግማዊ ምውቓር ሕቡራት መንግስታት ዓለም?

ኮፊ ኣናን፥ ሕዳሴ ወይ ዳግማይ ምውቓር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዘይ ዳግማዊ ምውቓር ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጠሪሹ ዝከኣል እይኰነን ይብሉ ነይሮም፡ እዚ ሓሳብ እዚ ዝድግፎን ዝሰማምዓሉን እዩ ዝበሉ ጉተረዝ ኣስዒቦም፡ እቲ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ናይ 1945 ዓ.ም. ዓለም ነጸብራቕ እዩ፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቅዋም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ቤት ምኽሪ ክህሉ ዝብል ውሳኔ ሕዳሴ ዘድልዮ ምዃኑ እምነት ከንጸባርቓ ተስፋ እገብር ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ፥ ፍራቸስኮ ሰላም ንኸነነቓቕሕ ይድግፉና
16 December 2019, 17:37