ናይጀሪያ፡ ሸቶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣብታ ሃገር ውጥረት ምፍጣር ዝብል እዩ ናይጀሪያ፡ ሸቶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣብታ ሃገር ውጥረት ምፍጣር ዝብል እዩ 

ናይጀሪያ፡ ሸቶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣብታ ሃገር ውጥረት ምፍጣር ዝብል እዩ

ብበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝገልጽን ናይ 11 ሰባት ዘሰቕቕ ኣቀታትላ ዘርእይ

ኣብ ናይጀሪያ ምዕራባዊ ከባቢ ኣብ እትርከብ  ክፍለ ሃገር ኢስዋፕ ዝርከቡ ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ናይ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና መራሒ ዝተፈጸመ ቅትለት ሕነ ንምፍዳይ ብዝብል ግብር መልሲ ኣብ ልዕሊ 11 ክርስቲያን ዝተፈጸምዎ ዘሰቅቕ መቕተልቲ ዘርእይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝዘርገሑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ኣቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ካይጋማ፡ ናይቲ ግብረ ሸብራ መጥቃዕትን ዝተመሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትን ሸቶ ኣብታ ሃገር ኣብ መጐ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስቲያንን ውጥረት ንምፍጣር ዝሃቀነ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝዘርገሖ ናይ 56 ድግምቲ ንውሒ ዘለዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ እቲ ዝተጸመ ግብረ ሸበራ ኣበይ ከበቢ ናይጀሪያ ምዃኑ ዘየመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 25 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝገልጽን ናይ 11 ሰባት ዘሰቕቕ ኣቀታትላ ዘርእይ ኰይኑ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ናይ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና መራሒ ኣቡ ባክር ኣል ባግዳዲን ናይቲ ጉጅለ ኣሸበርቲ ወሃቢ ቃል ኣቡል ሃሳን ኣል ሙሓጂር ዝተፈጸመ መቕተልቲ ሕነ ንምፍዳይ ዝሃቀነ ምዃኑ በቲ ገዛእ ርእሱ ናይቲ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ወገን እየ ዝብል ኣብ ናይጀሪያ ዞባ ኢስዋም ዝርከብ ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝሕብርን፡ እቲ መቕተልቲ ኣበይን መዓስን ይፈጸም ዘረጋጽ ሓበሬታ ከምዘየቕርብ ይንገር።

ውጥረት ንምፍጣር ዝሃቀነ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር

ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢግናዚዩስ ኣይው ካይጋማ፥ እቶም መኽረርት ሃይማኖት ምስልምና ዝዘርግሕዎ ኣብ ልዕሊ 11 ክርስቲያን ዝተጸመ መቕተልቲ ዘርእይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ናይ ናይጀሪያ ማሕበራዊ ሰላማዊ ናብራ ንምህዋኽን ኣብ መንጐ ክርስትያንን እስላምን ውጥረትን ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ንምትእትታው ዝሓቀነ እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ካብ 2009 ዓ.ም. ንነጀው ዓ.ም. 30 ሺሕ ዜጋታት ብሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምእተቀትሉ

ናይጀሪያ ካብ መጥቃዕቲ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ገዛእ ርእሳ ንምክልኻል ዝተሳእና ሃገር ከምእተመስል ክንገር እንከሎ ኣብታ ሃገር ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ናይ ዘቕርባ ዘይመንግስታውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት፡ ካብ 2009 ዓ.ም. ንነጀው ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት 30 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት፡ ጅሃዳውያን ዝብፈጸመዎ ግብረ ሽበራ ከምእተቐትሉን ካልኦት ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ከምእተመዘበሉን ናይዚ መቕተልትን ምዝብልናን ተሓታቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀስ ገዛእ ርእሱ ቦኮ ሓራም ቢሉ ዝሰመየ ዕጡቓት ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝዀነን፡ እዚ ጉጅለ ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ መብዛሕቲኡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ ዝበልን ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ናይጀሪያ ሓይሊ ምክልኻን ብዝፈጸሞ ጸረ ኣሸባርያን መጥቃዕቲ ንኽልተ ተኸፊሉ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢ እታ ሃገር ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ምዃኑ ይንገር።

ቡሓሪ፡ ግብረ ሸበራ ጸረ ማሕበራዊ ሰብኣውነት እዩ 

ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ሙሓማዱ ቡሓሪ፡ ሕዝቢ ሃገሮም እቲ በቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላምን ውጥረትን ዓመጽን ክህልው ኣሚቱ ዝፍጽም ግብረ ሽበራ ከይገማማዕ ሓደራ ቢሎም፡ ሕዝቢ ዝቐትልን ኣልቦ ሕልና ብዝዀነ ተግባሮም ሃይማኖት ምስልምና ዘመራስሑን ኣልቦ እግዚኣብሔር ዝዀኑን እቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራቶም ጸረ እግዚኣብሔር እውን እዩ ከምዝበሉን፡ ነቶም ኣሸበርቲ ናይ ጸልማትን ሞትን ልኡኻት እንክብሉ ሰምዮም፡ ናይ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ጸላእቲ እያቶም ከምዝበሉ ናይ ናይጀሪያ መራኸቢ ብዙሓን ይሕብራ።

ናይጀሪያ፡ ሸቶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣብታ ሃገር ውጥረት ምፍጣር ዝብል እዩ
30 December 2019, 16:21