ድለ

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ፍጥረት ሰብ ክቡርን ዘይገሃስን እዩ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ፍጥረት ሰብ ክቡርን ዘይገሃስን እዩ 

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ፍጥረት ሰብ ክቡርን ዘይገሃስን እዩ

ፍጥረት ሰብ ወትሩ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነትን ኣብ ዝዀነ ናይ ምዕባለ ኣርካን እውን ይሃሉ ዘይገሃስ ክብሪ ዘለዎ እዩ። እዚ እምንቶ’ዚ እተድኣ ተነጺጉ ንምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝድግፍ ጽኑዕ መሰረት ኣይክህሉን እዩ

ዕለት 9 ታሕሳስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ለምዘበን 2019 ዓ.ም. ምስ ዝኽሪ መበል 71 ዓመት ዓለም ሓቆፍ ድንጋገ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ተተሓሒዙ ዝተዘዘከረ ኰይኑ፡  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ዕለት 9 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ፍጥረት ሰብ ወትሩ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነትን ኣብ ዝዀነ ናይ ምዕባለኡ ኣርካን እውን ይሃሉ ዘይገሃስ ክብሪ ዘለዎ እዩ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ብዛዕባ ኪደት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዓለም ናይ ኣምነስት ኢንተናሽናል ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ውድብ ጨንፈር ኢጣሊያ ወሃቢ ቃል ሪካርዶ ኑርይ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሰፊሕ መብሪ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣንቶነላ ፓለርሞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍጥረት ሰብ ወትሩ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነትን ኣብ ዝዀነ ናይ ምዕባለ ኣርካን እውን ይሃሉ ዘይገሃስ ክብሪ ዘለዎ እዩ። እዚ እምንቶ’ዚ እተድኣ ተነጺጉ ንምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝድግፍ ጽኑዕ መሰረት ኣይክህሉን እዩ ዝብል መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ፈለማ መልእኽቶም ኣኰነን፡ ደጋጊሞም ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ናይቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ድኻታትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ብዘይ ገለ ቅድመ ኵነት ውሑስ ክኸውን ይምዕዱን ጻውዒት እውን ከምዘቕርቡ ኵሉ ዝፈልጦ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኢጣሊያ ሪካርዶ ኑርይ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ዘመሓልፍዎ ምዕዳንን ኣስተምህሮን ማእከል ካብ ዝገብርዎም ዓበይቲ ጉዳይ ሓደ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ከከም ሓላፍነቱ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተጊሁ ክዓዪ ከይተሓለሉ ብዘለዎን ግብረ ገባዊ ስልጣን ዘተሓሳስቡ እዮም ኢሎም።

መንእሰይ ወለዶ ምእንቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክዓዪ

ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ዝብል ውሳኔ ካብ ዝድንገግ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሰላሳ ዓመት ከምዘቑረን ዘዘኻኸሩ ኑርይ ኣስዒቦም፡ መንእሰይ ወለዶ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተጊሁ ክዓይን እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ  መላእ ዓለም ውሑስ ክኸውን ክንቀሳቐስ ኣለዎ፡ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ተጊሁ ንብሉጽ ዓለም ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሰልን ክብርን ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜጋዊ መሰሉን ክብርን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ባህላውን ክብሩ ውሑስ ክኸውንን ብዘይ ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ማሕበራዊ መበቆልን ጾታውን ፖለቲካዊ ርእየትን ብመሰረት እቶትን ኣካለ ስንከላንን ይሃሉ ኣብ ዝዀነ ይኹን ስፍራን ኩነት ሕይወትን ክኽበረሉ ይግባእ፡ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ፓለርሞ ይሕብራ።

ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዓብይ ኵነት ተኣፋፍነት ዝርከቡ ብፍላይ ኣብቲ ውግእን ግጭትን ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዓለም ይብሉ ኑርይ፡ ኣብ ውግእን ምዝብልናን ስደትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ኣብ ዝረአይሉ ብዝያዳ ዝጥቅዑ እያቶም። ሕጻናት ናይቲ ባዕሎም ዘይፈጠርዎ ጽንኩር ኩነት ውግእን ምዝባዕ ኣየር ብዝይዳ ዝጉድኡ ከምዝዀኑን፡ ንኣብነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ንዘክር፡ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ዘይውሕስ ፖለቲካ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ዓለም ሳዕቤኑ ኣንታይ ምዃኑ ንርእዮ ዘሎና ተመክሮ እዩ ይብሉ።

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ

ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ዝተገብረ ጻዕሪ ኵሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ተስተውዕል፡ ካብ 1948 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተፈጻምነቱ ብዙሕ ዝተረጋገጸ ኣይመስልን፡ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ኣብ ወረቐት ዝተቐለመ ውሳኔ ኰይኑ ዝተረፈ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓለም ውሑስ ንኽኸውን ዝግበር ጻዕሪ ገና ነዊሕ ጉዕዞ ዘድልዮ ምዃኑ ህልው ኩነታት ዒራንን ዒራቕን ሊባኖስን ቺለን ሆንግ ኰንግን ዘሎ እዋናዊ ኩነት ዝምስክሮ እዩ ምስ በሉ፥ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ጽልእን ምግምማዕን ፖለቲካ ዝበራበር ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ ህልው ኩነታት ዓለም ርኢኻ ብሓቂ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ውሕስ ክኸውን ናይ ኵሉ ጻዕሪ ዝሓትት ከምዝዀነ ኣብሪሆም፡ ሕዝብታት ምእንቲ መሰልን ክብርን ክንቀሳቐሱ ይግባእ ቢሎም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

 

11 December 2019, 16:37