ድለ

ናጻ ሓበሬታን ሕትመትን ንምክልኻል ናጻ ሓበሬታን ሕትመትን ንምክልኻል 

ናጻ ሓበሬታን ሕትመትን ንምክልኻል

ጋዜጠይናታት ምእስራን መራኸቢ ብዙሓን ክዕጸዋ ምግባርን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምግሃስ እዩ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ጋዜጠይናታት መሰልን ክብርን ተማጓቲ ሽማግለ ናይ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ሓበሬታን ሕትመትን ጋዜጠይናታትን ዝምልከት ኣብ ዝውጸኦ ጸብጻብ፡ 250 ጋዜጠይናታት ኣብ ናይ መንግስታት ኣባይቲ ማሕቡስ ከምእተዳጐኑን፡ ኣብ ቻይናን ቱርክን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይናታት ዝፍጸም ጸቕጢ እቲ ዝበርትዔ ምዃኑን እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ብዛዕባ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ግህሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዘቕርብዎ ህየሳ ምኽንያት ዝወርዶም ግፍዒ ከምዝዀነ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ኣብተን ዘይናጻውያን መንግስታት ኣኣብ ርከብወን ሃገራት ጋዜጠይናታት ንሓደጋ ከምዝቃልዑ እቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸብጻብ ከመላኽት እንከሎ፡ ኣብ ቻይና 48 ኣብ ቱርኪ 47 ኣብ ሱዕዲ ዓረብን ምስርን 26 ኣብ ኤርትራ 16 ኣብ ቨትናም 12 ኣብ ዒራን 11 ኣብ ራሻን ካመሩንን 7 ጋዜጠይናታት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ማሕቡስ ከምዝርከቡን፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ 3 ኣብ ቻይና እውን ሓደ ናይ ወጽኢ ሃገራት ጋዜጠይናታት ኣብ ቤት ማሰርቲ ከምዝርከቡን እቶም ጋዜጠይንታት ኣብ ሃገሮም ዘሎ ብፍላይ ናይ መንግስቶምን ናይ ፖለቲካ ውድባት ጉድለታትን ዘረአይ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ስለ ዘቃልዑ ዝተኣስሩ ከነሶም  ሓበሬታዊ ጽልማን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣቕሪብኩም ዝብል ክሲ ከምዝቐረቦምን ኣብ ቻይናን ቱርክን ብዙሓት ናይ ዜና ኣገልግሎት በስገዳድ ከምእተዓጸዋን ብዙሓት ጋዜጠይናታት ኣብ ቱርክ ብኣሸባርነት ብዝብል ምስምስ ካብ ጋዜጠይናነት ሞያኦም ከምእተሰጉ የመላኽት።

ጆል ሲሞን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጋዜጠይናታት ሽማግለ ወሳኒ ቤት ምኽሪ ኣመሓዳሪ፡ ጋዜጠይናታት ምእስራን መራኸቢ ብዙሓን ክዕጸዋ ምግባርን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ምግሃስ እዩ፡ ነዚ ዓለም ሓቆፍ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ምቕራብን ኪደት ብናይ ብዙሓት ሃገራት መንግስታትን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ይሰናኸል ከምዘሎ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. 24 ጋዜጠይንታት ከምእተቀትሉን፡ ካብ 1992 ክሳብ 2019 ዓ.ም 1,362 ጋዜጠይናታት ከምእተቐትሉን፡ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝተኣስሩ ጋዜጠይናታት ናጻ ክልቀቑ ብዘካይዶ ጓስጓስን ብዘቅርቦ ናይ ናጻ ናይ ጠበቓ ኣገልግሎትን ምኽንያት 80 ጋዜጠይናታት ናጻ ክልቐቑ ከምዝገበረ እውን የዘኻኽሩ።  

ናጻ ሓበሬታን ሕትመትን ንምክልኻል
14 December 2019, 17:38